ጋላገር፥ ዝተበትከ ናይ ሶሪያ ኤኮኖሚያውን ማብራውን ኣካሊት ዳግም ምሕናጽ ጋላገር፥ ዝተበትከ ናይ ሶሪያ ኤኮኖሚያውን ማብራውን ኣካሊት ዳግም ምሕናጽ 

ጋላገር፥ ዝተበትከ ናይ ሶሪያ ኤኮኖሚያውን ማብራውን ኣካሊት ዳግም ምሕናጽ

እቲ ካብ ዕለት 29 – 30 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ዝተኻየደ ሓምሻይ ዋዕላ ምእንቲ ሶሪያ፥ ንሕዝቢ ሶሪያ ንምሕጋዝን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ሶሪያ ብትውክልቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሕዝቢ እታ ሃገር ንኸቢድ ስቓይ ዘቃልዕ ዘሎን ኩሉ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክርከቦ

እቲ ዝተበትከ ናይ ሶሪያ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ኣካሊት ብዝቐርብ ረድኤት ንግዚኡ ክትዓብሶ ዘይኮነ፡ መጻኢ ብዘማዕደው ኣገባብ ዳግም ምሕናጽ ወሳኒ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዛዕባ ሶሪያ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ብዘመልለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ህጹጽን ኣገዳስን መፍትሒ ዝጠልብ እዩ፥ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተኻየደ ሕድሕዳዊ ግጭት ዝፈጠሮ ዘሰክፍን ገና ዝቕጽል ዘሎ ዘሻቅል ኵነት ከብቅዕ መታን መጻኢ ዝኣመቱ እዋናዊ ጸገም ዝፈትሕ ሓገዝ ወሳኒ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጽሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ናብቲ ካብ ዕለት 20-30 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብዛዕባ ሶሪያ ብመረብታዊ ውሕዘት ካብ ብራሰልስ ናብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ብዘመሓልለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብሕብረት ኤውሮጳን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኣሰናዳእነት ዝተኻየደ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስተዋጽኦ

ሕዝቢ ሶሪያ ሃገሩ ዳግም ክሃንጽን ኣብ መዳኢ እምንቶ ክህልዎን እቲ እንኮን ፍልዩን ፈውሲ ጭቡጥ ናይ ተስፋን ምትሕብባርን ምልክታ እዩ፥ እዚ ነቲ ኣብቲ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ዘሎ ድኻምን ቀቢጸ ተስፋን ፍቱን ፈውሲ እዩ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ሶሪያ ንቕድሚት ክትስጉም ዘይከኣል እዩ፥ ስለዚህ ንሕዝቢ ዘድልዮ ሓገዝ ኩሉ ከመይ ገርካ እዩ ምቕራብ ዝግባእ? እቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ሶሪያ ዘስዓውቦ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ንምብዳህ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ድሌት ብምትኳር ትዓዪ ከምዘላን ክሳብ ሕጂ እውን ልዕሊ 80 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤትን ሕንጸትን ትካላት ኣብ ሶሪያን ኣብ ጉረባብቲ ሃገረ ሶሪያን ምስ ዝርከባ ሓያሎ ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ተቕዋማት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ኣገልግሎት ተቕርብ ኣላ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሕጹጽ ሓገዝ ጥራሕ ዘይኮነ መጻእነት ዘማዕድው ምትሕብባር ወሳኒ እዩ

ኣብ ሶሪያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ሽዱሽተ ሽሕ ሰብ ሙያን ሸሞንተ ሽሕ ወለንተይናታትን የገልግሉ ከምዘለዉን፡ እዚ እውን ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ዘለዉ ካህናትን ደናግልን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ዓመት ብ 4.5 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ብምቕራብ ብጠቕላላ ኣብ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ሶሪያ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 2 ሚሊያርድ ዶላር ኣብ ስራሕ ከምዘውዓለት ብጹዕነቶም ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ሓገዝ እዚ ልክዕ ኣብ ምድረ በዳ ከምዝርከብ መትርብ ማይ ማለት ምስ ሕጹጽ ድሌት ጥራሕ ዝተሓሓዝ ክኸውን የብሉን፥ ንርሑቕ ዝኣመተን ንህልው ኩነታት ሶሪያ ግምት ዝህብ ሰላምን ምዕባለን ዘአንፍት ናይታ ሃገር ዝተበትከ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ኣካሊት ዳግም ዝሓንጽ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ሰላም ዘሰንይ ሕንጸት

ኣብ ሶሪያ ብሓቂ ሰላም ክሕነጽ እንተዳእ ኮይኑ፥ መሰረታውያን መትረባት ምቛም የድሊ፥ ብቐዳምነት ኣባይቲ ሕክምና ኣባይቲ ትምህርትን ትካትላት ሕንጸትን ናይ ቁጠባ መዳያትን ኩሉ ምሕናጽ ወሳኒ እዩ፡ ዳግም ሕንጸት ማሕበራውን ቁጠባውን መዳይ እንተድኣ ዘየለ ሰላም ኣብታ ሃገር ውሕስ ምግባር ዘይሕሰብ እዩ፡ ዝበሉ ብጹዕነቶም፡ ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ “እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም ስቓይ ሓደራ ኣይንረስዕ፥ እንቕርቦ ምትሕብባርናን ድጋፍናን ነታ ሃገር ብተስፋ ተሓዲሳ ዳግም ክትውለድ ዝገብር ይዅን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድጋፍ ንሶሪያ

እቲ ካብ ዕለት 29 – 30 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ዝተኻየደ ሓምሻይ ዋዕላ ምእንቲ ሶሪያ፥ ንሕዝቢ ሶሪያ ንምሕጋዝን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ሶሪያ ብትውክልቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሕዝቢ እታ ሃገር ንኸቢድ ስቓይ ዘቃልዕ ዘሎን ኩሉ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክርከቦ ኣበርቲዑ ክዓይን፡ ነቶም ኣብ ሶሪያ ዝተመዛበሉን ኣብ ጸገም ዝርከቡን ጥራሕ ዘይኮነ ነተን ሶራውያን ስደተይናታት ኣዕቝይበን ዝርከባ ከም ዮርዳኖስን ሊባኖስን ዒራቕን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ነቲ ዘእንገድኦን ኣብ መእለይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝርከብ ሶሪያዊ ብቑዕ ሓገዝ ከቕርባ መታን ምድጋፍን ንኣኣተን እውን ሓገዝ ምቕራብ ዝብልን ምስተን ኣብ ሶሪያ ብንጥፈት ዝንቀሳቐሳ ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራትን ናይ ሓገዝ ማሕበረሰብን ውድባትን ብቐረባ ብምምኻር እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ህልው ኵነታት ንመጻኢ ብዝኣመተ ኣገባብ ብምንብባ ብቑዕ ሓገዝ ምቕራብ ዝብልን እዚ ንምፍጻም ዘኽእል መደብ ብሓባር ምሕንጻጽ ዝብል ዕላማ ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

01 April 2021, 22:10