ፓሮሊን፥ ሕዳሴ ኵርያ፥ ር.ሊ.ጳ. ንምግልጋላ ኣገዳሲ እዩ ፓሮሊን፥ ሕዳሴ ኵርያ፥ ር.ሊ.ጳ. ንምግልጋላ ኣገዳሲ እዩ 

ፓሮሊን፥ ሕዳሴ ኵርያ፥ ር.ሊ.ጳ. ንምግልጋላ ኣገዳሲ እዩ

ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. መጽናዕቲ ዝግበረሉ ዘሎ ብዛዕባ ሕዳሴ ኩርያ ዝገልጽ ነቲ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተደንጊጉ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሕያዋይ ጓሳ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝትክእ ናይ ሕገ ቀኖና ሊቃውንቲ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ሕጊ ቃላት ብቕዓት ዝተጠቐመሎም ቃላት ብቐረባ ክምልከትዎ እዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካብቲ ኣብ ስትራስበርግ ዝገበርዎ ጒዕዞ ሒደት መዓልታት ምስቲ ላ ክሯ እተሰምየ ናይ ፈረንሳይ ዕለታዊ ጋዚጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቫቲካን ብናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት መርማሪ ኪህሎት ናብ ሓቂ ዘብጽሕ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ብዛዕባ ናይ ስነ ህይወት ስነ ምግባራውነት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ  ሃይማኖትን ዕለታዊ ሕይወትን ኣብ ዝገማምዕ ውሳኔን ኵሉ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ድምጹ ከስምዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፈረንሳን ሃይማኖት ነጻጊ ዓለማዊ መንግስቲ፥ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ፖለቲካን ዘለዎም ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣብ ማእከላውን ምዕራባዊ ኤውሮጳ ብዛዕባ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ዝምልከት ዝጸደቑ ዘሎ ሕግታትን ር.ሊ.ጳ. ናብ ፓሪስ ዝገብርዎ ጒዕዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወረደ መቕዘፍቲ ቈልዑን ሕዳሴ ኵርያን ዝምልከቱ ኣርእስታት ምስቲ ላ ክሩዋ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ፈረንሳ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝዳህሰሱን ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ መርመራ፥ “ሕቂ ክወጽእ ተስፋ ንገብር”

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምቲ ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝበልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ዚኽፈት ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ተፈጺሙ ዝበሃል ዓመጽ ዝምልከት ኪህሎት ጠቒሶም “እታ ሓቂ ዝፈልጣ እግዚኣብሐር ጥራሕ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረጋገጽ ሓቂ ሰብኣዊ እዩ፥ ይኹን ደኣ እምበር ንጥቕሚ ኵሉ ድማ ሓቂ ኪወጽእ ተስፋ ንገብር” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዓመጽ ክንገጥሞ ዝግብኣና ጎልጐታ እዩ

ብጹዕነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ተፈጺሙ ዝበሃል ጾታዊ ማህሰይት ዝምርምር ዘሎ ናጻ ዝኾነ ሽማግለ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ መርመራ ውጽኢት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ወግዓዊ ክገብር ተስፋ ኣሎና፡ “ምናልባት ዓቢ ስቓይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንሓቂ ግን ክንፈርሃ የብልናን። ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ በቲ ዘንብብዎ ኣዚዮም ከም ዝጒህዩን ከም ዝዋረዱን ኣፈልጥ እየ፡ እንተኾነ ግን ነዚ ጸበባ እዚ ክንገጥሞ እዩ ዘሎና። ካብኡ ነዚ ተርእዮ እዚ ንምቅላስን ነዚ ተግባራት እዚ ንኸይድግመ ሓድሽ ሕልና ክውለድ ዝከኣል እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካብቲ ክሳብ ሕጂ ንምስሊ ቢተ ክርስቲያን ዝኸወለ ነገራት ምውጋድ

ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. መጽናዕቲ ዝግበረሉ ዘሎ ብዛዕባ ሕዳሴ ኩርያ ዝገልጽ ነቲ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተደንጊጉ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሕያዋይ ጓሳ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝትክእ ናይ ሕገ ቀኖና ሊቃውንቲ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ሕጊ ቃላት ብቕዓት ዝተጠቐመሎም ቃላት ብቐረባ ክምልከትዎ እዮም፡ እቲ ሓድሽ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ዘርእስትይ ቅዋም ዝትክእ ተሓቲሙ ንንባብ ናይ ምብቃዕ ውሳኔ ናይ ር.ሊ.ጳ. እዩ ዝኸውን፡ ኣብቲ ዝተሓላለኸን ብዝሓ ዘመናት ኣብ ዘቝጽር ዘሎ ኵርያ ሮማና ዝተኣታተው ለውጢ ገለ ገለ ጸገማት ከምጽእ ዝከኣል እዩ፥ ምኽንያት ለውጢ ብዙሕ ክትሓድጐን ሓደስቲ ነገራት ክትቕበልን ዝሓትት ብምዃኑ፡ እንተኾነ ግን ንጥቕሚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ. መጋበርያ ንምግባር ናይ ሓቂ ባህግን ድላይን ኣሎና። ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዚዓዪ ዝነበረ ኣገልግሎትን ምስልን ቤተ ክርስቲያን ዝኽውል ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ነገር ከርሕቕ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳ ብጻሕ ከካይዱ ድላይ እምበር መደብ የሎን

