ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ሓለዋ ዘሎ ወተሃደር ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ሓለዋ ዘሎ ወተሃደር 

ኣብ ሃገረ ቡርኪናፋዞ ንዝካየድ ግብሪ ራዕዲ ዝግበር ደገፍ የብቅዕ! ብፁዕ ካርዲናል ኣሪንዘ

ስለ እቶም ኣብ ሃገረ ቡርኪናፋዞን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃን ብፈጠርቲ ራዕዲ ዝካየድ ዓመጽ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ውሉደ ክህነት ዝርከብዎም ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብብፁዕ ካርዲናል ኣሪንዘ ዝምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ።

ዜና ቫቲካን!

ንመላእ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ነቲ ብሕማቅ ምሕደራ ደቂ ዓዲ ድሕሪ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ክትሳቀ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሠርተታት ዓመታት ግን ብሽፋን ሃይማኖታዊ ጥርኑፍነት ምስልማናን ካልእ ናይ ዓመጽ ሥራሓትን ብዙሓት ንጹሃት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለው እንክምልከት ብፍላይ ኣብ ሃገረ ቡርኪናፋሶ ብፖሎቲካዊ ምምቅቃልስ ይኹን ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝንቀሳቀሱ ዳዕሽን ቦኮ ሓራምን ዚኣመሰሉ ተዋጋእቲ ሓይላት ብዙሕ ትሳቀ ኣላ። ኣብ ከባቢ ሮማ ዝነብሩ ማሕበረ ኮም ቡርኪናበ ስለ እቶም ዕለት ዕለት ሕይወቶም ዝስእኑ ዘለው ኣዝማዶም መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ብዓቢኡ ከኣ ነንሕድሕዶም ክጸናንዑን ስለ እቶም ኣብ ዓዶም ሰላምን ፍትሕን ምርግጋእን ብምስኣን ዕለት ዕለት ኣብ ስቃይ ዝነብሩ ዘለው ወገኖም ንምጽላይ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፊ ማሕበር ሥርዓተ ኣምልኾን ሥርዓተ ምሥጢራትን ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም። እዚ ሁመት እዚ ነንሕድሕዶም ንምጽንናዕን ንምድግጋፍን እኳ እንተኾነ ብቀንዱ ግን ስለ እቶም ብግብረሽበራን ዓመጽን ዝሳቀዩ ዘለው ደቂ ዓዶም ንምጽላይ ምናዳ ኸኣ ዓመጽ ደው ክብል ፍትሕን ሰላምን ክነግሥ ንምጽዋዕ ነበረ።

ብፁዕነቶም ካብ ዘቅረብዎ ብዙሕ ምሕጽንታታት ብቀንዱ ጸሎት ከምዘድሊ ናይ ኩሉ መፍትሒ ካብ ጐይታ ስለዝኾነ ኣበርቲዖም ክጽልዩ ኣብ ዝተማሕጸንዎ ‘ንጉሥ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ጐይታ ንሃገረ ቡርኪናፋሶ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን መላእ ዓለምን ፍትህን ሰላምን ከውርድ ንማህለል’ ድሕሪ ኢሎም። ኣተሓሒዞም እውን ስለ እቶም መሲልዎም ኣብ ዓመጽን ቅትለትን ተዋፊሮም ዘለው እውን ምጽላይ ከምዘድሊ ብምዝኽኻር ኣብ ማሕበረሰብና ህድኣትን ሰላምን ቅሳነትን ታሕጓስን ክወርድ እንተኾይኑ ቀዳማይ መፍትሒ ጸሎት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ግዳይ ናይዚ ዕውር ጭካነ ዝመልኦ ዓመጽ ዝኾኑ ነፍሳቶም ብሰላም ንክዓርፋ ቤተሰቦም ምጽንናዕ ምእንቲ ክረኽቡ ካብ ምጽላይ ክበኹሩ ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሮምዎም።   

ብፁዕነቶም ኣብ ስብከቶም ነቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወግሔ ጸብሔ ዘቅርብዎ ምሕጽንታ ምናዳ ከኣ ብጸሎትን መንፈስን ቅርበቶም ዝገልጽዎ ዓቢ ምጽንናዕ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ኣብ ዝሓለፉ ዕለታት ኣብ ሶልሃን እትብሃል ክፍሊ ቡርኪናፋሶ ንዝወረደ ዓመጽ ብምኹናን ነቶም ግድያት ኣጆኹም ድሕሪ ምባል ‘ኣፍሪቃ ሎሚ ከም ሎሚ ዓመጽ ዘይኮነ ሰላም እዩ ዘድልያ ዘሎ’ ንዝበልዎ ዳግም ኣዝኻኺሮም። ብፁዕነቶም ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጸገማት ቈጺርካ ዘይውዳእ እኳ እንተኾነ ድኽነትን ሕሰምን ስቃይን ከይኣክል እቲ ኣብ ትሕተ ሳሃራ ብጂሃዳውያን ዝፍኖ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ዓመትን ሞትን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዝዘርእዎ ዘርኢ ጽልኢ ንምብዳህ ነታ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኣብ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዘሕልፍዎ ጻውዒት ተቀቢሎም ንምንቅስቃሳት ግብረሽበራ ክኹንኑን ብገንዘብስ ይኹን ብኣጽዋር ብመደብስ ይኹን ብሓሳብ ካብ ምድጋፎም ኩሎም ክቊጠቡ ብምዝኽኻር ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 June 2021, 07:22