ድለ

ግረች፥ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ስለ ዝኾነት ሲኖዶሳዊት እያ ግረች፥ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ስለ ዝኾነት ሲኖዶሳዊት እያ  

ግረች፥ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ስለ ዝኾነት ሲኖዶሳዊት እያ

እቲ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ዘስዕቦ ብዙሕ መብጽዓታት ንዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ዘፍርሆም ዝዛረቡ ሰባት ኣለዉ፡ ዕለታዊ ናብራ ቤተ ክርስቲያን ከይትሓላልኾ ኣይትፈርሑን?

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ዕለት 21 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብዛዕባ “ሲኖዶስን - ሲኖዶሳውነትን” ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጒዳይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ሲኖዶሳውነት ንብምሉኦም ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ተልእኾ ወንጌል ከም ዝሳተፉ ዝገብር ኣገባብ” ማለት ምዃኑ ብሰፊሕ የብርሁ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እዋን ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ እውን እንተ ዀነ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዘካይድዎ ኣገልግሎታውን ሓዋርያውን ዕዮ ቀጻሊ እዩ፡ ሓደ ካብቶም ኣባይቲ ጽሕፈት እውን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ እዩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ታሕቲ ዝነቅል መላእ ህዝበ እግዚኣብሔር ዘሳትፍ ኣገባብ ሲኖዶስ ክህሉ ብዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረትን ንኽካየድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ምስንዳው ኣብ ዝብል መደብ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናናን ዘሳትፍ ኪደት ይሳልጥ ከምዘሎ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ  ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ብጹዕነትኵም እቲ ናይ ምድላው ዕዮ ብኸመይ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ? ሲኖዶስ ንምክያድ ሲኖዶስ ምዃን የድሊ! እቲ ሰነድ ብዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስ ቅድሚ ምቕራቡ ንናይ ኵለን ሃገራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣበ መናብርት ሓሳቦም ተቐቢልና ተመያይጥናን ኢና፡  በዚ ዓይነት ኣገባብ እዚ ዝተሰናደው ናይ መስርሕ ሰነድ ኵሎም ቀወምት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍት ሓሳብ ክህቡሉን ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ሕቶታት ከቕርቡ ጻውዒት ገርናሎም ኢና። ምስ ናይ ምስራቕ ስሮዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርካትን ደሓር እውን ምስ ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ዓውደ ምኽክር ኣካይድና ኢና፡ ደሓር እውን ብፍላይ ምስቶም ክንራኸቦም ዝሓተቱና ምስ ናይ ብራዚልን ብሩንዲን ምስ ኣንቲለስ ጥርኑፋት ደሴት ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ በቢ ወገኖም ንኽራኸቡና ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢልናዮ ኢና። ስለዝ ናይ ምድላው መስርሕ ብሓጺሩ ነዚ ይመስል ኢሎም።

እቲ ናይ መጀመርታ ዓውደ ምኽክር ከመይ ከይዱ ትብሉ? ብሓቂ ንኤጲስ ቆጶሳዊ ጒባእያውነት ዝዕድምን ንጉባእያውነት ዘሳልጥን ብሓቂ ፍርያም ርክብ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኣገባብ ነቲ ውጥን ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኵሉ ኣብ ሲኖዶሳዊ ንጥፈታት ክዋሳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምምልካት እዩ፡ ነዚ ንምድጋፍ ተባሂሉ እውን ኣርባዕተ ጉባኤ ሽማግለ ኣቝይምና ኢና፥ እቲ ሓደ ዓሚዩቕ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ዘሳልጥ እቲ ኻልኣይ ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንፈሳውነት ሱታፌ ንኽንዓቢ ዝሕግዝ ክኸውን እንከሎ እቲ ሳልሳይ ናይ ስነ-ኣገባብ ጉዳይ ዝኸታተልን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ሓበሬታ ጉዳይ ዝከታተል እዩ።

ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ንኽካየድ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ኵነት ብፍሉይ እንታይ ክትብሉ ትኽእሉ? ነዛ ሕቶ እዚ ንኽምሉስ- ብጹዕነቶ ተወላዲ ማልታ ብምዃኖም ከኣ - ባሕሪ ብቕረባ እፈልጦ እየ፡ ብባሕሪ ንእተካይዶ ጒዕዞ ገና ብዓንተውኡ ተጠንቂቕኻ ከተዳልዎ ይግብኣካ፡ ሓደ ካብቲ ነዚ ብጥንቃቐ እተገብረ ምድላው እቲ ሰነድ ንምቕራብ እንገብሮ ዘሎና ቘላሕታ እዩ። ልክዕ እዩ እቲ ጒዕዞ ዚግበረሉ ምኽንያት እውን ክንሰማምዓሉ ኣሎና። ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ዝጸውዕዎ መበል 16 ተራ ሓፈሻዊ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ‘ሲኖዶሳውነት’ ዝብል ክኸውን ወሲኖም እዮም። እዚ ብዛዕባ ምትሕብባርን ሱታፌን ተልእኾን ስለ ዝዛረብ ጹዕቕን ዝተሓላለኸን ኣርእስቲ እውን እዩ፡ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ክንዛረብ እንተድኣ ኮይንና ቤተ ክርስቲያን ብቅዋሜኣ ሲኖዶሳዊት ምዃኑ ምስትዏል የድሊ፡  ከምቲ ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ሲኖዶስ ቅዱስ ኣቦና ከምዝበልዎ “ንሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን” እዩ፥ ስለዚ ናብዚ ኣተኵይርና ኢና እንጓዓዝ፡ እዚ እውን መንፈስ ቅዱስ ዝሓትተና ጒዕዞ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ብተደጋጋሚ ኣገዳስነት ሲኖዶሳውነት ኣጒሊሖም እዮም፥ ስለምንታይ? ብቐዳምነት ነቲ ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝወሃቦ ግጉይ ምርዳእ ክወግዶ እደሊ፡ ብዙሓት ሰባት ሲኖዶሳውነት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዓረር” ገይሮም እዮም ዝሓስቡ። ዋላ ሓደ ኻባና ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ከይህልወና ተስፋ እገብር። ኣብ እተፈላለየ ምድላዋት ዚግበረሉ ኣኼብታት ሲኖዶሳውነት ቅርጽን ኣገባብን እታ ናይ ጥንቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ብገዛእ ርእሱ እቲ ናይ መዳለዊ ሰነድ እውን ኣነጺሩ እዩ ዘጒልሖ፡ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን “ናብ ኣናስር ናብቲ ምንጪ ምምላስ” ይብል፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ መዋእል ቤተ ክርስቲያን ዝረኸበቶ ዓበይቲ ዕማማት ከይሓደገ ብኸመይ ነታ ሲኖዶሳውነት - ናይ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን “ቅርጽን ኣገባብን” ከነህውዮ ንኽእል እዩ እቲ ሕቶ። ስለዚህ ንባህልናን ልምድናን ትውፊታትናን እሙናት ክንከውን ንደሊ እንተድ ዄንና እቲ ጒባኤ - ዋዕላ ከም ናይ ቀረባ ደረጃ ልምዲ ጌርካ ኪርአ እንተ ዀይኑ ብትብዓት ናብዛ ሲኖዶሳዊት እትበሃል ቤተ ክርስቲያን ክንምርሽ ኣሎና። ሲኖዶሳውነት ንዅሉ እቲ ድሕሪ ግዜ ንሓድሕዶም ዚጻረሩ ዝነበሩን ወይ ውን ዝመሳሰሉን ፍሉይ ኣርእስታት ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ብዝበለጸ መገዲ ዘዋህድ ወይ ዝጥርንፍን ዝምልከትን እዩ፥ ነቶም ኣርእስታት ኣብ ሓደ ዝጥርንፍ እዩ፡ ልዕሊ ኵሉ ምስ መርሕነት ሃይማኖት ዝጻረር ዝመስል ዝነበረ ነቲ ስነ ኤቅለሲያውነት ሕዝበ እግዚኣብሔር እየ ዝሓስብ ዘለዅ፡ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን - ካብ ታሕቲ ደሞክራሲያዊት - ካም ማሕብራት ሰራሕተይናታት ብዙሕ ብዘይ ርሕቕ ዓይነት ኣገባብ - ተሳትፎ ሱታፌኣዊት ቤተ ክርስትያን ዘረጋግጽ እዩ፡ ኣብዚ ሱታፌኣውነት መንፈስ ቅዱስ ኣሎ ኢሎም።

