2021.05.18 Conferenza stampa di presentazione del volume "Orientamenti pastorali per la celebrazione della Giornata mondiale della gioventù nelle Chiese particolari" 2021.05.18 Conferenza stampa di presentazione del volume "Orientamenti pastorali per la celebrazione della Giornata mondiale della gioventù nelle Chiese particolari" 

ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ን” መንእሰያት ናብ “ምስ” መንእሰያት

ነዚ “ብፍላይ ንመዓልቲ መንእሰያት ዓለም ኣብ ዞባውያን ሰበኻታት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝኸውን ናይ ጒስነት መምርሕታት” ንምድላው ደራኺ ኣመክንዮ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምርጫ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሰንበት በዓለ ሆሳእና ምዃኑ ተሪፉ ናብ ሰንበት በዓለ ኢየሱስ ንጉስ ክሰጋገር ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ

ዕለት 18 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ኣብ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ንምብዓል ዝሕግዝ ናይ ጒስነት መምርሓታት” ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝተወሃበሉ መድረኽ፥ እቲ ክቡር መዓልቲ መንእሰያት ግብኡ ክብሪ ክብሪ ንኽወሃቦ ዘዘኻኽር ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምእተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ሎምን ጽባሕን መሰኻኽር ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሃብቲ ዝኾኑ መንእሰያት እምንቶ ምሃብን፡ እዚ ዕለት 18 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር  ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ብወግዒ ዝቐረበ “ኣብ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንመዓልቲ መንእሰያት ዓለም ንምብዓል ዝሕግዝ ናይ ጒስነት መምርሓታት” ዕላማውኡ ነቲ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ዞባዊ መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝፍጸም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክሳተፉ ንዘይክእሉ ዝያዳ ብርታዔ ንምሃብ ኮይኑ፡ ቅድሚ 35 ዓመት ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተበገሰን በነዲክቶስ መበል 16ን ደሓር እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንደገና ህያው ገይሮም ዘነቓቕሕዎን መንእሰያት ናይ እምነትን ሱታፌን ተመክሮ ንኺነብሩ ጥራሕ ዘይኮነ ጸዋዕታኦም ንኺረክቡን ህያው ንኺገብሩ እውን ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ።

ርክብ ንዅሉ ምንጪ ጸጋ እዩ

ነዚ “ብፍላይ ንመዓልቲ መንእሰያት ዓለም ኣብ ዞባውያን ሰበኻታት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝኸውን ናይ ጒስነት መምርሕታት” ንምድላው ደራኺ ኣመክንዮ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምርጫ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሰንበት በዓለ ሆሳእና ምዃኑ ተሪፉ ናብ ሰንበት በዓለ ኢየሱስ ንጉስ ክሰጋገር ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣለክሳንደር ኣዊ መሎ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. መእሰያትን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ዝተኻየደ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፡ ነቲ ሰነድ ክውንታ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብቲ ኣብ ዞባውያን ሰበኻታትን ኣቢያተ ክርስትያንን ምስ መንእሰያት ዝተኻየዱ ኣኼባታት እውን ኣገዳሲ ረቛሒታት ተኣኪቡ እዩ። ስለዚ እዚ “መምርሒ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ” እዚ ንጓሶትን ንዝተፈላለዩ ኣብ ዞባውያን ሰበኻታትን ኣባይቲ ክርስቲያንን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉን ኣብ “በዓለ መንእሰያት” ዘለዎም ተመክሮ ንኸሀብትሙ ዝሕግዝ እዩ፡ እቲ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብትንቢታዊ ልቦና እተወልደ መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ንብዙሓት መንእሰያት ምንጪ ጸጋ እዩ። ከም በነዲክቶስ መበል 16 ኣገላልጻ እቲ መዓልቲ መንእሰያት ዓለምን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ንቤተ ክርስትያን ዘድሊ ህያብን “ንምእማን ኣብ ዘጋጥም ድኻም ፈውሲ እዩ” ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ወለዶታት ሓለፋ ንዝብል ተልእኾ ብርታዐ ዝህብ እዩ፡ ዝበሉ ኣባ ሜሎ ኣስዒቦም ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ካብ መዓልቲ መንእሰያት ዓለምን ክንደይ ጸዋዕታን ምልዋጥን ዘይተጸገወ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሃዝነት

እቲ ሽዱሽተ ምዕራፍን መደምደምታን ዘጠቓልል መምርሒ ኣማእኪሎም ኣብ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዛዕባ መንእሰያት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ዥዋው ቻጋስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ኵሎም ነዚ በዓል እዚ ዜብዕሉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን መዓልቲ መንእሰያትን ዓለምን ንመላእ ኤቅልሰያዊ ማሕበርሰብ ዓቢይ ጸጋ እዩ” ቢሎም እቲ ብሰበኻ ደረጃ ዝበዓል መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ኣብ ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ዝበዓል ኮይኑ ከምቲ ኣብቲ መምርሒ ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ተመልኪቱ ዘሎ፥ ኣብ መሃዝነት ክእለትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣማእኪሉ፥ ቃል ብቓልን መስመር ብመስመርን ክሰዓብ ዘለዎ መምርሒ ዘይኮነ፡ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ምስ ጭቡጥ ክውንነት ከተዓራርዮን ምስ ናይ ከባቢኡ ሓቅነት ከመይ ክጣመር ከምዘለዎ ሓሳብ ዝህብ እዩ እንክብሉ የብርሁ።

