ቱርክሶን፥ ማሓድረኣውያን ዜጋታት ንኹን ዘሕትት ጠባይ ነወግድ ቱርክሶን፥ ማሓድረኣውያን ዜጋታት ንኹን ዘሕትት ጠባይ ነወግድ 

ቱርክሶን፥ ማሓድረኣውያን ዜጋታት ንኹን ዘሕትት ጠባይ ነወግድ

ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምልቓቕ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ገዓር ድኻታትን ምድርን ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንትን መንእሰያትን መጻኢ ዓለምን ወለዶን ነጥፍእ ኣሎና ዝብል መጠንቀቕታ ከመሓላፉ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን

ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፡ እታ ካብ እትሕተም ሻድሻይ ዓመት ተቝጽር ዘላ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ዘለዎ ኣገዳስነት እተነጽርን ነዚ ሓላፍነት እዚ እተነቓቕሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ዝተሓንጸጸ ሸውዓተ ሸቶ ዘለዎ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ዝሳልጥ ተግባሪ መደብ ብወግዒ ንምልላይ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ጋዜጣዊ መልጺ ከምዝሃቡን፡ እዚ መደብ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታትን ገዳማውያን ማሕበራትን ተቕዋማትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ዘላቒ ኣገባብ ሕይወት ክስዕባ ዝጽውዕ ምዃኑ ኣብሪሆም ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ንምንካይ ኣማእኪሉ ኣብቲ ኣብ ግሎስጎው ንኽካየድ ብመደብ ዝተተሓዘ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳተፉ ተስፋ ንገብር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምልቓቕ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ገዓር ድኻታትን ምድርን ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንትን መንእሰያትን መጻኢ ዓለምን ወለዶን ነጥፍእ ኣሎና ዝብል መጠንቀቕታ ከመሓላፉ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ቅድስቲ መንበር ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ መደብ ብወግዒ ተበግስ። እዚ ተግባሪ ውጥን’ዚ ብምኽንያት ዝኽሪ ሓሙሽተ ዓመት ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዓመት ይሴባሕ ኣብ ዝተበገሰሉ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝተነቓቐሔ ከምዝኾነ እውን ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቱርኮስን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመላኺቶም፡ እቲ መደብ ዘላቒ ኣገባብ ሕይወት ዘመላኽትን ኩሉ ኣብዚ ኪደት እዚ ንኽሓብር ዘነቓቕሕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ሎሚ ካብ ቀደም እንነብረላ መሬት ንምድሓን ጭቡጥ ስጉምቲ

ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኣፒያ ቱርክሶን ነቲ መደብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓቢዪ ሓደጋ እዩ ዘሎ፡ ስለዚህ ንኽንጽበወይን ንምድንጓይን ዝኸውን ግዜ የብልናን፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ወሰኽ ገምጋም ደረጃ ሙቐት ካብ 1.5 ከብ ከይብል ዝጠልብ ደረት ምኽባር ወሳኒ እዩ፡ ካብኡ እንተድኣ ዛይዱ መዓት እዩ ዝኸውን ቢሎም “ብዙሓት ሰባትን ምንቅስቓሳትን ማሕበራት ኣባይቲ ክርስቲያንን ናይ ሃይማኖት ተቕዋማትን ተመራመርትን ዓበይቲ ኣካላትን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓባራዊ ቤትና ንኽንከናኸን ዘቕረብዎ ጻውዒት ብውዕዉዕ ስምዒት ምላሽ ሂቦምሉ እዮም፡ ይዅን ደኣ እምበር ሎሚ ካብ ቀደም እንነብረላ መሬት ንምድሓን ጭቡጥ ስጉምቲ እንወስደሉ ግዜ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብቲ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ማሓድሮን ዘፍጥረትን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ጆሽ ኩሪዛዳም፥ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ናይቲ ንሸውዓተ ዓመት ዝኸይድ በዓል ሸውዓት ሸቶ ተግባር ይሴባሕ መደብ እንታይን ከመይን ይፍጸም ኣብ ዝብል ቀዉም ሓሳብ ኣማኪሎም መብርሂ ከምዝሃቡን “እቲ መደብ ከኣ ናብቲ ምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ዘላቒ ናብ ዝኾነ ምሉእ ማሓድሮ ዘሰንይ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሻብዓይ ዓመት፥ ዓመት ውዳሴን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር

እቶም ሸውዓተ መባጸሔ ንገዓር ምድርን ድኻታትን መልሲ ንምሃብ ማሓድሮኣዊ ቍጠባ ምቕራብን ዘላቒ ናይ ሕይወት ኣገባብ ምቕባልን ስነ ማሓድሮኣዊ ሕንጸትን ማሓድሮኣዊ መንፈሳውነትን ማሕበረሰብ ምስታፍን ጭቡጥ ተግባርን ዝብሉ ምዃኖም ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሓበረን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ሲኖዶሳዊ ኪደት እንክብሉ ዝሓትዎ፥ እቲ መደብ ይሴባሕ እውን ብሲኖዶሳውነት ዝፍጸም ክኸውንን ብጠቕላላ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ከምዝኾነ እውን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ደናግል ማሕበራት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ሕብረት ናይ ፍትሕን ሰላምን ኵለንተናዊ ዘፍጥረትን ድርገት ካልአይቲ ዋና ጸሓፊት እናቴ ሸይላ ኪንሰይ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን፥ ሃይማኖታዊ ዓለም ኣብዚ መደብ እዚ ክሓብር ምዃኑ ብቐዳምነት መንፈሳዊ ማሕበራት ደናግል ብመሰረት መንፍሰዊ መስህባተን ኣቢለን ነቲ መደብ ኣብ ምንባር ህርኵት ጻዕርን ትብዓትን ብኻልኣይ ደረጃ ናብ ኵለተናዊ ማሓደሮ ብልላልያን ናይ ዞባታት ድምጺ ጽን ብምባል ምስግጋርን ብሳልሳይ ደረጃ ብምትሕብባርን ናይ ዘይጐነጻዊ ባህሊ ብምስፋሕን ኣብቲ መደብ ይሴባሕ ክነጥፋ እያተን ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ መንእሰያት ድምጺ፥ “ቅልውላው ማሓድሮ ረዚን ኣቃልቦ ክግበረሉ”

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓን ንምክንኻን ማሓድሮ ወኪለንን ድምጺ መንእሰያት ኮይነን ዝተሳተፈ ካሮሊና ቢያንኪ፥ ብዕድመ ንዝደፍአ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ መንእሰይ ወለዶ እውን፥ “ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ማሓድሮኣዊ ቅልውላው ኣርዚኑ ክርእዮን መጻኢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ብምስትውዓል ህጹጽ ስጉምቲ ብዘይ ውዓል ሕደር ክንወስድ ይግብኣና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መግለጺ ከምዝሃባ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

26 May 2021, 15:55