ድለ

ኣብነት ፒዮስ ሻብዓይን ታሽዓይን፥ ክትባት ንኹሉ፥ ንድኻታት ኣብነት ፒዮስ ሻብዓይን ታሽዓይን፥ ክትባት ንኹሉ፥ ንድኻታት 

ኣብነት ፒዮስ ሻብዓይን ታሽዓይን፥ ክትባት ንኹሉ፥ ንድኻታት

ኣብ መወዳእታ መበል 18ን ኣብ መባእታ መበል 19 ዘመን እቲ ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዝነበረ ለብዒ በዲዶ ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ ዝነበረ፥ . . . ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ተዓዛቢ ኮይኖም ኣይተረፉን፡ ዕለት 20 ሰነ 1822 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ካርዲናል ብጹዕ ኮንሳልቪ ክታም ብዝተነብሮ ኣዋጅ ኣቢሎም

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክትባት ንዅሉ ዝብል ምሕጽንታኦምን ንድኻታትን ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡን ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ሓለፋ ዝብል ቃሎምን ተግባሮምን ኣብዚ መዳይ ኵሉ ወስታኦምን ንምርዳእ ንናይ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ታሪኽ ምልስ ቢልካ ምርኣይ ከየድለየ ኣይተርፍን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ዘመናዊ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣቦ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኤደዋር ጀነር ብህይወት እንከለዉ ኣብ 1822 ዓ.ም. እቲ ኣብቲ እዋን ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ዝምራሕ ዝነበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ሃገረ ቫቲካን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊብ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ኤርኮለ ኮንሳልቪ ክታም ዝተነብሮ ወፈራ ክትባት ንዅሉ ዝብል ውሳኔ ተመሓላሊፉ ከምዝነበረን እዚ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ተላባዒ ሕማም ንምክልኻልን ንምውጋድን ዝዓለመ ወፈራ ካብ ጥንቲ ዝነቐለ ቃል ኪዳን ምዃኑ የመላኽት፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተነብረ ታሪኽ ምልስ ቢልካ ምዝካር ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮናርድ ክራየውስኪ ብዝተመርሔ መራሓ ግብሪ ኣቢሎም ድኻታትን ግዳም ሓደር ዜጋታት ክኽተቡ ዘካይድዎ ዘለዎ ጻዕሪ ካበይ ዝነቐለን ወንግላዊ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ተስተውዕል፡ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓላፋ ምባል ንመላእ ሕብረተሰብ ንዝቐርብ ሓገዝ መሰረት ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ብቓልን ሕይወትን ተነጽር።

ኣብነት ፒዮስ ሻብዓይን ታሽዓይን፥ ክትባት ንኹሉ፥ ንድኻታት
ኣብነት ፒዮስ ሻብዓይን ታሽዓይን፥ ክትባት ንኹሉ፥ ንድኻታት

ኣዋጅ ኮንሳልቪ (ኣብ እዋን ፒዮስ ሻብዓይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ)

ኣብ መወዳእታ መበል 18ን ኣብ መባእታ መበል 19 ዘመን እቲ ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዝነበረ ለብዒ በዲዶ ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ ዝነበረ፥ . . . ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ተዓዛቢ ኮይኖም ኣይተረፉን፡ ዕለት 20 ሰነ 1822 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ካርዲናል ብጹዕ  ኮንሳልቪ ክታም ብዝተነብሮ ኣዋጅ ኣቢሎም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ማርኮ ራፐቲ ኣሪጎኒ ኣብቲ ብረቪያሪዩም ነጥቢ ኤዩ - breviarium.eu ኣብ ዘርእስቱ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዝሕብርዎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ጸረ ለብዒ በዲዶ ወፈራ ኣበጊሶም ኣብቲ ኣዋጅ እውን እቲ ለብዒ “ጸረ ሰብኣዊ ሕይወት . . . ምንባር ዝነፍግ ሕይወት ገና ካብ ምወላዱ ዝቕንጽል . . .፡ ዝብል እዋናዊ ብዝኾነ ሓሳብ ከምዝገለጽዎ የመላኽቱ። ስለዚህ ክትባት ንዅሉ ክኸውንን ብፍላይ ከኣ ነቶም ድኻታትን ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ዜጋታት ሓለፋ ክበሃል ኣብቲ እቲ ኣዋጅ ይላበው። . . . ነቲ ክትባት ካብ ኣምላኽ ዝተወሃበ ህያብ ገይሮም ይገልጽዎ፡ ሓልዮት ኣምላኽ ነቲ ንውልዱ ብፍቕሪ ዘድሓኖ ሎሚ እውን ካብቲ ለብዒ ንምድሓን ዝያዳ ፍቕራዊ ክንክን ክግበረሉን በዚ ኣገባብ እዚ ንኹሉ ነቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘበለ ምውጋድ ከምዝከኣል የተሓሳስቡ።  ኣብቲ እዋን ከይመርመርካ ኣቐዲምካ ብምፍራድ ሕይወት ሰባት ንኸይድሕን ብዙሕ መሰናኽላት ተፈጢሩ እዩ፥ ኣብ ገለ ገለ ከባብን ኣባይቲ ስድራን እቲ ቅድመ ፍርዲ ካብ ፍቕሪ ውላድ ንላዕሊ በርቲዑ ይርአይ ከምዝነበረ ናይቲ እዋን ታሪኽ ጠቒሶም የመላኽቱ።