እቶም ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝብል ሓሳብ እውን እንተሃለወ ዝተወሰነ መደብ ግን ኣይኮነን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈረንሳ ናይ ምብጻሕ ድላይ ከምዘለዎም ንርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን እውን ዝሓበርዎም እዩ፡ ብትኽክል እቲ ምብጻሕ ዝካይድሉ ዕለት ፍሉጥ ኣይዅን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክካየድ ተስፋ እገብር፡ ፈረንሳ ናይ ቅዱስነቶም ብጻሕ ዝግብኣ ሃገር እያ” ምስ በሉ ኣስዒቦም እቲ መበል ሚእቲ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ፈረሳን ዘሎ ብስነ ሜላዊ ዝተበገሰ ክሌኣዊ ርክብ ኣማእኪሎም፥ “እቲ ክሌኣዊ ርክብ እወታዊ እዩ፡ “ብዛዕባ ጉዳይ ማሓድሮን ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ለብዕን ሓባራዊ ሻቕሎት ኣሎና” ይኹን እምበር “ከም ምንካይን ምርጋፍን ኣጽዋር ውግእን ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ኣብ ዝምልከቱ ሕቶታት ፍልልያትና ይቕጽል ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለማውነት ፈረንሳ፥ ተኣፋፊ ኣርእስቲ እዩ

ብዛዕባ ጒዳይ ዓለማውነት ፈረንሳ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ዋና ጸሓፊ ቅዱስቲ መንበር እንክምልሱ፥ ኣብቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ውድባትን ቦታታት ኣምልኾን ስግደት ዝያዳ ምቍጽጻር ክገብረሉ ዝኽእል ብዛዕባ “ሃይማኖታት ምንጻል” ዝገልጽ ኣከራኻሪ ሕጊ ኣብ ፈረንሳ ሕዝባዊ ባይቲ ዘተ ይካየደሉ ከምዘሎ ዘኪሮም፡ እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖታት ውድባትን ናይ ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ዝቆጻጸር ይኹን ዝብል ዝምባለ ዘስዕብ እዩ፡ ዓለማውነት ፈረንሳ ኣብ ዝኾነ ይኹን ካልኦት ሃገራት ዘየለ እቲ ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ ጥራሕ እንረኽቦ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ፈረንሳ ሰውራ፡ ብሓደ ሸነኽ መንግስትን ሃይማኖትን ዝፈላለየ እዩ፡ እዚ እውን እወንታዊ እንተኾነ ሃይማኖት ናይ ምንጻግ ብርቱዕ ባህርያት ክህሉ ዝገበረ እዩ፡ እቲ ጸገም ኣብዚ እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ዘይተነብረ ዓይነት እዩ፡ እዚ ዅሉ ፍጻሜታት ምልክት ገዲፉ እዩ ነቲ ኣብ ሕበራዊ ናብራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ስፍሓት ኣበርክቶ ናይ ምግባር ሓባራዊ ሸቶ ዝሓረገ እውን እዩ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ንቕድሚት ምባል ዝድርኽ ክኸውን እምበር ዘሰሓሕብን ናብ ኣዕናዊ ሃዋሁ ዝመርሕን ናብ ቅልላውን መጥቃዕቲ ዝድርክ ክኸውን የብሉን” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥   

ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ሕግታት

ብጹዓነቶም ምስቲ ላ ክሩዋ እትሰምየ ፈረንሳዊ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ሕግታት ዝምልከት ኣብ ፈረንሳ ተቐባልነት ዝርከብ ዘሎ ጒዳይ ጠቒሶም፥ ካቶሊካዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ እምነት ተመርኲሲ ክከራኸር ድምጹ ከስምዕ ከምዝኽእል ብጹዕነቶም ሓቢሮም፡ “እዚ ኸኣ ዋላ እውን እቲ ሕጊ ተቐባልነት እንተረኸበ ንኽብርን ዋጋን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ንምጥባቕ ኢሎም ዝገብርዎ” እዩ። ይኹን እምበር “ኣብ ፖለቲካዊ ህልዩ ዝተመርኮሰ ዘይኮነ እብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝጸንዔ ክትዕ እዩ” ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

14 July 2021, 08:34