ፓሮሊን፥ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ፍቕሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ፓሮሊን፥ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ፍቕሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን 

ፓሮሊን፥ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ፍቕሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን

ድሕሪ በነዲክቶስ መበል 15 ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ ፒዮስ መበል 11 ነቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 15 መደብ ምሉእ ብምሉእ ብምቅላሕን ናቶም ብምግባር እውን ንሕዝቢ ቻይና ቅርበትን ፍቅርን ትቕባለን ንምርግጋጽ እውን መገድታት የናድዩ

“ድልድል ምስ ቻይና - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ፐኪንግ (1919 – 1939 ዓ.ም.)” ብዝብል ኣርእስቲ ኣባ ኣደል ኣፊፍ ናሲር ናይ ዝደረስዋ መጽሓፍ መቕድም እቲ ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ቻይናን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ዝድህስ ሰፊሕ ታሪኽ ሕጽር ኣቢሉ ብጥልቂ ዘብርህ ብፍላይ ግደ ካርዲናል ቸልሶ ኮስታትኒ ዝትንትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝደረስዎ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ዝደረስዎ መቕድም፥ “ቅድም ቀዳድም ንመላእ ሕዝቢ ቻይና ዘሎና ውዕዉዕ ፍቕሪ ክገልጽ እፈቱ” እክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ 1952 ዓ.ም. ኣብቲ ጽንኩር ኣጸጋምን ኣሳዶን መከራን ኣብ ዝረኣየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ቅርበትን ፍቕርን ንመላእ ሕዝቢ ቻይና ዘረጋገጽ Cupimus imprimis ብዝብል እርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘበገሱን ጠቒሶም፥ ብዙሓት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተጸምዱ ኣቡናትን ካህናትን ምእመናን ክስደዱን ዘቕርብዎ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ከቋርጹ ንዝግደዱ ዝነበሩ ኵሎም ፒዮስ መበል 12 ጠቒሶም ናይቲ ስቓይን መከራን ተኻፋሊ ምዃኖምን ልብና ናባኻትኩም የብልን በዛ ሓዋርያዊ ትመልእኽቲ ኣቢለ ከጸናንዓኩም . . . እፈቱ”፥ እዚ ሓሳብ እዚ ብዘይ ምቍራጽ እውን ኣብ ኵሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተቃልሔን ዝንበርን እውን ምዃኑን ምስ ቻይና እቲ ርክብ ንምዕቃብ ኣብ ዝግበሩ ውሳኔታትን ሜላታትን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ከፍርን ሕውነት ኣብ ዘስፍሕን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ዝንጸባርቕ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ፓርሊን ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የብርሁ።

ቅድስቲ መንበር ምስ ቻይና እትራኸበሎም ሓደስት ኣገባባት ወትሩ እተናድን ማዕረ ማዕረ እውን ነቲ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዕማም ከፈጽም ዘኽእል ናይ ተልእኾ መድረኻት ንኽፍጠር ዘለዓዕል እዩ። በነዲክቶስ መበል 15 በታ Maximum illud - ዝለዓለ ብዝብል ኣርእስቲ ንዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ እዩ። እዚ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌላውነት ሶውራ እዩ፡ ናብ መላእ ዓለም ዝብል እውን እንተኾነ ብፍላይ ብልቦም ንቻይና እናሓሰቡ ከምዝኾነን፥ እምነት ካቶሊክ ባዕዳውን ወይ ውን ናይ ወጻኢ ሓይሊ እደ ኣታውነት ማለት ከምዘይኮነ ብዕምቆት ዘረድእ መልእኽቲ እውን ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን የብርሁ።

