ቶኽሲ ጠያይትን ፍርሕን ጸሎትን ምሕረትን

ዕለት 17 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ካብታ ኣብ ሕክምና ካብ ዝርከቡላ ዓራት ኮይኖም ጸሎት ኣስተንትኖ ንግስተ ሰማይ ኣቕሪቦምን ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖምን፥ ምእንቲ እቲ ብጥይት ዝወቓዓኒ ሓው እጽልን ብሓቂ ይቕረ እውን ኢለሉ እየ፡ ምስ ክርስቶስን ካህንን መስዋዕትን ሓቢረ ስቓየይ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ዓለምን አቕርብ

ኣርብዓ ዓመት ይገብር ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ፈተነ መቕተልቲ ዝገልጽ ኣንድረስ ፍሮሳርድ ዝሃብዎ ትንታነን እቲ ፈተነ ቕተልትን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምሕረትን ይቕረ ምባልን ዘሎ ሓይሊ የቃልሓሕ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ፈተነ ቕትለት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ዝዝከር ዘሎ ፈተና መቕተልቲ እውን እቲ ዝተፈጸመ ፈተነ ቕትለት ዘዘንትው ትርኢትን ምስልታትን ኵሉ ብዙሕ ዝርብሽን ዘሻቕልን እዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብ ስልሳታት ዓመት ዕድመኦም ኣብ ምሉእ ሓይሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝተተኮሰ ጥያይት ተሃሪሞም ኣብ ኢድ ጸሓፊኦም ምስ ወደቑ እታ ዝነበሩላ ተንቀሳቃሲት ግልጺ ማኪና ብፍጥነት ናብቲ ናብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ቤት ሕክምና በጺሓን ካብኡ ብቑልጡፍ ሮማ ናብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምእተወስዱን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ንር.ሊ.ጳ. ቅርበቶም ብጸሎት ክምስክሩ ድሕሪ ነዊሕ መጥባሕቲ እውን ካብ ሓደጋ ሞት ክተርፉ ይኽእሉ ዝብል ተስፋ ምስ ተሰምዐ ኩሉ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ከምዘቕረበን ሎሚ ዝሓለፈ ታሪኽ ኮይኑ ዝዝከር እውን እንተኾነ፡ ኣብ ሕክምና እንከለዉን ደሓር እውን ክሳብ ዝሓውዩ እታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቕልቀሉላ መስኮት ሓዋርያዊ መንበር ተዓጽያን መልእኽቶም ብራዲዮ ጥራሕ ክፍነው ምርኣይ ብሓቒ ዘይልሙድን ዝትንክፍን ተመክሮ እዩ ነይሩ።

ቶኽሲ ጠያይትን ፍርሕን ጸሎትን ምሕረትን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰናብትን ኣብ ኣስተምሮ ትምህርተ ክርስቶስ መደባት ብፍጹም ቦኺሮም ዘይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ንፈለማ ግዜ ሰንበት ዕለት 17 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ካብታ ኣብ ሕክምና ካብ ዝርከቡላ ዓራት ኮይኖም ጸሎት ኣስተንትኖ ንግስተ ሰማይ ኣቕሪቦምን ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖምን፥ ምእንቲ እቲ ብጥይት ዝወቓዓኒ ሓው እጽልን ብሓቂ ይቕረ እውን ኢለሉ እየ፡ ምስ ክርስቶስን ካህንን መስዋዕትን ሓቢረ ስቓየይ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ዓለምን አቕርብ” ዝብላ ጸሎት ከምዝደገሙ እውን ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታት የዘኻኽሩ።

ቶኽሲ ጠያይትን ፍርሕን ጸሎትን ምሕረትን
ቶኽሲ ጠያይትን ፍርሕን ጸሎትን ምሕረትን

እቲ ክሳብ ሞት ዘስዕብ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ መጥባሕቲ ሕይወት ምስ ዘርኡ ናይ መጀመሪያ ቃሎም ይቕረ-ምሕረት ዝብል እዩ ዝነበረ። እዚ መልእኽቲ እዚ ብቐጥታ ብፍላይ ዕለት 27 ታሕሳስ 1983 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Dives in misericordia – ብምሕረት ሃብታም ዘርእስቱ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ረቢቢያ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ብምኻድ ናብታ እቲ ቶኪሱ ክቐትሎም ዝፈተነ ዘቑሰሎም ዓሊ ኣግካ ናብ ዝርከበላ ቤተ ኣትዮም ሓቝይፎምን ብዘካየድዎ ርክብ ኣቢሎም ናብ ኩሉ ክበጽሕ ከምዝገበሩን እቲ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ዝተበሃሃልዎ ዝነበረ ንሳልሳይ ኣካል ዘይስማዕ እውን እንተነበረ ክተሓቛቛፉን ተቐራሪቦም ኮፍ ቢሎም ክዘራረቡን ዘርኢ ኣልቦ ድምጺ ዝኾነ ናይ ርእየት ምስሊ ዝትንክፍን ልብ ክርስቲያን ዝትንክፍን እቶም ካልኣይ ተኸታሊ ካሮል ዎይትይላ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል ከተማ መክሲኮ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መክሲካውያን ኣቡናት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ንልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ክስዕር ዝኽእል እንኮ ሓይሊ ለውሃት ኣምላኽ ጥራሕ እዩ። እቲ ዘደንጽውን ዝማርኽን ልቢ ዝሰብርን ሰዓርን ብርታዐ ናይቲ ተሪር ሰንሰለት ወይ ውን ትረት ሕግ ዘይኮነ እቲ ናይ ከሃሌ ኵሉ ድኻምነት ዝበሃል ነቕ ዘይብልን ዘይዕገትን ናይቲ ጥዑምን ዘይዕጸፍ መብጽዓ ምሕረቱን ዝኾነ መለኮታዊ ፍቕሪ እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ሓተታ ዛዚሞም።

13 May 2021, 17:22