ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዘተ፡ ሳላሳ ዓመት ድሕሪ ናይ ሓባር ሰነድ “ዘተን ኣዋጅን” ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዘተ፡ ሳላሳ ዓመት ድሕሪ ናይ ሓባር ሰነድ “ዘተን ኣዋጅን” 

ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዘተ፡ ሳላሳ ዓመት ድሕሪ ናይ ሓባር ሰነድ “ዘተን ኣዋጅን”

ነቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቲ ሰላምታ ዝኸፈቱ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮምቦናዊ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ መደረ ብጽዕነቶም ኣስዒቦም

እቲ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታዊ ባህልታትን ዘሎ ርክብ ንኽምዕብል ዝድርኽ ቲዮሎጊያዊ መቓን  ዘንበረ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዕለት 19 ግንቦት 2021 ዓ.ም. በቲ ተኸሲቱ ዘሎ  ለብዒ ምኽንያት ግብራዊ ዝኾነ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋግ ብምኽባር ብመረባዊ  ውሕዘት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 19 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 30 ዓመት “ዘተን ኣዋጅን፥ ኣስተንትኖን ምስረቓን ዘተ ውስጠ ሃይማኖታውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ምብሳር” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበርን ብሓባር ንምብዓል “ዘተን ኣዋጅን ድሕሪ ሰላሳ ዓመት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 19 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ምክያዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቲ ውስጠ-ሃይማኖታዊ ርክብ ኣብዚ እዋን እዚ

ነቲ  ብመረብታዊ  ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቲ ሰላምታ ዝኸፈቱ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮምቦናዊ ብጹዕ  ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ መደረ ብጽዕነቶም ኣስዒቦም ናይቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ፊትዝገራልድ መደረ ከምዘስምዑን፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣማኸርትን ብዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሊቃውንትን መምሃራን መናብርተ ጥበብን፥ ትግባሬኡ ኣብ ዝተፈላለየ መልክዓ ምድራዊ ማዕቅፍን “ናይ ዘተ ቲዮሎጊያ ህልዊ ዅኔታዊ” ኪደቱ ዝትንትን መደረ ከምዘስምዑ ይሕብር።

ሰነድ፥ ናይ ዘተ መሰረተ ቲዮሎግያዊ   

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበርን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብቲ ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያን ሕድሪ ንዝበላ ብስራተ ወንጌል እሙናት ኣብ ምዃን ከይቦኸሩ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ምኽባር ክዓብዩ ንምድጋፉን መወከሲ ዝኾኖም እቲ ኣብቲ “ዘተን ኣዋጅን፥ ኣስተንትኖን ምስረቓን ዛዕባ ሃይማኖታዊ ምይይጥን ኣዋጅ ወንጌልን” ዘርእስቱ ሰነድ ዘቕርቦ መሰረተ ሓሳብ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብፍሉይ ከምእተመልከተ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሰነድ ብኽልተ ደረጃ ዝምዕብል ኮይኑ እቲ ቐዳማይ ዘተ ብመሰረት ኣዋጅ ወንጌል ዝብል ኮይኑ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ነቲ ቤተ ክርስቲያን እትፍጽሞ ወንጌላውነት ዘይዓግትን ዘይንጽልን ምዃኑን ዘተን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዝገራጭው ከምዘይኮነ ዘብርህ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ እውን ክንየው ነቢብ ወይ ከኣ ህልዩ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ባህሊ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ተመክሮ ምግባር ዝትንትን ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብጥልቂ ከምእተተንተነ ኣፍሊጡ።

21 May 2021, 15:58