ድለ

ሲኖዶስ፥ “ንኹሉ ነቶም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጹ እውን ለይተረፈ ኣብ ምስማዕ” ሲኖዶስ፥ “ንኹሉ ነቶም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጹ እውን ለይተረፈ ኣብ ምስማዕ” 

ሲኖዶስ፥ “ንኹሉ ነቶም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጹ እውን ለይተረፈ ኣብ ምስማዕ”

“ሓንቲ ኣብ ጉዕዞ ዘላ ቤተ ክርስቲያ ንብሙሉኡ ሕዝቢ ኣምላኽ ከተጠቓልል ኣለዋ፡ ስለዚህ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ሃናጺ ምይይጥ ንምግባር ኵሉ ማሕባራዊ ሓቅታት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ”

ብጹዕ ኣቡነ ዝቢየኘስ ስታንከቪችስ ኣብ ላትቪያ ናይ ከተማ ሪጋ ሊቀ ጳጳሳት ሜጥሮፖሊታ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጐ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስን ኤጲስ ቆጶሳት መላእ ዓለም ዝተኻየደ ርክብ ኣማኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ካብ ዝመጽእ ዘሎ ቀውዒ ሓድሽ ጉዕዞ ክንጅምር ከለና “ፍልስፍናዊ ወይ ቲዮሎጊያዊ ዘይኰነስ ዝያዳ ግብራውን ንምርዳኡ ዘየጸግምን ቃላት ክንጥቀም ኢና” ይብሉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሓንቲ ኣብ ጉዕዞ ዘላ ቤተ ክርስቲያ ንብሙሉኡ ሕዝቢ ኣምላኽ ከተጠቓልል ኣለዋ፡ ስለዚህ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ሃናጺ ምይይጥ ንምግባር ኵሉ ማሕባራዊ ሓቅታት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ” ነዚ ዝበሉ ኣብዘን መዓልታታ እዚኣተን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘሳተፈ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ላትቪያ ናይ ሪጋ ሊቀ ጳጳሳት ሜጥሮፖሊታ ብጹዕ ኣቡነ ዝቢየኘቪስ ስታንከቪችስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥

ብጹዕነቶም ኣብቲ እተካይድዎ ዘለዅም ኣኼባ እቲ ጐሊሑ ዝርአ ፍረ ነገር እንታይ እዩ? ቅድም ቀዳድም ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. እቲ ናይ ሲኖዶስ ኪደት ብወግዒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታት ዓለም ክኽፈት እዩ፡ ክሳብ ኣብ ወርሒ መስከረም ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ እውን ካብ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ሰነዳዊ ሕቶ ክቐርበልና ምዃኑ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካሪዲናል ማሪዮ ግረች ገሊጾምልና እዮም። እቲ ዝመሓላለፍ ናይ ሕቶ ሰነድ ሒደትን ርዱእን ከምዝኸውን እውን ነጊሮምና እዮም፡ ስለዚህ ብፍልስፍናዊ ወይ ቲዮሎጊያውን ቋንቋ ዘይኮነስ ዝያዳ ተግባራውን ርዱእን ህቡብን ከምዝኸውን ኣመላኺቶም እዮም። እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ሰበኻና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታት ዓለም ክምርመር እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሲኖዶስ እዚ ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ክሰምዕ ስለ ዝደሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታት ዓለም ሓደ ጉጅለ ክቐውም እዩ እዚ ጉጅለ እዚ ጳጳስ ብውሑዱ ሓደ ካህንን ሓንቲ ስድራ ቤትን ሓደ ዓለማዊ ምእመንን ሓደ መንእሰይን ዘጠቓልል እዩ። ሲኖዶሳውነት ዘቃልሕ ጉጅለ። ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ማሕበሩ ሕጊ፥ “እግዚኣብሔር በቲ ንኡስ ሓው ኣቢሉ ክዛረብ ይኽእል” እንክብል ከምዝምህሮ እዩ። ብጹዕ ካርዲናል ግረች ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጹን ካብኣ ንዝረሓቕን ጽን ቢልካ ምስማዕ የድሊ ከምዝበልዎ እዩ፥ ኢእግዚኣብሔራዊ እውን ንቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከምዝርእያን ከምኡ እውን ቤተ ክርስትያን ንእተመሓላልፎ መልእኽቲ ዘይግዱስ ክኸውን ዝድርኾ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እውን ንምፍላጥ እዩ፥ ብሓፈሻ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ እዋን ኣቕሪብዎ ንዝነበረ ዕድመ ዝምልስ እዩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተጻሒፉ ከምዘሎ፥ ቤተ ክርስቲያንን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ዕማም ቅድም ቀዳድም ናይ ግዜ ምልክታ ኣምቢብካ ምኽኣልን ካብ ወንጌል ተበጊስካ መልሲ ምንዳይን እዩ” ኢሎም።

እዚ መስርሕ እዚ ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ብኸመይ እዩ ዘህብትሞ? . . . እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ሰለስተ ደረጃ እዩ ዝፍጸም። ፈለማ ናይ መስርሕ ቅርጺ ይቐርበልናን፡ ኣብኡ ዝተመስረተ ዘተ ይካየድን ናይዚ ርክብ እዚ ውጽኢት ማለት መልሲ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ይለኣኽ። ኣቡንን ናይ ቀረባ ተሓባበርቱን ጥራሕ ዘይኰነ ብሓቂ ንዅሉ ዘጠቓልል መስርሕ እዩ። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ዝመሓላለፈልና ናይ ሕቶ ሰነድ ብሕዝበ እግዚኣብሔር ኣቢሉ እዩ ዚሓልፍ። እዚ መስርሕ እዚ ብሰበኻ ደረጃ ኣብ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝካየድ፡ ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ካብቲ ቀዳማይ ደረጃ ዝተኣከበ ናይ ሓሳብ ሰነድ ብዕምቆት ንምምልካትን ንምምሕያሽን ተባሂሉ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘካይዶ ዓውደ ኣኼባ ክህሉ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝተኣከበ ሓሳብ ኣማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መላእ ጳጳሳት ዘሳተፈ ሲኖዶስ ክካየድ እዩ፡ እዚ እውን ቤተ ጽሕፈት ጠቕላሊ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ዘካየድናዮ ርክብ ከምዝሓበሮ ማለት እዩ ኢሎም።

ስለዚ ብኣተኵሮ ንሕዝቢ ኣምላኽ ጽን ቢልካ ምስማዕ እዩ . . . እወ ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ሕዝበ ኣምላኽ ምዃና እዩ ዘርኢ። ኣቡናትን ካህናትን እውን ፍሉይ ዕማምን ሞያን ኣገልግሎት ዘለዎም እውን እንተኾነ ኣካል ህዝበ እግዚኣብሔር እያቶም፥ ንሕዝቢ ኣምላኽ ክንሰምዖ ኣሎና። እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 June 2021, 23:07