ሄራንዝ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከም ሓድሽ “እነሆ እቲ ሰብ” ሄራንዝ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከም ሓድሽ “እነሆ እቲ ሰብ” 

ሄራንዝ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከም ሓድሽ “እነሆ እቲ ሰብ”

ንኣምላኽ ከነፍቅሮ እንተድኣ ዄንና ንቤተ ክርስትያን እውን ከነፍቅራ ከምዘሎና ዝገልጽ ናይ ቅዱስ ቂጵሪያኖስ - “ኣምላኽ ከም ኣቦ ናይቶም ቤተ ክርስቲያን ከም ኣደ ዘይብሎም ክኸውን ኣይኽእልን” ዝብሎ ማዕዳ

ጳጳሳዊ ናይ ሓጋጊ ሰነዳት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዅሊያን ሀራንዝ ካሳዶ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ምክልኻል እትስዕቦ መገድን ሓደስቲ ሕግታታን ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ጽሑፍ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ንንባብ ከምዘብቀዖን፥ ብጹዕነቶም ይብሉ፥ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ዘላ ሓድሽ ሕጊ “ንኽቱር ርእሰ ኣምልዀ - ናርሲስት - ምስላ ንምሕላው ዘይኮነስ፡ ተኣማንነት ክርስቲያናዊ መልእኽቲ ዳግም ንምርግጋጽ” እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ዅሊያን ሀራንዝ ነቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ፥ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ካርዲናል ዚዛረቦ ቓላት እቃልቦ ከም ዝግበረሉ እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዓቢዪ ናዕቢ ዘለዓዕል ዘሎ ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እተፈጸመ ዜስካሕክሕ ገበን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት፡ ከምኡውን ነቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ብሕታውን መንግስታውን ሓላፍነታት ኣብ ግምት ከእትዎ ፍቐዱለይ ክቡር ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሎ ሶርቮቶረ ሮማኖ፥ እቲ ዘቕርቦ ጽሑፍ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ከቢድ ጸገም ብሕጋውን ጒስነትን ብዘሎኒ ኣረኣእያ ብምትንታን ንምትሕብባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህዝባዊ ኣረኣእያ ምናልባት እውን ንተኣማንነት ቤተ ክርስቲያንን መልእኽቲ ወንጌልን ኣብ ሕልና እቶም እሙናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘእቱ ግምት ብምሃብ እዩ።

ድሕሪ እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ከምኡ እውን ልዕሊ ዅሉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተኣወጀ ናይ ገበን ሕጊ ተሓድሶ፡ ብሕታዊ ባህርይ ናይቲ ጽዩፍ ተግባር ወድሰብ ብውሉደ ክህነት (ዲያቆናትን ካህናትን ኣቡናትን ወይ ውን ካርዲናላትን) እተፈጸመ ከቢድ ግዳማዊ ሓጢኣትን ገበንን ወይ ከኣ ከምቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ናይ ሓዋርያዊ ቅዋም Pascite Gregem Dei - መጓሰ እግዚኣብሔር ጓስዩ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ብትኽኽል ኣነጺሩ የቕርቦ። ብፍላይ ንማሕበረሰብ እቶም እሙናት ዘሳቒ እኳ እንተኾነ ነቲ ገበን ዝፈጸመን ወይ ውን ዝሓባእን ዝሽፍንን ወይ ከኣ ነቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ንመሰላት እቶም ክሲ ዘቕርቡን ንግዳያትን ተኸሰስትን ንምሕላው ዘውጽኦ ንጹር ናይ ኣሰራርሓ ሕግታት ዕሽሽ ከምዘይብል ንጹር እዩ፥ እቲ ሕጊ ኣቡን ወይ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ እንተ ዀይኑን ዘይኮይነ ዘገድሶ - ስነ ምግባራውን ሕጋውን ብሕታውን ሓላፍነት ከምዘሎ የመላኽት፥ ሕጊ ንኻልኦት ወይ ንዘሎካ ክብሪ መሳርሒ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣነጺሩ ዘብርህ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኵሉ ማዕረ እዩ።

