ድለ

ንዘሎናዮ ዘመን ዘገልግሉ ካህናት ከም መተሓላለፊ ሓይልን ምሕረትን ክዂስኰሱ ኣልዎም!

ጒዳይ ካህናት ንእትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል በንያሚኖ እስተላ ኣብ ህልው ኩነታት ናይቶም ንር.ሊ.ጳ ኣብ ተልእኮ ስብከተወንጌል ዝድግፉ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ላዕለዎት ቤትጽሕፈታትን ቅድስት መንበርን ኩነታት ኲስኰሳ ካህናትን ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ገምጋም።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕነቶም ኣብ ምንጪ ጸዋዕታ ዝኾነ መሠረታዊ ኲስኰሳ ዘርአ ክህነት ብምትኳር ኩሉ ካብኡ ከምዝጅመር ንመጻኢ ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዘገልግሉ ካህናትን ንሕዝበ እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጽፍሒ ከም አቡናትን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኰይኖም ዘገልግሉ ኣብ ዘርአ ክህነት ከምዝፈርዩ ይገልጹ እሞ ዘርአ ክህነት ከም ሓደ ቤተሙከራ ይገልጽዎ። ‘ዘርአ ክህነት ቤተሙከራ እዩ። ኣብኡ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣእምሮኣዊ ኲስኰሳ ጥራይ ኣይኮነን ዝቅበሉ እንታይ ደኣ እታ ናይ ኩሉ መንቀሳቀሲት ዝኾነት ልቦም ብፍሉይ መንገዲ ቅድሚ ዝኣገረ ሰብኣውነት ዝለበሰ ኲስኰሳ ቀጺሉ ክርስትያናዊ ኲስኰሳ ብምግባር ነቲ ጓሳ ነፍሳት ክኸውን ዝተጸውዔ መንእሰይ ይሓንጽ’ ኢሎም። እዚ ጒዕዞ እዚ ኲስኰሳ ክህነት ንብሎ። ኣብ ምሉእ ዓለም ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ፈቀዶ ሰበኻታትን ዓድታትን ዝካየድ ኩስኰሳ ዘርአ ክህነት ኣገዳስነቱን ተኣፋፍነቱን ብምግንዛብ ካብ ማሕበራት ቅድስት መንበር ሓንቲ ዝኾነት ንጉዳይ ካህናት እትከታተል ማሕበር ብደቂቅ ትከታተሎ። ምክትታል ጥራይ ዘይኮነ ሓገዝ ንዘድልዮም እውን ካብ መባእ ቤተክርስትያን ተመቃርሕ። ዋና ጸሓፊ ናይዚ ማሕበር ብፁዕ ካርዲናል በንያሚኖ እስተላ ኣብ 2021 ዓም ብውሑዱ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኤውሮ ከምዝተወፈየ ገሊጾም። እዚ ብመሪሕነት ር.ሊ.ጳ ዝጥርንፍ ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ጐይታ መን እዩ ብጻየይ ኢሉ ዝሓተተ መንእሰይ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምቅራብ ብጻዩ መን ከምዝኾነ ኣስተምህሮ ንሱ እውን ከማኡ ክገብር ዝኣዘዞ ኣብ ኣገልግሎት ጒስነት ነፍሳት ዝወፍሩ ናይ ሎሚ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ናይ ጽባሕ ካህናትን ኣቡናትን ከኣ ኣበነት ሕያዋይ ሳምራዊ ክኽተሉ ከምዝሥራሕ ኣብሪሆ።

