ድለ

መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ፥ ጥንታዊ እናስር ዘለዎ ንመጻኢ ዘማዕድው ኣገልግሎት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ፥ ጥንታዊ እናስር ዘለዎ ንመጻኢ ዘማዕድው ኣገልግሎት  ርእሰ ዓንቀጽ

መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ፥ ጥንታዊ እናስር ዘለዎ ንመጻኢ ዘማዕድው ኣገልግሎት

ድሮ ንዘመናት ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዋሕዲ ካህናት ኣብ ዘለሉን ካህናት ኣብ ዘይህልውሉን እዋን ሳላ ኣዴታትን ኣቦታትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ምቕራብ ግዜኦም ዘወፈዩን ሕይወቶም ዝሰውኡን እምነት ህያው ኮይኑ ክቕጽል እዩ ዝረአይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለማዊ ምእመን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ምምሃር ዘቕርቦ ኣገልግሎት ናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ኮይኑ ክቐውም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ጻማ ናይቲ ናይ ፒዮስ መበል 12 ገምርን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲንዶሳትን ብፍላይ ከኣ እቲ ዛዕባ ኣማዞም ኣማእኪሉ ዝመኸረ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘመሓላለፎ ለበዋን ውጽኢት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Antiquum ministerium - ጥንታዊ ኣገልግሎት ተልእኾ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣገልግሎት ተልእኾ ኮይኑ ይቑም ዝብል ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ኣመላኽቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 1944 ዓ.ም. ካልኣይ ውግእ ዓለም ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ፒዮስ መበል 12 ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ኣካል ክርስቶስ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም Mysici corporis - ሚስጢራዊ ኣካል ብዝብል ኣርእስቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምዝለገሱን ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተወኪሶም፡ ኣብ ሓደ ክፍሉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾታትን ደረጃታቱን ስርዓታትን ዝተፈላለየ ጸዋዕታን ከምዘሎ ኮይኑ፡ ዓለማውያን ምእመናን ዘጠቓልል ኣቦታትን ኣዴታትን ኣቦን ኣደን ጥምቀትን ተራ ክርስቲያን ዝኾኑን ኵሎም ብፍላይ እቶም ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለየ ማዕርገ መስርዕ ብምትሕብባር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስፋሕ ዚተሓባበሩ ኣብ ሕብረተሰብ ጨውን መባኹዕትን ኮይኖም ብጽሞና ዘገልግሉ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾምን እናተሓገዙን ብመሰረት መብጽዓታት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝለዓለ ቅድስና ክድይቡ ይኽእሉ።

ር.ሊ.ጳ. ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣገልግሎት ተልእኾ ክቑሙ ቅድም ክብል ንፍቀ ዲያቆንን ነባቤን ንደቀንስትዮ እውን ክወሃብ እውን ዝፈቅድ ውሳኔኦም ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ (ፒዮስ መበል 12) ዘዳለልውዎ መገዲ ዝስዕብ ክኸውን እንክሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ እምነት ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ናይ ምምስካርን ናይ ምምሕልላፍን ዕማም ናይ ኣቦታትን ኣደታትን ሓላፍነት ምዃኑ ዘዘኻኽር እውን እዩ። ድሮ ንዘመናት ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዋሕዲ ካህናት ኣብ ዘለሉን ካህናት ኣብ ዘይህልውሉን እዋን ሳላ ኣዴታትን ኣቦታትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ምቕራብ ግዜኦም ዘወፈዩን ሕይወቶም ዝሰውኡን እምነት ህያው ኮይኑ ክቕጽል እዩ ዝረአይ። ሎሚ ንምእመናን ኣብዚ ግደ እዚ ኣፍልጦን ምሉእ ክብሪ ምሃብ  ህጹጽን ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘወግድ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዓለም ኣገዳሲ እዩ።

