ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ኣሉታዊ - ቲዮሎጊያ፥ ኣእምሮ ዘይበጽሖ ንልቢ ዝዛረብ ኣምላኽ
እቲ ብኣእምሮ ዘይብጻሕ ፍጹም እግዚኣብሔር ኣእምሮ ብኢፍጹምነቱ ዘንብሮ ህልዩ መረጋገጺ ህልዎተ እግዚኣብሔር “ኣሉታዊ” ቲዮሎጊያ፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እቲ ኣብ ቅድሚ ፍጹም ሓቅታት ተጠራጣሪ ምስ ዝኾነ ናይ እዋንና ሰብን ናይ መዛተይ ድልድል ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ ኣብ ዘነጽር ስነ ሓሳብ ዘማእከለ ብጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋምን ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብን ብሓባር ዘዳለውዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እግዚኣብሔር ካብ ምግለጽ ዚቝጠብ “ኣሉታዊ ቲዮሎጊያ”፥ እግዚኣብሔር ፍጹም ብምዃኑ ነቲ በቲ ፍጹም ዘይኮነ ሰብኣዊ ኣእምሮ ክግለጽ ዝፍተን እግዚኣብሔር፥ “እግዚኣብሔር በቲ ዘይኮኖ ‘ኢእግዚኣብሐር’ ምግላጽ እንክብሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ብመዳይ ቲዮሎጊያ ኮነ ብፍልስፍና ዝካትዑሉን ብዙሕ ዝጸሓፉሉን ሓሳብ፥ ናይ ሰብ ኣእምሮ ነቲ ፍጹም ናይ እግዚኣብሔር መለለዪ ዘይኮነ በቲ እቲ ፍጹም ዘይኮነ ብኣእምሮ ዝብጻሕ፥ ንሓደ ፍጹም ዝኾነ ነገር በቲ ዝኾኖ ዘይኮነ በቲ ዘይኮኖ ምግላጽ ምፍታን እዚ ዓይነት ሜላ ድልያ ከሃሌ ኵሉ ኣሉታዊ ቲዮሎጊያ ዝብል መጸውዕ ዘውህቦ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብመንጽር ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዕሚቑ ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣይሁድን ክርስቲያንን ከምኡ እውን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና - እግዚኣብሔር ፍጹም ከም ፍጹምነቱ ብኣእምሮ ንኽትበጽሖ ኢተኸኣልን ንጥፈታት ኣምላኽ ብምልኣት ክተፈልጦ ዝከኣል ኣይኮነን” ንዝብል ትንታነ ዝቕበልዎን ናይ ሓባር ረቛሒ እውን እዩ፡ እዚ ዘተን ናይ ሃይማኖት ናድጽነትን ምክብባርን ምክእኣልን ክህሉ ንዝገብር ነቲ ዝተፈጥረን ክፍጠር ዝከኣል ኣኽራርነትን ንምብዳህን ትርጉም ምስጢራውነት ንምዕቃብን ዝሕግዝ ኣገባብ” እውን ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብኣጽንዒት ከምእተገልጸ ኣፍሊጡ።
ብመረብታዊ ውሕዘትን ብቐጥታ ተጋባእያን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ
እቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ “ኣሉታዊ ቲዮሎጊያ” ተጋባእያን ብመረብታዊ ውሕዘትን ብቀጥታን ሮማ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ካብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተጋባእያን ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ጀርመን ኣብ ኖቲንግሃምን ቲቢዩንገንን ካብ ፖላንድ ኣብ ክራኮቪያ ዝርከብ መንበረ ጥበብን ካብ ሮማ መንበረ ጥበብ ሮማ ሳልሳይን ዝተዋጽኡ ምሁራት ኣበርክቶ ዝሃብሉን ኮይኑ ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ኣቦ መንበር ብጹዕ ብኡነ ኢኛዚዮ ሳና ብዘስምዕዎ መደረ ከምእተዛዘመ ዜና ቫቲኣክን ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፥ “ኣምላኽ በኣእምሮኻ ወኒንካ እንተድኣ ተረዲእኻዮ ኣምላኽ ኣይኮነን”
ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ስብከታቱን ኣብ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን መንፍሰኣዊ ጽሑፋትን Si comprehendis non est Deus - እንተድኣ ተረዲእካዮ ኣምላኽ ኣይኰነን” እንክብል ዝገልጾ ዓሚዪቕ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ኣምር ምኽንያት ናይ ኣሉታዊ ቲዮሎጊያ ኣቦ ተቢሂሉ ንኽጽዋዕ ከምዝገበሮን እዚ ኸኣ ኣምላኽ ምስ ኣእምሮ ደቅሰብ ብእተተሓሓዘ ፉጽም ገርካ ንኽትፈልጦ ዘይከኣል ምዃኑ ዘነጽር ሓሳብ እዩ ስለዚህ ኣቲ ኣሉታዊ ቲዮሎጊያ ዘብሎ ንሱ እዩ። ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ኣእምሮ ሰብን ዘሎ ርክብ እቲ ኣብ መንጐ ፍጹምን ኢፍጹምን ዘሎ ርክብ ዘስምዕ እዩ፡ እዚ ኣምር እዚ ኣብ 1215 ዓ.ም. ዝተኻየደ ጉባኤ ላተራነንሰ ብፍሉይ ተመልኪቱ፥ እዚ መሰረታዊ ትምህርቲ’ዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከምዘለዎ ብምጒላሕ “ኣብ መንጐ ፈጣርን ፍጡርን ዘሎ ተምሳለ ዓቢይ ይዅን ብዘየገድስ እቲ ፍልልይ ኣዚዩ ዓቢይ እዩ” እንክብል የብርህ። በነዲክቶስ መበል 16 ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ዋዜማ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ፥ “ቲዮሎጊያ ብዛዕባ ምስጢር እግዚኣብሔር ኪዛረብ ዝሓለነ እኳ እንተኾነ እቲ ፍልጠቱ ሓቂ እውን እንተኾነ እቲ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ፈጺሙ ክፈልጦ - ብኣእምሮኦ ክውንኖ ዘይከኣሎ ‘ኪርድኦ ዘይክእል’ ንክውንነት ኣምላኽ ዘይብቑዕን እዩ” እንክብል ዘንበሮ ሓሳብ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕ ቲዮሎጊያ ዝጸምሮ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።