ኣፍልጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሕግታት ቫቲካን ብዛዕባ ምርግጋጽ ዓማዊል ኣፍልጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሕግታት ቫቲካን ብዛዕባ ምርግጋጽ ዓማዊል  

ኣፍልጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሕግታት ቫቲካን ብዛዕባ ምርግጋጽ ዓማዊል

ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፈደራላዊ ግብሪ ዚእክብ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ኣታዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ እቲ ንቅድስቲ መንበርን ግዝኣት ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ዝምልከት ዘቕረቦ ፍሉይ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ፥ ንመንነት እቶም ተቐበልቲ ናይ ባንኪ ሒሳብን መን ምዃኖምን ብዘየማትእ መገዲ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ኪደት

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ኣታዊ ጉዳይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ፥ ቅድስቲ መንበርን ግዝኣት ከተማ ቫቲካንን ብቝጠባዊ ውሕስነትን መረጋገጽን ግቡእ ጥንቓቔን ኣብ ዓማዊልን ብዝምልከት እትኽተሎ ሕግታት ካብ መንጐ እተን ምስኡ ዚመዓራረ ምሕደራታት እለወን ብዝብህላ ሃገራት ትቝጸር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቐረባ ዓመታት ኣብ ቝጠባዊ ጉዳያት ዘሎ ጽፈትን ምቁጽጻርን ዘደልደል ሕግታት ከተማ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ይርከብ ከምዘሎን እዚ እውን ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፈደራላዊ ግብሪ ዚእክብ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ኣታዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ቫቲካን ሓንቲ ካብተን ምስቲ ዝበለጸ ኣህጉራዊ መለክዒታት ዚሰማማዕ ናይ ገንዘብ ድሕንነት መምርሒታት ዘለወን ምምሕዳራታት ትቑጸር።

ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፈደራላዊ ግብሪ ዚእክብ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ኣታዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ እቲ ንቅድስቲ መንበርን ግዝኣት ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ዝምልከት ዘቕረቦ ፍሉይ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ፥ ንመንነት እቶም ተቐበልቲ ናይ ባንኪ ሒሳብን መን ምዃኖምን ብዘየማትእ መገዲ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ኪደት እቲ ኣብ ቫቲካን ዘሎ ሕግታትን መምርሒታትን ኣዚዩ ዝነኣድ ምዃኑ ብንጹር ይጥቀስ። እዚ ግልጽነት እዚ እቲ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. እተኣረመ ሕጊ ቝጽሪ CCXLVII – 247 ከምኡ እውን ኣዋጅ ቝጽሪ CCCLXXII – 372 ዕለት 9 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዛዕባ ግልጽነት ቝጠባን ሃብቲ ገንዘብን ዝምልከቱ ሕግታት ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከም ኣብነት ተመልኪቱ ኣሎ፥ ድሕሪ እቲ ዝተኣረመ ሕግን ዝተኣወጀ ሓድሽ ሕግን እቲ ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ዓንቀጽ 421 ዳግማይ ሕጊ፥ በቲ ሕጽቦ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ መቆጻጻሪ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኣወጀ ሓምሻይ ድንጋገ ናይ ሕጊ ቝጽሪ CCCXXIX – 329ን ከምኡ እውን ኣብቲ ተቖጻጻርን ሓበሬታን ጉዳይ ሃብቲ ገንዘብ በዓል ስልጣን  ዝኽተሎ ኣብ ናይ ውሽጢ ናይ ዕዮ መምርሒ ቝጽሪ ኣርባዕተ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ፈደራላዊ ግብሪ ዚእክብ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ኣታዊ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ብፍሉይ ተጠቒሱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 June 2021, 14:55