እቲ Antiquum ministerium - ጥንታዊ ኣገልግሎት ተልእኾ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍልዩ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ትምህርተ ክርስቶስ ምምሃር ናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ክኸውን ዝብል መምርሒ፡ ካብቲ Ad gentes - ናብ ኣሕዛብ ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተመስረተ እዩ፡ ኣብው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “እቶም ኣብ መንጐ ኣረማውያን ልኡካን ኮይኖም ዘገልግሉ ብመንፈስ ሓዋርያዊ ስምዒት ተለዓዒሎም እምነትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስፋሕ ብዙሕ መስዋእትነት ዝኸፍሉ ፍሉይን መተካእታን ዘይብሉ ኣበርክቶ ዝግበሩ ውዳሴ ዝግብኦም እያቶም፡ ኣብዚ ንብዙሓት ወንጌል ኣብ ምስባኽ ኣገልግሎት ጉስነት ንምቕራብን ንምክፋልን ዋሕዲ ኣብ ዝረኣየሉን እዅል ኣብ ዘይኮነሉን እዋን እቲ ናይ መምህራን ኣስተምህሮ ክርስቶስ ኣገልግሎት ልዕሊ ኹሉ ኣገዳስነት ይህልዎ። ኣብተን ዝስዕባ ዓመታታ እዚ ኣስተውዕሎ እዚ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ እቲ ጳውሎስ ሻድሻይ Egangelii nuntiandi - ብስራተ ወንጌል ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ አረጋግጾ።

 ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ብዛዕባ ቅዋመ ሓደስቲ ኣገልግሎት ተልእኾ ምይይጥ ከምዝገበረን ብመሰረት ካብቲ ሲኖዶስ ዝወጸ ኣረኣእያ ነቲ Ministeria quaedam - ገሊኡ ኣገልግሎታት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ጆቫኒ ባቲስታ ኤንሪኮ ኣንቶኒዮ ማሪያ ሞንቲኒ - ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ዝሕድስ ንዝደንገግዎ ውሳኔ ዘቃልሕ እዩ. እቲ ካብ ጉባኤ ቫቲካንን ሲኖዶሳትን ዝወጸ ኣረኣእያ ኣብtቶም ንጴጥሮስ ዝተክኡን ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሮማ ጳጳስ ዝኾኑን ፍራንቸስኮ ዓለማውያን ምእመናን ኣብዚ ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ናይ መመላእታ ዕዮ ከምዘይኮነን፡ ተካኢ ዘይኮነ ምሉእ ብምሉእን ተፈላጥነትን ዘለዎን ከምኡ እውን ሓላፍነት ምሃብ ከምዘድሊ የመላኽቱ፡ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌን ልእኽቲ ወንጌልን ክትከውን ህላወኦም ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ምቛማ እቲ ብመንፈሳዊ ስሕበት ተደሪኹ ዝዋፈር ሰብ ንዕቤት ህይወቱን ንምስክርነት እምነትን ንማሕብረሰብ ክርስቲያንን ሓቀይና ኣገልግሎት ከምዝፍጽም ይገብሮ። ስለዚ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ምቛም ብወገን ቤተ ክርስቲያን ዓለማውያን ምእመን ንምቕሳስ ዝኣመተ ኣይኮነን፡ እዚ ተወሳኺ ስጉምቲ’ዚ ነቲ ብተደጋጋሚ ብፍራንቸስኮ ዝተኾነነ ቀሲሳውነት ንምውጋእ ዝድግፍን መብዛሕቲኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ማለት እቲ ፒዮስ መበል 12 ኣቦሓጐታትን እኖሓጐታትን ኣዴታትን ኣቦታትን ኣባይቲ ስድራን ኣቦን ኣደን ጥምቀትን ናይ መለኮታዊ መድሕን መንግስቲ ንምስፋህሕ ዝተጸውዑን እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ግደ ኣለዎም” እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ዘአውን ምዃኑ ገሊጾም ቶርኒየሊ ዝቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

13 May 2021, 16:59