ድለ

ልሂቅ ር.ሊ.ጳጳሳትን “ናብ ንጹሕ ሰረተ እምነት ህድማ” ዝብል ኢክውንነት ኣተሓሳስባን ልሂቅ ር.ሊ.ጳጳሳትን “ናብ ንጹሕ ሰረተ እምነት ህድማ” ዝብል ኢክውንነት ኣተሓሳስባን  ርእሰ ዓንቀጽ

ልሂቅ ር.ሊ.ጳጳሳትን “ናብ ንጹሕ ሰረተ እምነት ህድማ” ዝብል ኢክውንነት ኣተሓሳስባን

ኣብቲ ቃለ መሕትት ክርአ ዝኽእል ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ቃላት እትማርኽን ብልባን መንፈስን እትዛረብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ገጽ ዝገልጽ እዩ፥ ምኽንያቱ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ብሰረተ እምነት ወይ ብርቡጽ ንጥፈታውነት ጥራሕ እትዛረብ እንተ ኰይና ኣክንዲ እትማርኽ እተህድም ስለ ዝኾነት . . . እምነት ጒዕዞ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ህይወትና ጉዕዞና ስለ ዝቕጽል እምነት ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ። በዚ ከምዚ ናብ ምቍጽጻር ዝከኣል ስነ ሓሳብ - ርእየት ዓለም - ወይ ፖለቲካዊ ዘይቤ ዘይምቕያር ኣርባሒ ይኸውን

ጆሰፍ ራትዚንገር ነቲ ሄርደር ኮረስፖንደንዝ እተሰምየ ናይ ጀርመን ወርሓዊ መጽሔት ንእምነት ኣብ ስነ ሓሳብ ምውራድ (ምንካይ) እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ ብዕምቆት መርሚሮም ኣብቲ ምስቲ መጽሔት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝጻረር ዝሃብዎ መልሲ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናብ ንጹሕ ሰረተ እምነት ምህዳም ዚብልዎ ሓሳብ ዘይክውንነታዊ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ።” እቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ጆሰፍ ራትዚንገር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ነቲ ሄርደር ኮረስፖንደዝ እተሰምየ ኣብ ጀርመን ዝሕተም ሰሙናዊ መጽሔት ንዘቕረቦ ሕቶ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ዘሰመሩሉ ሓሳብ ኣቢሎም ነቲ ብዙሕ ግዜ ምስ ናቶም ዝመሳሰል ኣታሓሳብ ከምዝኾነን ኣብ ልዕሌኦም ብምልጋብ ዝቐርብ ኣመለኻኽታ ዘይውክሎም ከምዝዀነ የብርሁ። በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዚ እንክብሉ የረጋግጹ - “ልዕሊ ዅሉ እምበኣር እቲ ኣማኒ ንገዛእ ርእሱ ዝሓትት ሰብ እዩ፡ እዚ ሰብ እዚ ነቲ ኣብ ናይ መዓልታዊ ናብራ ክውንነት ከበድ ኵሉ ናይ እምነት ሓቅታት ብቐጻሊ ከናድዮን ክረኽቦን ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ ‘ናብ ንጹህ ሰረተ እምነት ምህዳም’ ዝብል ሓሳብ ዘይክውንነታዊ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ካብቲ መዓልታዊ ናይ እምነት ዓለም ዘድልዮ ነገራትን እተፈልየ ከም ተፈጥሮኣዊ መዝገብ ጥራይ ዝነበረ ሰረተ እምነት ብገለ መገዲ ንእምነት ከም እትኽሕድ ዝገብር እዩ። ሰረተ እምነት ብእምነትን ብእኡን ክምዕብል ኣለዎ ደኣ እምበር ማዕረ ማዕረ እናሰነዮ ዝኸይድ ኣይኮነን።”