ቅድሚ ክልተ ዓለም ዕለት 4 ነሐሰ 2019 ዓም ንዝኽሪ መበል 160 ዓመት ቆሞስ ኣር ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ንምግባር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንመንነት ካህን እትምልከት ጒስነታውን መንፈሳውን ኣገልግሎቱ እተጐልሕ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ዝዝከር ኰይኑ ናይዛ መልእኽቲ ትሕዝቶን መልእኽትን ብፁዕነቶም ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወትሩ ናብ ካህናትን ተልእኾኦምን ምስ ኣድሃቡ እዮም። ኣብ ዘመነ ሥልጣኖም ንካህናት ኣብ ዝተፈላለይ ኣጋጣሚታት ንክህነታዊ ሕይወት ብዝምልከት ኣስተምሂሮም እዮም። እዛ ንዝኽሪ መበል 160 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ዝጸሃፍዋ መልእኽቲ ንኩሎም ካህናት ዝተለገሰት ህያብ ኰይና ቅዱስነቶም ነፍሲወከፍ ካህን ካብታ መጀመርያ ፍቅሪ ዝበልዋ ንፈለማ ምስ ጐይታ ዝተራኸብዋን ጸዋዕታ ክህነት ዝተሰምዖምን ዕለት ክጅምሩ እሞ ነዛ ፈላሚት ርክብ ወትሩ ብምዝካር ፍቅሮም ምስ ጐይታ ከሐድሱ ብምዕዳም ይጅምሩ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ እንክተንብብ ቅዱስነቶም ነቶም ምንም ድምጺ ከይገብሩ ንኩሉ መኒኖም ኣብ ኣገልግሎት ማሕበረክርስትያን ዝተዋፈሩን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ኩነታት ኢዶም ከይሃቡ ሕዝበ እግዚአብሔር ኣገልግሎት ክሳብ ዝረኸበን መሰነይታ ጒስነት ክሳብ ዝረጋገጸሉን ዝኽፈል መስዋዕቲ ኩሉ ንዝኸፍሉ ምሳኦም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ኰይኑ ይስምዓካ።

ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ቅዱስነቶም ንነፍሲወከፍ ካህን መሠረታዊ መንነቱ ንምፍላጥ ዝሕግዝ መለለዩ የወፍዩ። ብዛዕባ ሓደ ፍጽምና ዘርኢ ካህን ኣይኮነን ዝዛረብ እዚ ክርከብ እውን ኣጸጋሚ እዩ እንተኾነ ብዛዕባ እቶም ኣብ ፈቀዶ ኲርናዕ ዓለም እናተቃለሱ ዝርከቡ ምናዳ ገሊኦም ምንም ድምጺ ከየስምዑ ልዑል መሥዋዕትነት ዝኸፍሉ ኣገልገልቲ ጐይታን መጓሲኡ ዝኾነ ሕዝበ እግዚአብሔርን የዘንትው። እዚኦም ካህናት እዚኦም ነዚ ብከመይ ይገብርዎ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ እውን ‘ብስብከተ ወንጌል ብምሥራዕ ምሥጢራትን ብምስክርነት ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ከምዝኾነ ከምዚ ብምግባር ከኣ ኣብ ሕይወት ክህነት ዝበለጸ ገጻት ከምዝጽሕፉ’ ይገልጹ። ርግጽ እዩ ሓጢኣት ኣሎ ወረ ገሊኡ ግዜ ዕንቅፋት ዝመልኦ በደል ውሉደ ክህነት እውን ኣሎ እንተኾነ ቅዱስነቶም ነዚ ጉዳያት እዚ ብዙሕ ግዜ ኣግሂዶም እናተዛረቡ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብዙሓት ካህነት ብቀጻልን ኣብነታዊ ብዝኾነ መንገድን ሕይወቶም ከም ናይ ምሕረት ሥራሕ ዘወፍዩ ከምዘለው ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ይገልጹ።