እዚ ትርጒም እዚ እንታይ ሓደጋታት ዘለዎ ይመስለኵም? እዚ ትርጒም እዚ ንብዙሓት የፍርሆም እዩ። እንተዀነ ግን ትርጒማት ብፍላይ ክኸፋፍሉ ዝደልዩ እንተድኣ ኮይኖም ክንምልከቶም የብልናን፡ ነቲ ጉባኤ ኢና ክንርኢ ዘሎና፡ እዚ ኸኣ ነቲ እንኮ ስነ ምግባራውን ስርዓታውን ሕጋውን ኣርካናዊ ወይ ተዋረድ ስልጣንን ተቛዋማውን መዳይ ኤቅለሲያውን ምስቲ ዝያዳ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ናይ ምድሓን ታሪኽን ጐድንታቱን ኵሉ ብምውዳድ ዘዕተሮ ረብሓታት ኢና ክርእይ ዘሎና። ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ህዝበ እግዚኣብሔር፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘቕንዔ ነጋዲ እዩ፡ ኣብ ጒዕዞ ዘሎ እዩ፡ እዚ ምድብ እዚ ንብምሉኡ እቶም ዝተጠምቁ ከም ንጡፍ ኣርእስቲ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ንኽረኽብዎ ኣኽኢሉ እዩ። ንዕዮ ጓሶትን ወይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብምኽሓድ ዘይኮነስ ኣቡን ኣብ ቤተ ክርስቲያኑን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ስርዓት ሓድነት እቶም እተጠመቑ ኣብ ምዃኖም እምነቶ ብምንባር እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ከምዝኾነት እቲ ናይ 1985 ዓ.ም. ሲኖዶስ ከም ብሓድሽ ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኤቅለሲያዊ ሱታፌ ከም ዝጅምር ኣብ ምግባር እዩ። ቤተ ክርስቲያን ብተፈጥሮኣ ሲኖዶሳዊት እያ። ስለ ዝኾነት “ንሕና” ንኽንብል ተጸዊዕና ኣሎና። እቲ ኽልተ መግለጽታት ንሓድሕዱ ዚጋራጮ እኳ እንተ ዘይኮነ እቲ ቀዳማይ ነቲ ካልኣይ እቲ ካልኣይ ነቲ ቐዳማይ ይዛዝሞ፡ ሓድሕዳዊ ተማላእነት ኣለዎም፡ ይማልኡ። ህዝበ እግዚኣብሔር ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ህዝበ እግዚኣብሔርን ኵሎም ህዝበ እግዚኣብሔርን ነፍሲ ወከፎም ከከም ኵነታቶምን ተግባራቶምን ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሳተፉ ዝገብር መልክዕ ስለ ዝኾነ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ብርሃነ ኣህዛብ” ፍቕዲ 12 ዝገልጾ፥ ናይ እምነት ስምዒት ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ክርስቶስ ነቢያዊ ተልእኾ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ዕቅበተ ምምህርና -  ብጓሶቱ እናተመርሐ ብምስታፍ ዝኽወን ከምዝብሎ እዩ።

