ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ብመዳይ ቃልሲ ጸረ ዓመጽ ትምህርቲ 33 ተመሃሮ ኣመሪቑ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ብመዳይ ቃልሲ ጸረ ዓመጽ ትምህርቲ 33 ተመሃሮ ኣመሪቑ 

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ብመዳይ ቃልሲ ጸረ ዓመጽ ትምህርቲ 33 ተመሃሮ ኣመሪቑ

እናቴ ናታሊ ቤክዋርት መደረ ከምዘስምዓን፥ “ሓለዋን ሲኖዶሳውነትን” ኣብ ዝብላ ክልተ ቃላት ኣማእኪለን፥ “ኵላትና ከም እተጠመቕና መጠን ነቲ ጠንቂ ማህሰይቲ ዝኾነ ቀሲሳውነትን ናይ ስልጣን ዓመጽ ዝኾነ ዘስካሕክሕ ተግባር ንኽንቃለሶ ዝተጸዋዕና ኢና . . . ሎሚ ሲኖዶሳውነት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ንዅሎም እተጠመቑን ሰናይ ፍቓድ ዘለዎምን ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘተባብዕ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ኣገልግሎት ሓፍነት ከምዝስምዖምን

ዕለት 18 ሰነ 2021 ዓ.ም. ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን መ ናብርተ ጥበባትን ትካላትን ዝተዋጽኡ ተመሃሮ ነቲ ኣብ መጽናዕትን መደባትን ማእከል ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣጠናቒቖም ከምእተመረቑን እቲ ዝተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ናብ ዝመጹለን ሃገራት ተመሊሶም በቲ ዝተመሃርዎ ሞያ ከገልግሉ እያቶም። እናቴ ቤክዋርት፥ ቀሲሳውነት ሱር ኵሉ ማህሰይቲ እዩ እንክብላ፡ ኣባ ዞልነር እውን ብወገኖም “እቲ ናይቲ ትምርህቲ ሸቶ ንተኣፈፍቲ ቈልዑን ኣባጽሕን ዓበይትን ዝያዳ ድሕነት” ዝብል ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብዝ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ብመዳይ ቃልሲ ጸረ ዓመጽ ትምህርቲ ዝተመረቑ ነናብ ዝመጹለን ሃገራት ተመሊሶም ገሊኣቶም ኣብ ውሽጢ መናብርተ ጥበብ ገሊኣቶም ኣብ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሃገሮም ገሊኣቶም እውን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ብሞያኦም ንኸገልግሉ ክምደቡ እዮም። ካብዚኣቶም እቶም 17 ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጹን እቶም ብቛንቛ ስፓኒሽ እቶም 16 ብቋንቋ እንግሊዘይና ዝወሃብት ትምህርቲ ዝተኸታተሉ ከምዝኾኑን እዚ ናይ ስነ ቃልሲ ጸረ ዓመጽ ትምህርቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ካብ 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ዝተበገሰ እዩ። እቶም ተመሃሮ ካብ 26 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣፍሪቃን ማእከላይን ደቡብ ኣመሪካን እስያን ኤውሮጳን ዝወክሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ምናልባት እውን ዓመታት ኣብ ዓውደ መጽናዕታዊ መደባትን ስልጠና ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ከምኡ እውን ነቲ ዜስካሕክሕ መቕዘፍቲ ብዙሕ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መንሽሮ” እንክብሉ ዝገልጽዎ ህስያ ሕጻናት ንምቅላስ ዚሕግዝ መምርሒታት ኣብ ምትግባር ኪካፈሉ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እናቴ ቤክዋርት፥ “ሲኖዶሳውነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃንን ተግባርን እዩ”

እቲ ናይቶም ተመሃሮ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ናይ ካቶሊካዊት ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር በዓል መዚ ኣባ ፍረደሪኽ በቺና ብዘርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተበገሰን ቀጺሉ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት እተን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ጥቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንኽኾና ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰመያ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ፈረንሳዊት እናቴ ናታሊ ቤክዋርት መደረ ከምዘስምዓን፥ “ሓለዋን ሲኖዶሳውነትን” ኣብ ዝብላ ክልተ ቃላት ኣማእኪለን፥ “ኵላትና ከም እተጠመቕና መጠን ነቲ ጠንቂ ማህሰይቲ ዝኾነ ቀሲሳውነትን ናይ ስልጣን ዓመጽ ዝኾነ ዘስካሕክሕ ተግባር ንኽንቃለሶ ዝተጸዋዕና ኢና . . . ሎሚ ሲኖዶሳውነት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ንዅሎም እተጠመቑን ሰናይ ፍቓድ ዘለዎምን ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘተባብዕ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ኣገልግሎት ሓፍነት ከምዝስምዖምን ሓሳብ ንሓሳብ ከም ዝለዋወጡን ዝገብር መገዲ ገርካ ክውሰድ ይከኣል” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመራሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ ዞልነር፥ “ቀሲሳውነትን ተሓታትነትን ድርብ ጸገም እዩ”

እተን ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘስመዐኦ መደረ ዘስመራሉ ሓሳብ ዘቃልሑ ናይቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ጨንፈር ትምህርቲ ማእከል ስነ ዑቕባ ህጻናት ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባል ናይ ሕጻናት ዑቕባ ዝሓልይ ድርገት ኣባ ሃንስ ዞልነር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ቀሲስነትን ካብ ተሓታትነት ናጻ ምዃን ዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ድርብ ጸገም ዝውክል እዩ፡ ከመይሲ ገለ ኻብቶም ስልጣን ዘለዎም እቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ከተንክፎም ዘይከኣል ቢሎም ስለ ዝኣምኑን ከማኡ እውን ብዙሓት ምእመናን ከም ከሃሊ ኵሉ ገይሮም ስለ ዝርእይዎምን እዩ፥ ስለዚህ ቀሲስሳውነትን ተሓታትነትን ብርግጽ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ድርብ ጸገም ዝውክል እዩ” ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሕንጸትን ውስጠ ባህላዊ ምይይጥን

እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዝተመስረተ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሓልይ ተቕዋም ብናይ ብስነ ሰብእ ትምህርቲ ጨንፈር ኣብ ናይ ስነ ምክልኻል ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ስነ ሰብኣዊ ክብረትን መጽናዕቲ ብዝለዓለ ደረጃን ሊቕነትን ዘመርቕ ክፍለ ትምህርቲ ዘቕርብ ክኸውን ከምእተወሰነ  ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ተኣፋፍያን ኣብ ምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ዘደልድል ስነ መጽናዕቲ እውን ምዃኑ ኣብ ናይቲ ናይ መጽናዕቲ ጨንፈር ኣቦ መንበር ኣባ ዞለነር ገሊጾም፥ “ኵሎም ምእመናን ብዛዕባ ዘጋጥም ዘገም ንኸቃልዑ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ዓመጽ እውን ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተዋሰእቲ ክኾኑ ዝተጸውዑ እያቶም እቶም ዕለት 18 ሰነ ዝተመረቑ ተመሃሮ ነዚ ኣብ ተግባር ንኸውዕሉን ኣብዚ መዳይ ንኸገልግሉን ዝተጸውዑ እያቶም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቶም ተመሃሮ እውን ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዘገልግሉ እውን እንተዀኑ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘካይድዎ ጻዕርን ብሓባር ኮይኖም ክዓይኑን ተመክሮ ክለዋወጡን እውን መረብታዊ ርክብ ከቑሙ ድላይ ከምዘለዎምን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተኣፋፍያንን ብሓባር ክዓዩ ድላይ ከምዘለዎም እውን ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 June 2021, 01:48