ዜና ዕረፍት ሞንሰንግዎ፡ ተባዕ ካርዲናልን ናይ ዕርቂ ሰብን ዜና ዕረፍት ሞንሰንግዎ፡ ተባዕ ካርዲናልን ናይ ዕርቂ ሰብን 

ዜና ዕረፍት ሞንሰንግዎ፡ ተባዕ ካርዲናልን ናይ ዕርቂ ሰብን

ካብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ መጽሓፍ ቅዱስ ተቕዋም ብስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅነት ዘመስከሩ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዝኾኑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዘቖምዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዋይ መማክርት ጒባኤ ካርዲናላት ኣባል ክኾኑ ከምዝሓኣረይዎምን

ኣብ ፈረንሳ ቨርሳይለስ ኣብ ሕክምና ዝነበሩ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ካርዲናል ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም። ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ቲዮሎጊይያ ሊቅን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ላዕለዋይ ጉባኤ ካርዲናላት መማክርት ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ኣባል ክዀኑ ዝሓረይዎምን ካብዚ ሓላፍነት እዚ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ኣብ 2018 ዓ.ም. ናብ ልሂቅነት ዝተሰጋገሩ ከም ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስት እውን ኣብታ ብከቢድ ቅልውላዎ ፖለቲካ እትናወጽ ዝነበረት ሃገሮም ሰላም ክረጋገጽ ብቐዳምነት ዝዋስኡ ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ

ብጹዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓሲንያ ሓሚሞም ከምዝነበሩን ካብ መባእታ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዞም እውን ኩነታት ጥዕናኦም ጽንኵር እናኾነ ክኸይድ ከምዝጀመረን ኣብ ፈረንሳ ቨርሳይል ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ከምዝዓረፉ ኣብ ትዊተ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዝሓበሩ ናይ ኪንሻሳ ሜጥሮጶሊታ ብጽዕ ካርዲናል ፍርዶሊን ኣምቦንጐ ከምዝኾኑን “ቅኑዕ ዓለም ክረጋገጽን ውሑስ ክኸውን ከይተሓለሉ ብቐዳምነት ዝወስኡ ዝነበሩ እንክብሉ እውን ከምዝዘከርዎ ኣፍሊጡ፣

ር.ሊ.ጳ. ኣባል መማክርት ር.ሊ.ጳ. ላዕለዋይ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ኽኾኑ ከምዝደለይዎም

ካብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ መጽሓፍ ቅዱስ ተቕዋም ብስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅነት ዘመስከሩ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዝኾኑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዘቖምዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዋይ መማክርት ጒባኤ ካርዲናላት ኣባል ክኾኑ ከምዝሓኣረይዎምን ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ብሕገ ቀኖና መሰረት እውን ዕድመኦም 78 ስለ ዝመልኦም ናይቲ መማክርት ላዕለዋይ ጉባኤ ካርዲናላት ልሂቅ ኣባል ከምዝኾኑን ኣብ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ክህሉን ቅኑዕን ሕውነታውን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ከይተሓለሉ ዘገልገሉ ዕላማኦም ፍትሕን ሰላም ዝገበሩ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ፥ ኣብ እግዚኣብሔርን ዓሚይቕ እምነት ዝነበሮምን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብረት ዚኣምኑ ምንባሮም ብጹዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ፥ “ቆራጽን ተባዕን” ካርዲናል እንክብሉ ይገልጽዎም

ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሙሊንስ በውፎርት “ዓቢይ ተክለ ሰብነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኮንጐ” ቢሎም ፥ “ናይ ሰላም ሰብን ኣብ ሃገሮም ዘተን ዕርቅን ክረጋገጽ ብርቱዕ ዝጸዓሩን ቆራጽ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። መላእ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ኣብ ፈረንሳ ምስ ኮንጉኣውያን ካቶሊክ ሓቢሮም ምእንቲ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ ጸሎቶም ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ

ብጹዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ ኣብ 1939 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ 1963 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ኣብ 1980 ዓ.ም. ወርሓ ለካቲት ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጳጳስ ከምእተሰምዩን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃካን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከምዘገልገሉን ዕለት 20 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ምእተሰምዩን ኣብ 2012 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሳተፍሉ ናይ ኵርያ ሮማና ሱባኤ ዝመርሑን ናይ ሓዲሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሲኖዶስ ዝመርሑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዋይ ጉባኤ መማክርት ካርዲላት ኣባል ክኾኑ ዝተሓርዩ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ ቤተ ክርስቲያን እንክብል ዝዘከሮም ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቀብሮም ስነ ስርዓት ኣብ ሃገሮም ዝፍጸም ኮይኑ ብምኽንያት ዕረፍት ካርዲናል ሞንሰንግዎ ብዝሒ ካርዲናላት ናብ 221 ከምዝወረደን ካብዚኣቶም እውን 124 ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎምን 97 ድማ ብዕድመ ምድፋፍ እምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምምራጽ ዘይሳተፉ ምዃኖም ይሕብር።

14 July 2021, 08:25