ሓድሓደ ግዜ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣገዳሲ ቦታ ከም ዘለዎ ንምርዳእን ኣብ ጭቡጥ ተመክሮ ንምክፋልን ኣጸጋሚ እዩ ዝምስል፡ ስለምንታይ? ናይ ቤተ ክርስቲያን ማዕርጋት ስልጣን ወይ ጽፍሕታት ስልጣንን ስልጣናዊ ትምህርትን ከምእንርድኦን ክብረት ከም እንህቦን ኵሉ ከምኡ እውን ናይ ህዝበ እግዚኣብሔር ስምዒት እምነትን ንፈጥታቱን ክንርድኦን ግቡእ ክብሩ ክንህቦ ይግብኣና። እዚ ንምርድእ ጸጋ ጥምቀት ምጒላሕ እኹል እዩ። እንደገና ኣብ ክርስቶስ ምውላድ ኣብ ክርስቶስ ህይወት ንኽህሉ ብኸመይ ከም ዘኽእሎ ጥራይ ዘይኮነስ ብኡንብኡ ከም ኣባላትን ኣካል ቤተ ክርስቲያንን ከምዝገብር ብምስትውዓል እዩ። እዚ እቲ ናይቲ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ናይ መሰናደዊ ሰነድ ጽቡቕ ገይሩ ኣነጺርዎ እዩ። ዋጋ ናይዚ ስምዒት እምነት ኣፍልጦ ኽንህበሉን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥምቀት እተዋህቦ ውህበታት ንኽፈልጦ ከነነቓቕሖ እንተ ኺኢልና ናይ ሓቂ ጒዕዞ ሲኖዶሳውነት ኽንጅምር ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲ እቲ ዘርኢ ሱታፌ ንተሳታፍነት እውን ቦታ ክንህብ ስለ ዘብቅዓና። ኵሎም እቶም እተጠመቁ ብጥምቀት ኣቢሎም ኣብቲ ክርስቶስ ዝፍጽሞ ነቢያዊ ክህነት ከምኡ እውን ንጉሳዊ ዕዮን ይካፈሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ንህዝበ እግዚኣብሔር ብምስማዕ ብፍላይ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ምኽሪ ክወሃብ ከሎ - ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝብለና ነገራት ክንሰምዕ ከም እንኽእል ንፈልጥ ኢና። ከምዚ ኺበሃል እንከሎ ግን መገዲ ቤተ ክርስቲያን ዚውስኑ ህዝበ እግዚኣብሔር እዩ ማለት ኣይኰነን። ብምሉእ ህዝበ እግዚኣብሔር (እንኰላይ ጓሶት) ዝፍጽምዎ ትንቢታዊ ዕማም ምስ ምስትውዓልን ልልያን ጓሶት ዝመሳሰል እዩ። ኮይኑ ግና ምስትውዓል ኪጅምር ዘለዎ ህዝበ እግዚኣብሔር ብምስማዕ እዩ።

እቲ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ዘስዕቦ ብዙሕ መብጽዓታት ንዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ዘፍርሆም ዝዛረቡ ሰባት ኣለዉ፡ ንተራ ናብራ ቤተ ክርስቲያን ከይትሓላልኾ ኣይትፈርሑን? እዚ ኵሉ ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ዚሓላልኽ መስርሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ መንፈስ ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም ዝብለና ከይፈለጥና ከንቱ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ከየስተውዓልና እንጻር መንፈስ ስጒምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ስነ መንፈስ ቅዱሳዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ስፍሓት ዳግም ምስ ተረኽበ ነቲ ናይ መስርሕ ሲኖዶስ መሰረት ዝኾነ ናይ ትንቢታዊ ምስትውዓል ምንቅስቓስ ጥራይ ኢና ኽንቅበሎ እንኽእል። ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሲሶ ናይ ተልእኾ ሸቶ ወይ መባጼሕ ክትሓስብ እንከሎኻ ሓቂ እዩ፡ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ተልእኾ ተዛሪቡ እዩ፡ ሲኖዶሳውነት ንተልእኾ ኢዩ። ሲኖዶሳውነት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይራ ጽን ብምባልን ብምስማዕን ወንጌል እናነበረትን እናመስከረትን ናብ ኩሉ ብምብጻሕ ገዛእ ርእሳ ትኸውን ማለት እዩ። ኵሉ እቲ ኣብቲ ኣርእስታት ዝቐረበ መባጼሕ ዝተሓሓዘ እዩ። ብሓባር እዮም ዝነብሩ ወይ ዝወድቁ፥ ናብ ሲኖዶሳውነት ክንልወጥ ኣሎና፥ ናብ ሲኖዶሳውንት ምልዋጥ ማለት ናብ ክርስቶስን መንፈሱን ምልዋጥ ማለት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

23 Jul 2021, 09:18