ናይ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ተልእኾ፥ ንመንእሰያት ቀረባ ምዃን ናይ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ተልእኾ፥ ንመንእሰያት ቀረባ ምዃን 

ናይ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ተልእኾ፥ ንመንእሰያት ቀረባ ምዃን

“ኵሉ መዓልቲ ምሳኻ እየ” ዝብል መርሕ ቓል ብቕዱስ ኣቦና ዝተሓርየ ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 20 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ

ዕለት 25 ሓምለ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ኣረጋውያንን 2021 ዓ.ም. መርሕ ቃል “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻ እየ” ዝብል ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዕለት 20 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዘፍለጠ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ሓምለ 25 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ኣረጋውያንን መርሕ ቃል ካብ ማተዎስ ወንጌል ምዕ. 28 ፍቕዲ 20 ዝተወስደ “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻ እየ” ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ኣረጋውያንን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ክብረ በዓል ወለዲ ማርያም ቅዱስ እያቄምን ቅድስቲ ሃናን ኣበሓጐን ኣደሓጐን ኢየሱስ ተተሓሒዚ ክበዓል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘበሰሩ ካፐሊ የዘኻኽራ።

“ኵሉ መዓልቲ ምሳኻ እየ” ዝብል መርሕ ቓል ብቕዱስ ኣቦና ዝተሓርየ ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 20 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ፥ እዚ እውን ቅርበት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንነፍሲ ወከፍ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ቀረባ ምዃና ንምርግጋጽ ዝኣመተ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ፥ ደቂ ደቃቶምን መንእሰያትን ቀረባ ነቦሓጐታቶምን ኣደሓጐታቶምን ኣረጋውያንን፡ ኣረጋውያንን ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን እውን ብወገኖም ንወለዶ መንእሰይ ኣብ እምነት ንኽዓብዩ ወንጌል ናይ ምብሳርን ምጽላይን ተልእኾ ከምዘለዎን ዘዘኻኽርን ኣብ መንጐ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ንሕድሕዶም ምስ ዝደጋገፉ ቅርበትን ተስፋን ይምስክሩ ከምዝበለ ዝገለጻ ካፐሊ ኣስዒበን፥

እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ኣብቲ www.amorislaetitia.va, ኣብ ዝብል ወግዓዊ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ዕለት 25 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ኣርጋውያንን ኣብ ዞባዊትን ኣብ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ንበዓዕላኡ ዝድግፍ ሓበሬታን ሰነዳትን ከቕርብ ምዃኑ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሰን ይሕብራ።

21 April 2021, 16:14