ብጹዕ ኣቡነ ሮከ ሓድሽ ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሮከ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር’ዚ ህየንተ እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን ናይ ቶርቶና ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቪቶሪዮ ቪዮላን ዋና ጸሓፊ ከምኡ እውን ብጹዕ ኣቡነ ኣውረሊዮ ግራሲያ ማርሲያስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2021 ዓ.ም. ከምቲ ሕገ ቀኖና ዝእዝዞ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ንቕዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐቢሎም ይኹንታ ከምዝሃቡሉን፡ ብበነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2012 ዓ.ም. ውሳኔ መሰረት ናይዚ ቅዱስ ማሕበር’ዚ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ንዝነበሩ 72 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ እንግልጣር ናይ ሊድስ ልሂቅ ጳጳስ - ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣርቱር ሮከ ዕለት 27 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ህየንተ ቢሎም ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እዞም ሓድሽ ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣብ ስፐይና ከተማ ቫላዶሊድ ኣብ ቅዱስ ኣልባን ተቕዋም ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኮሚላስ ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩን ኣብ 1975 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ካብ 1996 ዓ.ም. ናይ እንግልጣርን ወይልስን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ 2001 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ርእሰ ሰበኻ ወስትሚንስትር ተራዳኢ ጳጳስ ንኽኾኑ ዝተሰምዩን ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳብ 2002 ዓ.ም. ናይ ወስትምንስትር ርእሰ ሰበኻ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ናይ ቁጠባን ናይ ሕጻናት ካቶሊክን ወስትምንስትር ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበርን ካብ ዕለት 16 ሓምለ 2002 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሊድስ ተራዳኢ ጳጳስን ናይ ዓለም ሓቆፍ ቋንቋ እንግዘይና ኣብ ኣጠቓቕማ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉን ዕለት 7 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሊድስ ጳጳስ ኮይኖም ተሰምዮምን ኣብ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክፍሊ ክርስቲያናዊ ሕይወትን ኣምልኾን ናይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበርንናይዚ ቀዋሚ ድርገት’ዚ ኣባልን ኣብ ሮማ ናይ እንግልጣር ጳጳሳዊ ተቕዋምን ኣብ ስፐይን ከተማ ቫላዶሊድን ኣብ ሮማ ተቕዋም ዘበዳን ሓላፊ ኮይኖም ከምዘገልገሉ የመላኽት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ብሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሮከ ዝምራሕ ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ሰበኻ ቶርቶና ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቪቶሪዮ ፍራንቸስኮ ቪዮላ ከምዝሰመይዎምን በዚ ምኽንያት ናይታ ዝመርሕዋ ዝነበሩ ሰበኻ ሊሂቅ ጳጳስ ይኾኑ፡ ኣብዚ ቅዱስ ማሕበር ካብ ዘገልግሉ ላዕለዎት ኣካላት ሓደ ናይ ቶርዶን ስዩም ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣውረሊዮ ግራሲያስ ማርሲያስ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር’ዚ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።