ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ  ጸሎት ሓስብ ብምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓስብ ብምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓስብ ብምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ “ጸሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ማእከል እዩ”፥ ጸሎት ምስ ናይ ኣብ ፍቕሪ ሱታፌ ክህልወና ዝገብር እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ዘቕርብዎን ብምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝርጋሔ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ብጋሴ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን እቲ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ፊሊፒንስን ማያ ቐቅቺን ብዘጠቓልል ብጠቓላ ብ23 ቋንቋታት ክትርጐም ምዃኑ ክንገር እንከሎ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ መረብታዊ ማሕበር ሓላፊ ኣባ ፎርኖስ፥ “ብዛዕባ ብድሆታት ደቅሰብን ቤተ ክርስትያንን ምጽላይ ር.ሊ.ጳ. ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብቛንቋኻ ካብ ምርድኡ ዝሓይሽ ነገር የልቦን” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ብ 23 ቋንቋታት ተተርጒይሙ ክመሓላለፍ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፥

እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝተበገሰ ብምስማዐ ርእየት ዝመሓላለፍ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ሓሙሽተ ዓመት ምኽንያት ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ  ዝዝርግሕ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ብጋሴኡ ብትሽዓተ ወግዓዊ ቋንቋታት ማለት ብስፐይንን ብእንግሊዝን ብፖርቱጋልን ብጣልያንን ብፈረንሳን ብጀርመንን ብዳችን ዓረብን ቻይናን ቋንቋታት ዝትርጐም ከምዝነበረን ስዒቡ እውብ ቨትናምን ፖላንድን ስዋሂሊን ኪንያርዋንዳን ካታላኖን ሊትዋኒያን ስሎቨኒያን ሂንድን ራሻን ኮሪያን ጃፓንን ቋንቋታት ክትርጐም እውን ከምዝጀመረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ብተወሳኺ ብክልተ ሓደስቲ ቋንቋታት እውን ክትርጐም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሕበራዊ መረብት ክሳብ 155 ሚሊዮን በጻሕቲ ዘቑጸረ

ንኣብነት ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ብፍላይ ስለ ተኣፈፍትን ኣብ ጸገም ዘለዋ ሃገራትን ዓለም ካብ ኣጽዋር ውግእ ናጻ ክኸውንን ሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ቝጠባ ክቐምን ዘጠቓልል ዝተፈላለየ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ከምዘመሓላለፉን እቲ ዝርጋሔ ብ 155 ሚሊዮን ሕዝቢ ከምእተበጽሔን ንልዕሊ 17,500 ኣብ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ኣርእስቲ ሽፋን ከምእተወሃቦን ክንገር እንከሎ፥

ኣባ ፎርኖስ፥ “ንር.ሊ.ጳ. ብቋንቛኻ ምርድእ ኣገዳሲ እዩ”

ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ሓላፊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ብዛዕባ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ትርጒም ቅዱስነቶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘብጽሖምን ዝራኽቦምን መልእኽትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ብቛንቋኻ ምስማዕ ዝሓሸ ነገር የሎን”፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ “ጸሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ማእከል እዩ”፥ ጸሎት ምስ ናይ ኣብ ፍቕሪ ሱታፌ ክህልወና ዝገብር እዩ ቢሎም፡ ብዛዕባ ብድሆታት ደቅሰብን ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ምጽላይ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚ ቅዱስነቶም ነዚ ማእከል ገይሮም ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ነፍሲ ወክፍ ህዝቢ በቢ ቋንቋኡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ክሰምዕ ከምቲ ኢየሱስ ናብ ኣቡኡ ክጽል እንከሎ፥ በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ቋንቋን ንሱ እውን ኣብ ምድራዊ ሕይወት ብዝጥቀመሉ ዝነበረ ቋንቋ ኣረማይስጢ ኣባ እንክብል እዩ ዝጸወዖ፡ ስለዚህ ብቋንቋኻ ካብ ምርዳኡ ዝሓሸ ነገር የሎን፡ ኵላትና ብቋንቋና ኢና ነቲ ጸሎት ጽን ንእንብሎን ሓቢርና እነቕርቦን፡ ቢሎም እቲ መረባዊ ማሕበር ንናይ  ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝመሓላለፍ ብዝወሃብ ወፈያ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 May 2021, 15:17