ናብታ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እትዓብይ “ንሕና” እትብል ቤተ ክርስቲያን እንኮ ቤትናን

እቲ ከሳቲ መልእኽቲ ኣብ ቁምስናታት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይቲ ቅዱስ ኣቦና “ዓቢይ ንሕና” ናይ ዝብልዎ በዓል ቤት ኣካል ኮይኑ ክስምዖም ዝተፈላለየ ድጋፍን እንገዳን ናይ ዝተገበረሎም ስደተይናታት ምስክርነት ዘጠቓልል ከምዝኾነ

ብመሰረት እቲ ዕለት 26 መስከረም ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ብዘዕግብ ኣገባብ ይስጒም ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናብ እንዝክረሉ ዕለት 26 መስከረም ኣብ እነብለሉ ዘሎና እዋን ነታ ዕለት እቲኣ ኣብ ግምት ብምእታው ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቑፍ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ንምድፋዕ ኣብቲ ንመዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ኣብቲ ነታ ዕለት “ወትሩ ናብቲ ዝዓበየ ‘ንሕና’ . . . “  ኣብ ዝብል ዝምረጽዎ መርሕ ቓልን ተመስሪቱ ብቛንቋ ፈረንሳን እንግሊዘይናን ስፓኒሽን ሆላንድን ፖርቱጋልን ጀርመንን ዝተዳለወ ቅዱስ ኣቦና ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ኣካል ናይታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሕንቲ ቤትን ሓንቲ ስድራን ኮይኑ ክስምዖ ዝዕድምሉ ከሳቲ መልእኽቲ ከምዝፈነወን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ከሳቲ መልእኽቲ ኣብ ቁምስናታት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይቲ ቅዱስ ኣቦና “ዓቢይ ንሕና” ናይ ዝብልዎ በዓል ቤት ኣካል ኮይኑ ክስምዖም ዝተፈላለየ ድጋፍን እንገዳን ናይ ዝተገበረሎም ስደተይናታት ምስክርነት ዘጠቓልል ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 26 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዘሎ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ክፍሊ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ካብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩን ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተዋፈሩን ዝተኣንገዱን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዚቐርብ ናይ ጽሑፍ ድዩ ከሳቲ መልእኽቲ  media@migrants-refugees.va ብዝብል ኣድራሻ ክልእኹ ከምዝኽእሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

05 June 2021, 15:10