ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ  

ሕጽቦ ገንዘብን ገንዘብ ግብረ ሽበራን ተቖጻጻሪ ኣካል፥ ቅድስቲ መንበር እትኽተሎ ስጒምቲ ኣፍልጦ ይህብ

ቅድስቲ መንበር ኣብዚ መዳይ እትኽተሎ ኣሰራርሓን መለክዒታታን ምሉእ ብምሉእ ኣፍልጦ ሂቡን በዚ መገዲ እዚ እውን ንኽትቅጽል ዘቕረቦ ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ ቅድስቲ መንበር ሓንጐፋይ ቢላ ከምእተቐበለቶ

ሕጽቦ ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብን ንግብረ ሽበራ መመወሊ ዝውዕል ገንዘብን ዝቆጻጸር ሽማግለ ኽኢላታት ቀዋሚ ኣካል ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ መዳይ ዝወስደኦ ስጉምቲ ዝከታተልን መንግስታት ኣብዚ መዳይ ዜድሊ ምምሕያሻት ከምዝገብሩን ገምጋም ብምክያድ ርእይቶ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘለዎን ንመንግስታት ምሕጻብ ገንዘብን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብን ኣብ ምቅጽጻር ዝሓሸን ስሉጥን መገዲ ዝሕብር Moneyval ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣካል፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብዚ መዳይ እትኽተሎ ኣሰራርሓን መለክዒታታን ምሉእ ብምሉእ ኣፍልጦ ሂቡን በዚ መገዲ እዚ እውን ንኽትቅጽል ዘቕረቦ ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ ቅድስቲ መንበር ሓንጐፋይ ቢላ ከምእተቐበለቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነቲ ምሉእ ጸብጻ ጸብጻብ ኣብዚ ተመልከት See statement.

ቅድስቲ መንበር ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብን ሕጽቦ ረሳሕ ገንዘብን ሃብቲ ገንዘብ ንግብረ ሽበራ መመወሊ ከይውዕል እተካይዶ ናይ ምቅጽጻር ሓላፍነትን እትኽተሎ መምዘንን ነቲ ዓለም ሓቆፍ መለክዕታት ዝሰማማዕን ንኣኡ መሰረት ዝገበረን ከምዝኾነ ሞነቫል ዝገለጾ ሓሳብ ተቐቢላ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ዘሎ ለበዋ ብዕምቆት ኣትኵሮ ክትገብረሉ ምዃና ከምዘፍለጠት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

09 June 2021, 15:51