ፓሮሊን፥ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ሕጹጽ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይሓትት ፓሮሊን፥ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ሕጹጽ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይሓትት 

ፓሮሊን፥ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ሕጹጽ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይሓትት

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሕቶ መልሲ ክረክብ ቅድስቲ መንበር መንጐይና ሽማግለ ክትከውን ትኽእል ዶ? ዝብል ካብ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብገለ ገለ ወገን እዚ ዝሓተክምዎ ሽምግልና ኣየድልን ዝብል ዘሎ ይመስለኒ፡ ነዚ ሽምግልና እዚ እውን ብግብረኣዊ መንጽር ክትርእዮ እንኮለኻ ዝፈቅድ ኵነት ዘሎ ኣይመስለንን ቅድም ቀዳድም ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ክልተ ጉረባብቲ መንግስታት ናብ ዝብል ስምምዕ ከብጽሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ዘለዎም ሻቕሎት፥ “እቲ ግጭት ሞትን ዕንወትን እዩ ዘምጽእ” ቢሎም፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገታት ኣደ መበር እርሱላ ቮን ደር ለየን እቲ ግጭት ደው ንምባል ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ክሓብራ እውን እዕድመን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ንር.ሊ.ጳ.ን ቅድስቲ መንበር ምኽንያት ምኽንያት ዓቢ ሻቃሎት” ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 18 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣልያ ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ፥ ብዛዕባ እቶም ዕለት 9 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብሎሶቫቶረ ሮማኖ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለትዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኖም ናይ ዘገልገሉ ነፍሰ ሄር ጋዜጠይና ማሪዮ ኣኘስ ታሪኽ ሕይወትን ተክለ ሰብነትን ዝትርኽ ብጋዜጠይና ኢኛዚዮ ኢንግራኦ ዝተደርሰ መጽሓፍ ንንባብ ንምባቃዕ ኣብ ዝተኻየደ መራቒ ዓውደ ጉባኤ ሕድጋት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ሓቢሮም፡ “ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ቶኽሲ ደው ኣብ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ እውን ይሃሉ፡ እቲ ሁከት ዝተመልአ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ፡ እቲ ዘድሊ ህጹጽ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ እዩ፡ ህጹጽ ስምምዕ ኣጋዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ግጭት ደው ንምባል ዝከኣል ዘበለ ኵሉ ምግባር

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም “እዚ ግጭት እዚ ዕንወትን ሞትን እዩ ዘምጽእ” ቢሎም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣቃልቦ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናብቲ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ተባሪዑ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ናብቶም ዝሞቱ ዘለዉ ሕጻናት ከብል ጻውዒት” ከምዘቕረቡን፥ “ሻቕሎትና እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሻቕሎት እዩ፡ ህርኩት ጻዕርታትና እቲ ግጭት ደው ንምባል ዝከኣለና ዅሉ ምግባር ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቲ መፍትሒ ክልተ ሃገራት ዝብል እዩ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሕቶ መልሲ ክረክብ ቅድስቲ መንበር መንጐይና ሽማግለ ክትከውን ትኽእል ዶ? ዝብል ካብ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብገለ ገለ ወገን እዚ ዝሓተክምዎ ሽምግልና ኣየድልን ዝብል ዘሎ ይመስለኒ፡ ነዚ ሽምግልና እዚ እውን ብግብረኣዊ መንጽር ክትርእዮ እንኮለኻ ዝፈቅድ ኵነት ዘሎ ኣይመስለንን ቅድም ቀዳድም ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ክልተ ጉረባብቲ መንግስታት ናብ ዝብል ስምምዕ ከብጽሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር የድሊ” እንክብሉ ከምዝመለሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ምስ ኡርሱላ ቮን ደር ላየን

ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 22 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድረገታት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ክራኸባን ኣስዒበን እውን ምስኦም ምስ ብጹዕነቶም ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክራኸባ እየን ኣብቲ ዝካየድ ርክብ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክህልው ምዃኑ እውን ገሊጾም፥ “ብዛዕባ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዝምልከት ሕቶ ምስአን ክመያየጥ እየ፡ ነዚ ቅልውላው እዚ ደው ንምባል ኵለን ሓይልታት ክሓብራ ኣለወን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 May 2021, 11:25