ንሓኻይም እተገብረ ወፈራ ክትባትን ክኽተቡ ግድን ዝብልን

ፒዮስ ሻብዓይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቲ ለብዒ ዝከታተል ፍሉይ ድርገት ክቐውም ገይሮም፡ ኣብ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ክትባት ክወሃብን፥ ሓኻይም ህሙማን ንኸድሕኑ ብቐዳምነት ክኽተቡ ዝብል ኮይኑ፡ እዚ እውን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ጸረ ክትባት ኾሮና ተህዋስ ካብቶም ሓኻይምን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝተዋፈሩ ክጅምር ዝብል ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ወፈራ ክትባት ኣቐዲሙ ዘነጸረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ክትባት ካብቶም ሓኻይም ጀሚሩ . . . ብፍላይ ንሕጻናትን ኣብ መዕበያ ዘኽታማትን ወፈራ ክትባት ክሳለጥ ተገብረ። ሓኻይም ጸረ ለብዒ በዲዶ ክትባት ከምእተኸትቡ መስካሪ ወረቐት ይሃልዎም እውን ዝብል እዩ።

ኵሉ ንኽኽተብ ምትብባዕ

ህዝቢ ነቲ ውፈራ ክትባት ተቐቢሉ ክኽተብን ፍርሕን ቅድመ ፍርድን ከወግድ ይዕደም ነይሩ፡ ስለዚ ረድኤትን ንሕይወት ዘድሊ ዘበለ ኵሉ ንምርካብ ክትኽተብ ከምዘለካን . . . ነቶም ክትባት ዝቃወሙን ዘድሊ ኣይኮነን ዝብል ምንቅስቓሳት ዘካይዱ ንዝነበሩ ልክዕ ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እንርእዮ - ጸረ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣይድልን ዝብሉ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘካይድዎ ጐስጓስ እዩ፡ ኣብቲ እዋን እምበኣር ነቶም ክትባት ዝነጽጉን ኣይንኽተብን ዝብሉን ካብ መንግስትን ሃገርን ዝቐርበሎም ረብሓ ከምዘይህሉን ኣብ ናይ ሓላፍነት ኮነ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዕዮ እውን ዝረኽብዎ ናይ ደረጃ ዕብየት ከምዘይረኽቡ ይሕበሮም ነይሩ እዩ።

ሊዮን መበል 12 ክትባት ኣይፋል በሃልትን

ኣብ 1824 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊዮነ መበል 12 ነቲ ክትባት ግድን ዝብል ዝነበረ እዋጅ ዘልዕል ብድላይን በወለንተይናነት ይኹን ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓሳብ ኣብ ኢጣሊያ ኣብቲ እዋን ክትባት ዝቓወሙ ዝነበሩ ጆቫኒ ጆኣኪኖ በሊ ብዓቢይ ሓጐስ ሓንጐፋይ ቢሎም ከምእተቐበልዎን፡ . . . ድሕሪ ሕልፈት ሊዮነ መበል 12 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ጐርጐሪዮስ መበል 16 ነቲ ናይ ፒዮስ ሻብዓይን ናይ ኮንሳልቪን ኣዋጅ ብምቕላሕ ጐስጓስ ክትባት ከምዘነቓቕሑን ኣብ 1834 ዓ.ም. እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ክንክን ጥዕና ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ክቐውም ከምዝገበሩን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡ ኩሎም ካብቲ ለብዒ ንምክልኻል ክትባት ግድን ክወሃቦም ከምዝገበሩ ቶርኒየሉ ኣብ ዝአቕረብዎ ሓተታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሶም የመላኽቱ።

ፒዮስ ታሽዓይ

እቶም ናይ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ.ን ንጉስን ዝነበሩ ጂቫኒ ማሪያ ማስታይ ፈረቲ - ፒዮስ ታሽዓይ ኣብ 1848 ዓ.ም. ክትባት ጸረ ለብዒ በዲዶ ጐስጓስ ብምብርታዕ ብፍላይ ነቶም ኣብ ድኽነትን ኣብ ሓሳርን መከራንዝርከቡ ዜጋታት ክወሃብ ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዘድሊ ናይ ክትባት መድሃኒት ክባጻሕ ገይሮም፡ ነቶም ብድላዮም ዝኽተቡ ንዝነበሩ እውን ስልማት ብምሃብ ሕዝቢ ንኽኽተብ የተባብዑ ከምዝነበሩ ቶርኒየሊ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

11 May 2021, 08:55