እዚ እዩ እምበአር እቲ ቅዱስነቶም ብዙሕ ዝዛረቡሉ ምሕረት ንሓደ ካህን ምስቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ክርስቶስ ኣተኣሳሲሩ ካልአ ክርስቶስ ዝገብሮ ከኣ እዚ እዩ። ከምዚ ዝገብር ካህን ወትሩ ሕጉስ ኰይኑ ነዚ ዝኸውን ሓይሊ ከኣ ካብ ጸሎትን ቅዱሳት ምሥጢራትን እናቀድሐ ምስ ኣሕዋቱ ካህናትን ኣቡንን ብምሉእ ውህደት እናተመላለሰ ነቲ ዝተዋህቦ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ብጽንዓትን ብተወፋይነትን ምሉእ ወንን ይውፈ እሞ ነቲ ኣብ ዝሳቀ ሓው ዝረኤ ሥጋ ክርስቶስ ይዝንን የገልግል ብዝበለጸ ከኣ ቅርበቱ ብግብሪ የርኢ።

ነዚኣ ስዒባ እትመጽእ ካልእ መምዘኒ ካህናት ‘ክህነታዊ ትብዓት’ እዩ። እዚ ኣብቲ መሠረታዊ ምኽንያት ሥርዓተ ክህነት ዝብል ሰነድ ማለት ራጽዮ ፉንዳመንታሊስ ኢስቲቱስዮኒስ ሳቸርዶታሊስ ዝብል ተመልኪቱ ከምዘሎ ነፍሲወከፍ ሕጹይ ክህነት ሰብኣዊ ብስለት ብግዲ የድልዮ ዝብል እዩ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣገልግሎት ክህነት ካብ ስቃይን ቃንዛን ከምኡ እውን ዘይምርዳድእ ነጻ ኣይኮነን። እዚ ፈተነ እዚ ግን ቀመም ኰይኑ ነቲ ምስ ክርስቶስ ውህደቱ ብጉዕዞ እምነትን ጸሎትን ተሰንዩ በዚ ጸገማት እዚ ላድዩ ንዘሎ ምረት ኩሉ ጣዕሚ ንክህብ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቆሰለ ልቢ ዝፍውስ ኣእጋር እናሓጸበ ንርስሓት ዓለማውነት ዘጽሪ ጐይታ ይቀውም።  

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንተመኲሮ ቅድስና ቆሞስ ኣር ከም ኣብነት ንነፍሲወከፍ ካህን የቅርቡ እሞ ብቀንዱ መለለዪ ካህን ክኸውን ዘለዎ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ቪያኒ እንመሃሮ ክልተ ምትእስሳር ከምዘሎ ይገልጹ። እቲ ክልተ መሠረታዊ ርክባት ካህን ከኣ ዓሚቚን ጥቡቅን ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እታ ካልኣይቲ ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ምዃነን ይገልጹ። ናይ ኩሉ መጠቃለሊ ወይውን መዛዘሚ ሕይወት ሓደ ካህን እታ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝደረሰታ ጸሎት ተዓብዮ ነፍስዮ ክትከውን ከምዘለዋን ነፍሲ ወከፍ ካህን ከኣ ሕይወቱ በዚ ክመርሕ በዚ ከምዚ ከኣ ናይ ሎሚ ካህናት ካህናት ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ክኾኑ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ይዛዝምዎ እንክብሉ ሕጽር ብዝበለ ብምግላጽ ብሰፊሑ ንኩስኰሳ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ዝምልከት ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ጉዳይ ካህናት ብእትከታተል ማሕበር ዕለት 8 ታሕሳስ 2016 ብራጽዮ ፉንዳመንታሊስ ኢንሲቱቲኦኒስ ሳቸርዶታሊስ ዝተዋህበ መምርሒ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገምጋም የካይዱ ከምዘለውን እዚ ከኣ ነቲ ር.ሊ.ጳ ሓደራ ዝበልዎ ማለት ተሓድሶ እምነትን መጻኢ ጸዋዕታ ክህነትን ክረጋገጸሉ ዝኽእል ቅርዑይ ኲስኰሳ ዝረኸቡ ካህናት ክህልውና እንከለው ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 May 2021, 12:22