ድለ

ቱርክሶን፥ ኵላዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቱርክሶን፥ ኵላዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና 

ቱርክሶን፥ ኵላዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ካብ ዝኽሰት ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዓለም ኣብ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ውሕስነትን ዘዛበዔን ዘይምዕሩይን ብዙሓት ካብዚ ኣገልግሎት እዚ ዝተነጸሉ ምዃኖም ዘጉለሔ ከምዝኾነን፡ ብኻልእ መዳይ እውን ናይ ኵሉ ጥዕና ውሑስ እንተዘይኮነ ናይ ማንም ሰብ ጥዕና ውሑስ ምግባር ብፍጹም ዘይከኣል ምዃኑ

እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሕድ ሕዳዊ ምርኮሳ ዘነጸረን ምዕሩይ ክንክን ጥዕና ወሳኒ ማዃኑ ብዘየማትእ ኣገባብ ዘረጋገጸን እዩ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ  ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕልሰዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብምኽንያት መበል 71 ዕለት 7 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጥዕና ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ጋግ ከምዘግደዶን እዚ ኵሉ ኵነተ እዚ “መሰል ክንክን ጥዕና ስኑይ ምግባር” ሕጹጽን ኣገዳስን ምዃኑ ከምዘነጸረን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጥዕና መራሒ ቃል፥ ቅኑዕን ጥዑይን ዓለን ምሕናጽ ዝብል ክከውን እንከሎ፥ ዕለት 7 ሚያዝያ 1948 ዓ.ም. ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጥዕና ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከምዝወሰነን ዕላማኡ ድማ ጥዕና ኣብ ዓለምን ሕጹጽን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምዃኑ ብኹሉ ጽፍሕታትን ኣብ ኵለን ሃገራት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃን ክስተውዓል ዝብል ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ ዓለም ዘሎ ኢማዕርነት ከምዘግደዶ

ካብ ዝኽሰት ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዓለም ኣብ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ውሕስነትን ዘዛበዔን ዘይምዕሩይን ብዙሓት ካብዚ ኣገልግሎት እዚ ዝተነጸሉ ምዃኖም ዘጉለሔ ከምዝኾነን፡ ብኻልእ መዳይ እውን ናይ ኵሉ ጥዕና ውሑስ እንተዘይኮነ ናይ ማንም ሰብ ጥዕና ውሑስ ምግባር ብፍጹም ዘይከኣል ምዃኑ ዘመላኸተ እዩ፡ ከምቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጥዕና መራሒ ቃል ቅኑዕን ጥዑይን ዓለን ምሕናጽ ዝብሎ ዘቃልሖ ሓቂ ምዃኑ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዘሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምዑሩይ ተመቓርሖ ጸጋታት ተፈጥሮ

ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጥዕና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምእላይን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰልን ክብረትን ውሑስ ክኸውን ህጹጽን ኣገዳስን ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሓደ ሸነኽ ወይ ኵሉ ወይ ሓደ’ኳ ዝብልን፡ ብኻልእ መዳይ እውን ነዚ ሕማም እዚ ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እቲ ኣብ መንጐ ብስነ ምርምር ንቕድሚት ዝሰጐማን ድሒረን ዝርከባን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ከምዘግደድዶን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መሰል ክንክን ጥዕናን ፍትሕን ክንክን ጥዕና ቁጠባዊ ሃብትን ሓባራውነትን ድጋፍን ብዝብል መትከል መሰረት እሳኒኻ ንኹሉ ብማዕረ ክባጻሕ ብምግባር ስኑይ ይኹን ሓደራ እንክብሉ ብዘቕረብዎ ለበዋ ምውጋድ የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ደረት ትርኢት ኵለንተናዊ ምሉእ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ነቶም ስነ ምግባረ ግብረ ገባውያን ሕቶታት ብዝበለጸ መልሲ ንምሃብ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ  ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ቅድም ቀዳድም ጥዕና ዝብል ኣምር ዳግም ምሕሳቡን እዚ ኸኣ ብምሉእ ኵለተናዊ ደረት ትርኢት ምስተውዓል” ከምዘድሊ ኣብሪሆም . . . ክንክን ጥዕና ደረት ትርኢት ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ቀልባውን ማሕበራውን ባህላውን መንፈሳውን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝምልከት ክኸውንን ህሙማን ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ምእላይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኵለነናኡ ዝጥምትን ብሓጺሩ ኵለንትነት ደረት ትርኢት ዘለዎ ኣገልግሎት ክኸውንን እዚ ኸኣ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣካላት ሓዋርያዊ  ግብረ ኖልዎን ዝምልከት ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ተማራዃሲ ሰብኣውነት

ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ  ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፥ እቲ ካብ ዝኽሰት ዓመት ዝቑጽር ዘሎ ለብዒ፥ “ሰብኣዊ ፍጣረት ሓድሕዳዊ ተማራዃሲ ምዃናውነት ከምዝኾነን ናይ ሓባር ቤትናን ንናይ ሓባር ፍጣረትን ተፈጥሮን ክንክንን ዝተጸውዔ ከምዝኾነን፡ ብናይ ሓባር ረብሓ ድላይ ብዝንበር እውነተይና ሕውነት ውልቃውነትን ኢጐነትን ተሳዓሪ ምዃኑ ኣነጺሩልና እዩ” ብፍላይ ጥዕና ናይ ሓባር ሃብቲ ምዃኑ ኣመላኺቱና እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ካልእን ናይ መላእ ሰብኣውነት ጥዕና ምክንኻን ዘይፈላለይ እዩ፥ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ኣእምሮ ጥዕና

እቲ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ  ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ወግዓዊ  መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻኡ፡ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ናይ ስነ ኣእምሮ ጸቕጥን ስቓይን ዘለዎም ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎምን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ብቕረባ ምስናይን ከምዘድልን ኩሉ ከም ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል ብኣሃዱ ፍቕሪ ዝተፈቕሩ እያቶም ብዝብል መርገጺ ቀረባኦም ምዃን ከምዘድሊ የተሓሳስብ፥ ነቶም ብኮቪድ ዝተጠቕዑ ብዝተፈላለየ ሓላፍነት ቀረባ ንዝኾኑዎም ኵሎም ዘማእከለ ጥልቂ ኣስተንትኖ እውን ከምዘንበረ ዜና ቫቲካን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ የዘኻኽር።

ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና

ብጹዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መንግስታትን ናይ ኤኮኖምን ናይ ክንክን ጥዕና ፖለቲካ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ብሓፈሻዉ ኣብ ክንክን ጥዕና መዳይ ዝዓዩ ዝተመሓየሸ ናይ ስራሕ ኵነት ክፈጥረሎምን ቅኑዕን ግቡእን ሃብቲ ገንዘብ ነገልግሎት ክንክን ጥዕና ምስላዕልን እዚ ኸኣ ብጥንቃቐን ብስነ ምግባር ዝተመርሔ ኮይኑ፡ ናይ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ዕቑር ሓይሊ ዘሰንይን ናይ ውልቅን ናይ ሓባርን ጥዕና ምክንኻን ቅድሚ ኩሉ ኣቐዲምካ ንናይ ምክልኻል ሕንጸት ኣብ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዘተኮረ ክኸውን ከምዘለዎ በሰፊሕ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኵላዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ዝተፈላለያ ናይ ክንክን ጥዕና ትካላት ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዘይረኽባ ንኣብነት እተን ብቤተ ክርስቲያንን ብናይ ሃይማኖት ተቕዋማትን ዝመሓደራ ኣባይቲ ሕክምና ኣብቲ ናይ መንግስቲ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘይበጽሖ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ኣዚዩ ርሑቕን ንኽትበጽሖ እውን ኣብ ዘጸግም ቦታታት ኵሉ ዝርከባ ነቲ ኣብ ድኽነትን ጽንኩር ኩነትን ንዝርከብ ማሕበረሰብ ዘገልግላን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ንዅሉ ውሑስ ንምግባር ኣብ ዘካይድኦ ጻዕሪ ንሕዝብን መንግስትን እውን ዓቢይ ሓገዝ ምዃኑ ግምት ብምሃብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኵላዊ ኣብ ምግባር ኣበርቲዑ ክዓዪ ብጹዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ በዚ መሰረት እውን ቅኑዕን ጥዑይን ዓለም ንምሕናጽ ዝከኣል እዩ፡ ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም ተኻኣሊ እዩ እክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 April 2021, 22:22