34 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቃለ ማሕላ ፈጺሞም 34 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቃለ ማሕላ ፈጺሞም 

34 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቃለ ማሕላ ፈጺሞም

ኣብ 1527 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ሻብዓይ ኣብ ምክልኻል ሰማዕት ዝዀኑ 147 ናይ ስዊዘርላንድ ጳጳሳዊ ሓላዊ ጸጥታ ኣባላት ኣብ ዝዝከሩሉ ዕለት 6 ግንቦት

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅዱስ ዳማሶ ናይቲ ካብ 1506 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ሓለዋ ጸጥታ ዘካይድ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓደስት 34 ኣባላቱ ዕለት 6 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ቃለ ማሕላ ከምዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 1527 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ሻብዓይ ኣብ ምክልኻል ሰማዕት ዝዀኑ 147 ናይ ስዊዘርላንድ ጳጳሳዊ ሓላዊ ጸጥታ ኣባላት ኣብ ዝዝከሩሉ ዕለት 6 ግንቦት፡ ከምቲ ወትሩ ዝፍጸም ሓደስቲ ኣባላት ብጠቕላላ 34 ሓደስቲ ኣባላት ቃለ ማሕላ ከምዝፈጸሙን ቅድሚ ስነ ስርዓት ቃለ ማሕላ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣባላት ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ዝዊዘርላንድን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

34 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቃለ ማሕላ ፈጺሞም

ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመሰረት ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ብዘይ ዕዱም ህዝብን ዝተኻየደ ስነ ስርዓት እውን ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐጳ ፓራ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ ማሕላ ከምእተረኽቡን ናይቶም 34 ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ  ኣባይቲ ስድራን ናይ ኮንፈደርላዊት ስዊዘርላንድ ሃይሊ ምክልኻልን ልኡካንን ናይ ስዊዘርላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ማሕበርን ወከልትን ናይ ኮንፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ጉይ ፓርመሊን እውን ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

34 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቃለ ማሕላ ፈጺሞም
08 May 2021, 09:16