ተዋሳእነት ንምቅስቓስ ምትእምማን መሰረታዊ እዩ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ንቅነ መንእሰያት ዓለም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንመንእሰያት ናይ ሓቂ “መንፈሳዊ ቡሶል” እዩ፡ ንመንእሰያት ክንኣምኖም ከምዘሎና እውን ኣብቲ መልእኽቲ ይላበዉ፡ እቲ ሰነድ ካብ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተበጊሱ መንእሰያት መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮኑ ህሉው ህይወት እውን ምዃኖም ዘዘኻኽር ናይ ጒስነት መምርሂ ምዃኑ ኣባ ቻጋስ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ዶክረት ዶሮታ ኣብደልሙላ እውን ብወገነን ኣብ ዝሃበሆ መግለጺ፥ መንእሰያት እምንቶ ክትህቦም እንከሎኻ ዝኽሕሱ ምዃኖም ምስ ናይ ገዛእ ርእሰን ታሪኽ ኣተሓሒዘን . . . መንእሰይ ብዝኽእሎ ኵሉ ንኽዋሳእ ክትዕድሞን እምነት ከተሕድረሉን እንከለኻ ዓቅሙን ክእለቱን ካብ ምውፋይ ድሕር ዘይብል እዩ፡ እቲ መምርሒ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት መንእሰያት ሓላፍነት ዘለዎም እተወፈየ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ መንእሰያት ብሓባር ኮይኖን ከንብብዎን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ተስፋ ንገብር፥ “ተዋሳእነት መንእሰያት ንምትብባዕ ንመንእሰይ እምነት ምሃብ ኣብኡ እምኖት ምግባር መሰረታዊ እዩ” ብኻልእ መዳይ እውን “በቶም ውሑዳት ወትሩ ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ዝሳተፉ መንእሰያት ዓጊብካ ከይሃድሙኒ ካብ ዝብል ፍርሒ ተላቒቕካ መታን ክስስኑ ብፍላይ ከኣ እቶም ብቕዓት የብለይን እምነት የብለይን ዝብሉ ምስማዕን ምምራኽን የድሊ” እቲ መምርሒ እውን ነዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ ብኸመይ ክሰዓብ ከምዝግባእ መገዲ ይሕብር ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘተ ንሰላም

ጓል 26 ዓመት ማሪያ ሊሳ ኣቡ ናሳር ኣብ ኣብ ቅድስቲ መሬት ከተማ ናዝሬት ዝነብራ ንመንእሰያት ፍልዩ ሓገዝ ዘቕርብ ናይቲ ቅዱስ ኣልኣዛር ኣህጉራዊ ማእከል ኣተሓባባሪት እውን ብወገነን ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፥ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምሉእ እቲ ዞባን ዘሎ ኵነታት ግምት ብምሃብ “ኣብ መንጐ መንእሰያት ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ናይ ዘተ በሪ ክርህው” ተስፋ ንገብር፡ ኵላትና መንእሰያት ፍልልያት እኳ እተሎና ካብ ሓደ ሓባራዊ ነጥቢ ተበጊስና ንህላወና ክርድኦ ዝኽእል ኣካል ኢና እነናድይ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምንጪ ጸዋዕታ

ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት 24 ዓመት ዝዕድመኡ ኣብ ሮማ ናይ ስነ ኣናስር ቲዮሎግያ ትምህርቱ ዝከታተሉ ዘለዉ ጀልሶን ፈርናንዶ ኣውጉስቶ ዲኒስ፥ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ኣብ መዓልቲ መንእሰያት ዓለምን ጉዕዞኦም ጸዋዕታኦም ከለልዩ ምኽኣሎምን ናብ ሮማ ቅድሚ ምምጻኦም ኣብ መዓልቲ መንእሰያት ዝነበሮም ተሳትፎ መሰረት ጸዋዕታኦም ምዃኑ ሓቢሮም፡ ቅነ መንእሰያት መንእሰይ ባህረታዊ ከይኮነ ጸዋዕታኡ ኣለልዩን ጽዋዕታኡ ኮይኑን ክነብር ዓቢይ ድጋፍ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን

ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰያት ኣብ ማእከላ ክተንብሮምን ክትጽልየሎምን ቀንዲ ተዋሰእቲ ክኾኑ ዘብቅዖም ወስታ ክህልዋን እዚ ኸኣ “ኢየሱስ የፍቅረኵምን ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ኢኻትኵም” ዝብል ዓቢ መልእኽቲ ክበጽሖም መታን።

20 May 2021, 11:29