ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ኣእምሮን ሊቅ ኣባ ሃንስ ዞልነር ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ኣእምሮን ሊቅ ኣባ ሃንስ ዞልነር 

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ፥ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝሓልይ ተቕዋም

ሓቢሮም፥ “በዚ ሓድሽ ውሳኔ’ዚ እቲ መንበረ ጥበብ ዘቕርቦ ናይ ትምህርቲ ጨናፍር ክብ የብልን የስፍሕን፡ ብፍላይ ከኣ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን መንሰያትን ንምዕቃብን ንምክልኻልን

እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዝተመስረተ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሓልይ ብኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ዞልነር ዝምራሕ ተቕዋም ብናይ ብስነ ሰብእ ትምህርቲ ጨንፈር ኣብ ናይ ስነ ምክልኻል መጽናዕቲ ብዝለዓለ ደረጃን ሊቕነትን ዘመርቕ ክፍለ ትምህርቲ ዘቕርብ ክኸውን ከምእተወሰነ ናይቲ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ደ ሲልቫ ሓቢሮም፥ እቲ ውሳኔ፥ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና  ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ኣብ ምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ዘደልድል እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ማእከል ስሙ እውን እንተቐየረ እቲ “ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ካብ እከይ ማህሰይቲ ንምዕቃብን ኣብ ሰላምዊ ህዋሁ ንኺነብሩ ንምሕጋዝን ዝግበር ዑቕባ” ዝብል ዝተቀበሎ ተልእኾ ቀጻሊ እዩ፥ እቲ ማእከል ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ዝተመስረተን ብጀርመናዊ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ኣእምሮን ሊቅ ኣባ ሃንስ ዞልነር ዝመርሕን  ናብ ናይ ስነ ሰብእ ተቕዋም ጨርንፈር ተመሓላሊፉን ዝሓለፈ ዕለት 15 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ናይ ስነ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር እቲ ሓድሽ ተቕዋም ዝምርሓሉ ቅዋም ከምዘጽደቖ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዝድልድል ህርኵት ጻዕሪ

እቲ ሓድሽ ብዝለዓለን ብሊቕነትን ከመርቕ ዝኾነ ተቕዋም ናይ ገዛእ ርእሱ ብቑዓት መምሃራንን ስራሕተይናታትን ዘለውዎ ከምዝኸውን ናይ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኑኖ ደ ሲልቫ ጎንሳልቨስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ “በዚ ሓድሽ ውሳኔ’ዚ እቲ መንበረ ጥበብ ዘቕርቦ ናይ ትምህርቲ ጨናፍር ክብ የብልን የስፍሕን፡ ብፍላይ ከኣ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን መንሰያትን ንምዕቃብን ንምክልኻልን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ክብረት ዘተኮረ ድሕንነት ዘለዎ ሃዋሁ ንምድንፋዕ ዝግበር ጻዕሪ ዘደልድል እዩ ቢሎም፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማህሰይትን ምክልኻልን ዘለዓዕል ጉዳያት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መሰረታዊ ምዃኑ ብዅሎም ኣፍልጦ ዚወሃቦ ስልጠናን ምርምርን ዘቕርብን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ  ጨንፈር ትምህርቲ ውስጠ ርክብ ንምስፋሕ ዝኣመተ እዩ ኢሎም።

መንእሰያት ንምዕቃብ ዝወሃብ ቀጻሊ ስልጠና

እቲ ሓድሽ ተቕዋም ካብ ዕለት 1 መስከረም 2021 ዓ.ም. ንጥፈታቱ ብወግዒ ክጅርም ከምዝኾነን እዚ ሓድሽ ተቕዋም’ዚ ኣብ መንጐ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብን ኣብ ጀርመን ናይ ሙዪኒክን ፍሪሲንጋን ሰበኻን ኣብ ኡልም ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን ናይ ስነ ኣእምሮ ጨንፈር መጽናዕቲ ብምትሕብባር ዝቖመ ኮይኑ እዚ እውን ናብ ፈውስን ሕዳሴን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ከምዝቖመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሳላ ኣባ ዞልነርን ተሓበብርቶምን . . .

ናይ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ሲልቫ ኣብቲ ማእከል ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ብሓላፍነትን ብተሓባባርነትን ንዘገልገሉን ደሓር እውን ንገዛእ ርእሱ ዝቖመ ጨንፈር መጽናዕትን ትምህርትን ንኽኸውን ናብ ምቕያሩ ኣብ ዝተኻየደ ዕዮ ብዙሕ ንዝጸዓሩን ንኣባ ዞልነርን ተሓባበርቶምን ለገስቲ ኣካላትን ኵሎም ጠቒሶም ነመስግን እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

28 April 2021, 15:46