ክርስቲያንን ቡድሃውያንን ሕቡራት ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰብ ክርስቲያንን ቡድሃውያንን ሕቡራት ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰብ 

ክርስቲያንን ቡድሃውያንን ሕቡራት ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰብ

“ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታትና ዘሎ ሓድነት ክንረኽቦን ኣብ ግብር ኸነውዕሎን ጽዋዒት ይቐርበልና ኣሎ”። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቶም፥ ኵሉ ተራኻብን ተማራዃስን እዩ እዚ ኸኣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ቅልውላው ጥዕና ኣጽኒዑ የዘኻኽረና ከምዝበልዎ

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምኽንያት በዓለ ቨሳክ ናብ ቤተ ቡድሃውያን ናይ ሰናይን ርሑስ በዓል መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ፥ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዘለሉ እዋን “ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘሎ ሓድነትን ሓባራውነትን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ንጽዋዕ” ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማናኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶትን ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኮዲቱዋኩ ኢንዱኒልን ክታም ዝነብሮ ናብ ቤት ቡድሃ ዝተመሓላለፈ  ናይ 2021 ዓ.ም. በዓለ ቨሳክህ (ውልደትን ምንቃሕን ናብ ቡድሃውነት ምስግጋርን ዝብል) ምኽንያት ናይ ሰናይ ምንትዮ መግለጺ መልእኽቲ “ክርስቲያንን ቡድሃውያንን፥ ናይ ምክንኻንን ሓልዮትን ሓባራውነትን ባህሊ የደንፍዑ” ዝብል ኣርእስቲ ዝተነብሮ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰብ ንኽንተሓባበር ጽዉዓት

እቲ “ውልደትን ልቦናውነትን ምስግጋር ናይ ቡድሃውነትን” ዝብል ናይ ቡድሃ ሃይማኖት በዓል ንመላእ ነቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ ሓጐስን ህድኣትን ተስፋን ዘውህብ ክኸውን ንምነይ”` ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎ፥ እዚ እንነብሮ ዘሎና ህጹጽ እዋን’ዚ “ደቅሰብ ነቲ ዓቢይ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ቅልውላው ብሓባር ንኽብድህዎ ናብ ዘኽእሎም ኵላዊ ምትሕብባር ከብሉ” ዝብል ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምቕላሕ ብመሰረት ሓባራዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓትን ወትሩ ተደላዪ ዝኾነ ምትሕብባርን፥ “ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታትና ዘሎ ሓድነት ክንረኽቦን ኣብ ግብር ኸነውዕሎን ጽዋዒት ይቐርበልና ኣሎ”። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቶም፥ ኵሉ ተራኻብን ተማራዃስን እዩ እዚ ኸኣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ቅልውላው ጥዕና ኣጽኒዑ የዘኻኽረና ከምዝበልዎ፥ ኣብ መንጐ ደቅሰንብ ሕይወትን ተፈጥሮን ዘሎ ተራኻብነት ኑባሬኣዊ እዩ፡ እቲ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ርክብ ካብቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነትን ከምኡ እውን ካብ ፍትሕን ኣሙናት ኣብ ቅድሚ ካልኦትን ካብ ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዘይንጸል እዩ” ዝበለ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናብ ቤተ ቡድሃ ኣብ ኣብ ዘመሓላለፉ መልእኽቲ የዘኻኽር።

ቡድሃ ብዛዕባ ሓባራውነት ዝሃቦ ትምህርቲ

እቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መልእኽቱ፥ ናይ ቡድሃ ትምህርቲ ኣብቲ ብራሕማቪሓራ ዝፍለጥ ብዛዕባ ኣርባዕተ ሰማያውያን መንበሪ ወይ ድግነታታትን ውርዝናን ቢሉ ዝንብሮ፥ “ደርት ኣልቦ ዝኾነ ኵለንተናዊ ፍቕሪ ንኽምዕብል ዝድርኽ፥ ሓባራውንትን ንጡፍት ተኸናካንነትን ዘተባብዕ እዩ”፡ ንኣብነት “ሓንቲ ኣደ ንናይ ውሉዳ ህይወት ንምክልኻል ሕይወታ ክሳብ ኣሕሊፋ ምሃብ ድሕር ዘይትብል፡ ብማዕረኡ እውን ንዅሎም ህያዋን ፍጥረታት ፍቕሪ ክህልወካ ዘተባብዕ እዩ” እዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብ ናይ ቡድሃ መንፈሳዊ መጽሓፍ ዝተመልከተ ከምዝኾነን ሓኻይም እውን “ሰናይ ተግባር ንኸሳልጡ ዝተጸውዑ እያቶም፥ ስለዚህ ሕማም/ኣብ ኣካል ዘጋጥም ክፋእ ዝኣልዩ እያቶም፡ ስለዚህ ሰናይ ክገብር ዝጽዋዕ ሰናይ ኣብ ምግባር ደንጓዪ ወይ ብኹር ምስ ዝኸውን ናብ ክፋይ እዩ ዘብል” ኣብ ናይ ሃይማኖት ቡድሃ መንፈሳውነት ዝተጻሕፈ መንፈሳዊ ሓሳብ ኣብ መልእኽቱ ጠቒሱ፥ እቲ ኣብዚ እዋን እነሕልፎ ዘሎና ጽንኵር እዋን ኣቲ እብ መንጐና ማእሰር ዕርክነት ዘተባብዕን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብትን ሃይማኖት ቡድሃን “ንሰብኣውዊ ስድራ ቤት ንምግልጋልን ናይ ዘተ ባህሊ ኣብ ምትብብዕን ኣበርቲዖም ብሓባር ይዓዩ” እንክብል ምስ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእክቲ ይዛዝም።

27 May 2021, 15:50