ገበን ወይ ጌጋ ኣቡን እንተ ኣጋጢሙ ምእመናን ዝስምዖም ሕፍረትን ሓድሓደ ግዜ ቑጠባዊ ሓላፍነት  (እቲ ገበ ኣብ ፈጻሚኡ ዝብል ኣረኣእያ) ብምሉኡ ነቲ ተዛማዲ ኣካል ቤተ ክስቲያን ከውድቕ ዚኽእል እኳ እንተኾነ እዚ ግና ሕጋውን ግብረ ገባውን ሰበኻታት ኣብ ሕቶ ከእትዎ ኣይክእልን እዩ። ጎጌጋታትን ሓጢኣትን ሓድሓደ ግዜ ኣባላታ እንኰላይ ልዑል ክፋል መራሕቲ ሃይማኖት ዝፍጽምዎ ገበን ተኣማንነት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ተልእኾኣን ውህሉል ስልጣናዊ ትምህርታን ኵሉ ኣብ ሕቶ ንምእታው ርትዓዊ ኣይኰነን። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ታሪኻዊ ዅነታት እንተ “ብርቱዓን ሓይልታት” ናይዛ ዓለም እዚኣ ንድኽመታት ሰብኣዊ ባእታታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ሕዝባዊ ኣረኣእያ ዓለም ንምምዝማዝ ክጽዕራ ምድላየን ዕሽነት እዩ።

ነታ “ስጋ ክርስቶስ” (1ቈረ. 12.27) - ቤተክርስትያን ብሓጢኣት ኣባላታ ማለት ብሓጢኣትና ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከም ሓድሽ “እነሆ እቲ ሰብ” ጊርካ ምምልካት ከብሃል እንከሎ ኣቐዲምካ ንናይ ውልቕኻን ንናይ ቀሳውስ ርእሰ መከላኸሊ ኣይኮነን። ነቲ ትሕትና ብምርሳዕ ንገዛእ ርእስኻ እተከላኸለላ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ “መናፍቓን” ምስሊ ስልጣንን ዓለማዊ ክብርን ንምሕላው ዘይኮነስ፡ መለኮታዊ መበቈላ ቅድስና እቲ ብኣኡ ዝቐረበ ሰነ ስርዓት ከምኡ እውን እቲ ክርስቲያናዊ መልእኽቲ ድሕነት ንሓዋሩ ዝርአ ኣርእስትታትን ተኣማንነትን ንምርግጋጽ እዩ። ንኣምላኽ ከነፍቅሮ እንተድኣ ዄንና ንቤተ ክርስትያን እውን ከነፍቅራ ከምዘሎና ዝገልጽ ናይ ቅዱስ ቂጵሪያኖስ -  “ኣምላኽ ከም ኣቦ ናይቶም ቤተ ክርስቲያን ከም ኣደ ዘይብሎም ክኸውን ኣይኽእልን” ዝብሎ ማዕዳ ኣገዳሲ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሰብኣዊ መዳያታ ሓጥእ እኳ እንተዀነ (ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማእለያ ዘይብሎም ቅዱሳን ውሉዳት ኣለዉ) ቤተ ክርስቲያን ህይወት እትህብ ኣደ እያ - ሕይወትን ሓቅን መገድን ክርስቶስ እያ። ሰለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ኣማእኪሉ ዝመኸረ ሲኖዶስ ክርስቶስ ሕያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ “ቤተ ክርስቲያን - ነቲ ሓድሓደ ግዜ ገለ ኻባታቶም ክሓብእዎ ዝፍትኑ ሓጢኣት ኣባላታ ንምርኣይ ኣይትፈርህን እያ። . . . ይኹን እምበር እታ ኣደ ምስ ቈሰለት ከም ዘይትጥንጠን ኣይንረስዕ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ሓይላ ምእንቲ ኽትገልጽን ደጋጊማ ክትብገስን ምስናያ እዩ ዘድሊ” (ክርስቶስ ህያው እዩ ቝ. 101 ረአ)”፡ “ሓድሽ ጴንጠቖስጠ ክርህው መታን . . ንዝተሓደሰ መንእሰይ” (ክርስቶስ ህያው እዩ  ቝ. 102 ረአ)።

ነቲ ዘቕረብክዎ ሓተታ ኣስተብህሎ ስለ ዝሃብኩምሉ አመስግን

ናይ ጳጳሳዊ ሓጋጊ ሰነዳት ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር እንክብሉ ከቲሞም ነቲ ኣብ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ የጠቓልሉ።

09 June 2021, 16:07