ብማሪዮ ኣኘዝ ዝምራሕ ዝነበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ፥ ኣብነት ጋዜጠይናነት ንሰላም
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ መስራት ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ጋዜጠይናን ፖለቲከይናን ጃኒ ለታን ኣሳቲፉ ዕለት 18 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ 2018 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኖም ናይ ዘገልገሉ ማሪዮ ኣኘዝ ሕይወት ታሪኽን ተክለ ሰብነትን እተዘንተው ብጋዜጠይና ኢኛዚዮ ኢንግራኦ ዝተደርሰት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መመረቕታ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሎዞርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዝቕጽል ሓምለ ካብ ዝምስረት መበል 160 ዓመት ንምኽባር ምስንዳው ኣብ ዝካየደሉ እዋን ን23 ዓመት ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኖም ዝመርሕዎ ማሪዮ ኣኘዝ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፡ ኣኘዝ ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘገልገሉን ኣገልጋሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መስተውዓሊ ካቶሊክን ፈታው መንፈሳዊ ንግደትን . . . ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ነታ ታሪኽ ኣኘዝ እተዘንትው ብጋዜጠይና ኢንግራዎ ዝተደረሰት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ምረቓ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣዘኻኺሮም፥ “ሎዞርቫቶረ ሮማኖ፥ 35 ዓመት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብብዕሪ ማሪዮ ኣኘዝ” ዘርእስታ መጽሓፍ ብናይ ኢጣሊያ ራይ ናይ እተሰምየ ናይ መንግስቲ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ጨንፈር ራይ ኡኖ ናይ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ጋዜጠይና ኢኛዚዮ ኢንግራኦ ዝደረስዋን ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ “ካብ ብዕሮምን ሰነዳቶምን ተክለ ሰብነቶም ፈልያ እተመላኽት እውን እያ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፓሮሊን፥ ሎሚ ናይ ሰላም ጋዜጠይናነት የድልየና
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ማሪዮ ኣኘዝ . . . “ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይናን ዋና ኣሰናዳእን ንሶም ዝነብርዎን ዝገልጽዎን ዝነበረ ጋዜጠይናነት ኣብዚ እዋን እዚ ለብዒ ኮቪድ 19 ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ “ዝተኾላለፈ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካየደሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣዚዩ ዘድልየና ዓይነት ጋዜጠይናነት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቀዳማይ ውግእ ወሽመጥ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ፍጹም ውግእ ኣይሃሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣኘዝ ኣብ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ዘቕረብዎ ሓተታ - ብጹዕነቶም ዘኪሮም . . . ሓሶት ዝነጽግ ጋዜጠይናነት ብምቅላሕ፥ ናይቲ ውግእ መሰረታውን ሓቀይናን ጠንቂ ብምንዳይ ዘካፈሉን ንዓመጽን ግጭትን ኵሉ ኣማራጺ መፍትሕታት ንምሕባር ቆራጽ ዝኾነ ጋዜጠይናነት ዝመስከሩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ጋዜጠይናነት ንሰላም ዝመስከሩ እዮም፡ “ናይ ቅድስቲ መንበር ጋዜጣ ትሑትን ንጹርን ግን ከኣ ጽን ኢሉ ዝከታተል ኣኽብሮት ዝመልኦ ተባዕን እሙንን መስተውዓልን” ዝብል ጋዜጠይናነት ዝነብር ምዃኑ ዘነጸሩን ዘቃልሑን” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጽልእን ዓምጽን ንምስፋሕን ንምጉህሃርን ዝዝውተ ቃላት ዝነጸጉ
ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፥ “እቲ ዕዮኦም ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ቀጻልን እደ ጥበበይናን ዕጉስን” ከምዝነበረን ነፍሲ ወከፍ ጋዜጣ ኣብ ትእሕቲ “ናህሪ” ሓድሽ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ከይተንበርከኸ የግዳስ መዓልታዊ ህይወት “ኣብቲ ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይግበረሉን ድምጺ ዘይብሉን ዘበለ ዘዘንትውን፡ ዝተረሱዑ ዘዘኻኽርን፡ ዘይንገረሎም ዝነግርን ታሪኽ ኣብ ምንዳይ ዘተኮረ ጋዜጠይናነት ዝነበሩን . . . ቃል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘቃልሑን፥ እቲ ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ዝብል ትምህርቶም ናብ ኵሉ ዝዘርግሑን . . . ጽልእን ዓመጽን ንምስፋሕን ንምጒህሃርን ዝዝውተር ቋንቋ ዝነግጽግ ጋዜጠይናነት ዝመስከሩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሪካርዲ፥ ዘተ ምስ ክውንነት
እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ናመመረቕታ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅን ካቶሊካዊ ምንስቅስቓስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራትን ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ እውን ብወገኖም፥ ናይ ኣኘዝ ናይ ጋዜጠይናነት ሞያ ኣብ ትሕቲ ውይትይላ - ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን ንዝብል ስልጣናዊ ትምህርቶም ናቶም ገይሮም ኣብ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ዘቃልሑን ካብ ክውንነት ባህልን ዘተን ርሒቕካ ሓበሬታ ፈጺሙ ክህሉ ከምዘይኽእል” ዝመስከሩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብዚ ዘመን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓንን ህብረ መርበብ ሓበሬታን ዝቕቡብ ቀረብ ዜናን ናይ ር.ሊ.ጳ. ድምጺ ምዃንን ናይ ቅድስቲ መንበር ትዕዝብትን ምዃን ካብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ብዝረኽቦ ሕይወት እዩ፥ ናይ ቤተ ስልጣናት መግለጺ ብዘይ ምዃን ቤተ ክርስቲያን ካብ ምፍቃር ዝነቐሉን ወትሩ ኣኽባርን ናጻን ጋዜጠይና” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መግንስቲ፥ ሎሶርቫቶረ ሮማን ኵላውነት ጸዋዕታ ዘለዎ ጋዜጣ
ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ፒየትሮ ሰባስቲያኒ እውን ብወገኖም፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ናይ 160 ዓመት ታሪኽ ዘለዎ ካብ ርሑቕ እዋን ዝተበገሰ ሃብታም ብተመክሮ እዩ፥ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝመርሕዎ ዋና ኣሰናዳእቲ ናይ ርሑቕ ዘመን ውርሻ እዮም ዝጸገዉ፡ ዘቕርቦ ሓበሬታ፥ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ኩሉ ዝድህስስ ዘይብጻሕ ዞባ ዓለም ዘዘንትው - ኣገዳስነት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ - ኣብ ወሰን ዓለም ብምዃኑ ብዝሓ እዋን ብእዋናዊ መራኽቢ ብዙሓን ኣቃልቦ ዘይህበሉ ሓበሬታ ዘቕርብ ኵለንተናዊ ጸዋዕታ ዘለዎ ጋዜጣ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።