ድሕሪ በነዲክቶስ መበል 15 ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ ፒዮስ መበል 11 ነቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 15 መደብ ምሉእ ብምሉእ ብምቅላሕን ናቶም ብምግባር እውን ንሕዝቢ ቻይና ቅርበትን ፍቅርን ትቕባለን ንምርግጋጽ እውን መገድታት የናድዩ፡ ኣብ ቻይና ልኡካነ ወንጌል ክህልዉ ዝገብርን፡ በዚ መሰረት እውን ብጹዕ ኣቡነ ቸልሶ ኮስታንቲኒ ኣብ ቻይና ሓዋርያዊ ወኪሎም ገይሮም ብምስያም እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደብ ኣብ ቻይና ክረጋገጽ ገይሮም እዮም። እዞም ደሓር ካርዲናል ዝተሰምዩ ቸልሶ ኮስታንቲኒ . . . ብድጋፍ ር.ሊ.ጳጳሳትን ምስ ዝተፈላለያ ናይ ኵርያ ሮማና ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ጸገማት እውን በዲሆም ኣቲ ክብጻሕ ዝድለ ዝነበረ እቲ ብዓይነቱ ክሳብ ሎሚ እውን ፍሉይ ዝኾነ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዛዕባ ቻይና ዝመኸረ ቀዳማይ ጉባኤ ንኽጽዋዕ ባይታ ፈጢሮም እዮም፡ . . . ቤተ ክርስቲያንን ወንጌልን ዘባህለወ እዩ፣ ብብርቱዕ ድላይ ር.ሊ.ጳ. እውን ቀዳሞት ጳጳሳት ቻይናውያን ኣብ 1962 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርግ ጵጵስና ንኽቕበሉ ዝገበረን ደቀባት  ካህናት ክህልዉ ዘተባበዔን እውን ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዕቦም፥ ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ምስጢር እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ባዕሎም እንክምልሱ፥ ናይቲ ብጹዕ ኣቡነ ኮስታንቲኒ ዕለት 15 ጥሪ 1923 ዓ.ም. ንር.ሊ.ጳ. ወኪሎም፥ “ር.ሊ.ጳ. ከም ኣምላኽ ንመላእ ሃገራት . . . ነታ ዓባይን ክብርትን ዝኾነት ሃገረ ቻይና የፍቅርዋ እዮም . . . ር.ሊ.ጳ. ናይ ክርስቲያ ማሕበረሰብ መንፈሳዊ መራሒ እውን እንተኾኑ ፍቕሮም ግና ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ . . ኣብ ሃይማኖት ዝተሓጽረ ኣይኮነን . . . ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘስምዕዎ ዘረባ ምዃኑ የብርሁ።

ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቻይና ምሉእ ብምሉእ ነዚ ስምዒት እዚ ንምድንፋዕ ዝጸዓረ እዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እውን ቅድስቲ መንበር ምስ ቻይና ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንኸተቐውም ኣተባቢዖም እዮም፡ እዚ ኹሉ ሓሳብ’ዚ ብሰፊሕ ኣብታ ናይ ኮንኮርዲያ ፐርደኖነ ሰበኻ ካህን ናይ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ቸልሶ ኮስታንቲኒ ንኣዋጅ ብጽዕና መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኣባ ኣደል ኣፊፍ ናሲር መጽሓፍ ዝተተንተነ እውም ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ፓርሊን ኣመላኺቶም፥

ብጀካ እዚ እውን ሕጂ ዘሎ ኵነታት ሕጹጽ ኣድላይነት ሓባራዊ ፍልጠትን ሓናጺ ምይይጥን ዘመላኽት እዩ፥ እዚ ኪደት እዚ እውን ንቕድሚት ክስጉም ተስፋ እገብር፡ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ንሕይወት ነታ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ ክርስቲያን ጸገም ዝፈጥረላ ጉዳይ ኩሉ ክእለይ ብዙሕ ይጽዕሩን እዚ ኸኣ ከምቲ ዝገልጽዎ ናይ ሓባር ናይ ዕርቂ መፍንፈስ እዩ፡ እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፡ ነቲ ኣብ ርክባትና ዘሎ ዕንቅፋት ከነወግዶ እንኽእል ብኸመይ እዩ? እቲ ኣብ ቅድመና ዘሎ መገዲ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ንቻይና ዘለዎም ፍቕሪ ዝምንጭው ሰናይ እዩ እቲ መልሱ ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ መቅድም ኣስዒቦም ነታ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ንኣባ ኣደል ኣፊፍ ናስርን ናይታ መጽሓፍ ኣሰናዳኢ ኣባ ክርስቲያን ጋብሬሊን ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይና ዘሎ ዘራኽብ ድልድል ንኸነማዕድው ስለ ዝገበሩና እመስግን እንክብሉ ዝደረስዎ መቕድም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲን ኣፍሊጡ።

18 May 2021, 12:03