ኣብቲ ቃለ መሕትት ክርአ ዝኽእል ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ቃላት እትማርኽን ብልባን መንፈስን እትዛረብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ገጽ ዝገልጽ እዩ፥ ምኽንያቱ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ብሰረተ እምነት ወይ ብርቡጽ ንጥፈታውነት ጥራሕ እትዛረብ እንተ ኰይና ኣክንዲ እትማርኽ እተህድም ስለ ዝኾነት። ድሮ ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብታ ምስ ፐተር ሲዋልድ ደሓር “ኣምላኽን ዓለምን” ብዝብል ኣርእስቲ ምስቶም ኣብቲ እዋን ናይ ሰረተ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ዝተኻየደ ቃለ መሕትት መሰረት ተደሪሳ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ከምዚ ይብሉ - “ባህርይ እምነት ካብ እተወሰነ ህሞት ኣትሒዙ እምነት ውናነ ከምዝኾነ ኣነ እምነት ኣሎኒ ካልኦት ግና የብሎምን ወይ ኣይረኽብዋን እዮም ክብል ኣይኽእልን እዩ። . . . እምነት ጒዕዞ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ህይወትና ጉዕዞና ስለ ዝቕጽል እምነት ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ። በዚ ከምዚ ናብ ምቍጽጻር ዝከኣል ስነ ሓሳብ - ርእየት ዓለም - ወይ ፖለቲካዊ ዘይቤ ዘይምቕያር ኣርባሒ ይኸውን። ንገዛእ ርእስና ከነትርራን ነቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዝጠራጠሩን ዝሓትቱን ዝጠራጠሩን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣስተንትኖን ስቓይን ኵሉ ንምክፋል ብቕዓት ዘይብሎምን ዕንቁጻትን ናይ ምዃን ስግኣት ስለ ዘሎ። እምነት ክትበስል እትኽእል ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህላወ ስቓይን ብርታዐን ዘይምእማንን ክሳዕ እትጸንዕን ኣብ ምጻሩ ጥራይ እያ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ሓድሽ መዋዕል እንደገና ክሳዕ እትነብር ክትሰግሮ እትኽእልን። እዘን ቃላት እዚኣተን ናይቶም ናይ ኣጸደ ኣሕዛብ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እያተን፡ ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ዕለት 26 መስከረም 2009 ዓ.ም. ናብ ቸክ ረፓብሊክ ምብጻሕ ንኸካይዱ ናብ ፕራግ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝገበርዎ ምይይጥ፥ እቲ ዘይኣማኒ ኰነ እቲ ኣማኒ ሓድሕዱ  ከም ዚደጋገፍ ብምዝኽኻር ዝረጋገጽዎ ሓሳብ እዩ፡ ብዘይካዚ “ካቶሊካውያን ብእምነት ኪዓግቡ (እምነት ኣብ ኢዱ ከምዘላ ክሓስብ) ኣይክእሉን እዮም። የግዳስ ንኣምላኽ ብዛያዳ ኪደልይዎን ብዕምቆት ንኺፈልጠዎን ንኺመርሃርዎን ምስ ካልኦት ኪዘራረቡ ኣለዎም። ኣብ እምነት ምዕባይ እምበር ሓንሳእን ንሓዋሩ ዝበሃል ኣይኮነን።

እምነት ንኣማኒ እቲ ኵሉ ነገር ዘይፈልጥ የግዳስ ኣብ ክውንነት መዓልታዊ ህይወቱ ሕቶታት ዝሓትት ሓንሳእን ንሓዋሩን ዘጥረኻዮን እትውንኖን ነገር ዘይኮነስ ጒዕዞን ምዕባለን ስለ ዝኾነ ካብ ዓለም ዝፈልዮ ከም ናይ ተፈጥሮ ሕዛእቲ ናብ ሰረተ ኣምነት ህድማ (ኣብ ሰረተ እምነት ተሓቢእኻ ምንባር) ማለት ኣይኮነን። ኣማኒ እምነቱ ናብ ሰረተ ሓሳብ - ርእየት ዓለም - ናይ ፖለቲካዊ ዘይቤን ንድፍን ከየውርዶ መታን ሕቶታትን ምጥርጣራትን ክህልዎ የድልዮ እዮ።  እዚ ኣርእስቲ እዚ በነዲክቶስ መበል 16 ከም ናይ ቲዮሎጊይያ ሊቅ ከም ካህን ከም ካርዲናልን ደሓር እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብተደጋጋሚ ዘዕሞቑዎን ዘጽንዕዎን እዩ። እዚ እውን ኣብ ተኸታሊኦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ። ንኣብነት ዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ወንጌል ዘስፍሑ - ወንጌላውያን ካብ ውጽኢታውነት ናጻ ኪኾኑን በቲ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ከይጒህዩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እምነት ናብ ስነ ሓሳብ - ርእየት ዓለም - ፖለቲካዊ ዘይቤ ካብ ምቕያር ስግኣት ክሕለዉ ሓደራ ከምዝበልዎ። ስለዚህ እምነት ህድማ ናብ ሰረተ እምነት ማለት ኣይኮነን።

ፍራንቸስኮ ከምዝገለጽዎ እዚ ብድሆታት እዚ ንዓና ስለ ዜዕብየና እዩ። ምልክት ህያው እምነት ማለት ምልክት እቲ ንጐይታ ዚደሊ የዒንቱን ልቡን ከኣ ዝኸፍት ህያው ማሕበረሰብ እዩ። ኣብ ክንዱስ ብድሆ ዘይብሉን . . . ወኒነያ እየ ካልእ ዘድልየኒ ነገር የልቦን ኩሉ ነገር ተፈጺሙ እዩ ዝብል እምነት እዩ ከፍርሃና ዘለዎ። ኵሉ ነገር ከም እተባህለን ከምእተፈጸመን ጌርካ ዝርአ እምነት እዩ ከፍርሃና ዘለዎ። ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እውን ወሲኾም፡ ብድሆታት እምነትና ስነ-ምግባራውን ስነ ሓሳብ - ርእየት ዓለምን ከይኸውን ሓጊዙና እዩ። ስነ ሓሳብ ሓደገይና እዩ። ሓደ ሰብ ምሉእን ፍጹም እምነት ከምዘለዎ ምስ ዝኣምን ዝኣምኖ እምነት ናብ ስነ ሓሳብ እዩ ዝቕይሮ። ብድሆታት ካብ ዕጽዉን ካብ ዕጹው ትርጉም ዘለዎን ሓሳብ የድሕነና ብዛዕባ እቲ እተገልጸ - ግልጸተ ዝሰፍሐ ምርዳእ ንኸነማዕብል ድማ ክፉታት ይገብረ።

(Andrea Tornielli)

28 July 2021, 18:17