ኡወለት፥ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዝተወሰነ ኽፋል ቤተ ክርስቲያን ይሓንጽ ኡወለት፥ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዝተወሰነ ኽፋል ቤተ ክርስቲያን ይሓንጽ 

ኡወለት፥ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዝተወሰነ ኽፋል ቤተ ክርስቲያን ይሓንጽ

ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዕላማ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም ዝሓትዎ ሲኖድሳውነት ማእከል ብምግባር፡ ንምንጽጻርን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሲኖዶሳውነት ኪደት ውሑስ ንምግባር ዝብል ምዃኑ፡ እቲ ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ቲዮሎጊያዊ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኡወለት

ዕለት 12 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ዛዕባ  ናይ  ጸዋዕታ ቲዮሎጊያ ኣማእኪሉ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ከምዘዳለወ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መገለጺ ከምዝሓበረን እቲ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ካብቶም ዝምልከቶም ቀንዲ ኣርእስታት ሓደ እውን ኣብ ሲኖዶሳውነት ማዕቅፍ ሕንጸት ካህናትን ዝብል ከምእተገልጸን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ  ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማህበር ህየንተ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ሓደ ማሕበረሰብ ሕይወት ዝህልዎ ኣብ መንጐ ኣባላቱ ሱታፌ ምስ ዝህልው ጥራሕ እዩ፥ እዚ ኸኣ ናይ ቀዳሞት ማሕበረ ክርስቲያን ሓይሊ እውን ኣብኡ እዩ ዝነበረ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ እቲ ናይ ክህነት መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ብዝብል ኣርእስቲ  ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ንክካየድ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ሓደ ካብቲ ዕላማኡ ኣብ መንጐ ካህናት ኮነ ኣብ መንጐ እቶም ብምስጢረ ጥምቀትን ብናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቕርን እተኣሳሰሩ ዓለማውያን ምእመናን ማሕበረሰብ ከምዝህሉ ንምግባር እዩ፡ ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ  ቅዱሳት ማህበራት ህየንታትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናን ከምዝሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዶሳውነት ኪደት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዕላማ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም ዝሓትዎ ሲኖድሳውነት ማእከል ብምግባር፡ ንምንጽጻርን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሲኖዶሳውነት ኪደት ውሑስ ንምግባር ዝብል ምዃኑ፡ እቲ ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ቲዮሎጊያዊ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኡወለት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመላኺቶም፥ “ሲኖዶሳውነት ማለት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ናይ  ኩሉ ምእመናን ንጡፍ ሱታፌ ማለት እዩ” ቢሎም፥ እቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ብሓባር ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ስድራ ቤትን ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ኵሉ መዳያት ኣብ ማሕበራውን ኤቅለሳውን ሕይወት ዝሕነጽ ኮይኑ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ምእመናን ካህናትንን ገዳማውያንን ወንጌል ንዓለም ንምእዋጅ ጥብቂ ምትሕብባር ክህሉ ብምግባር እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ፍቕሪ ክህነት

እቲ ዓውደ ጉባኤ ንኹሉ ዝምልከት እውን እንተኾነ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ መንጐ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ጸዋዕታ ኣገዳስነት ሱታፌ ዝጠልብ ምዃኑ ጥልቂ ትርጉሙ ንኽስትውዓል ዝመርሑን ሓነጽትን ኣቡናት ዝምልከት እዩ፡ ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ኡወለት፡ ኣስዒቦም ኣብዚ ኪደት እዚ ዝመርሕ እቲ ኣብ ልቢ ኵሎም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ዘሎ ፍቕሪ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ብዝተፈላለየ ናይ ፍቕሪ ጸዋዕታ ዝነቓቓሕን ዝድገፍን ንሓድሕዶም ተማላእቲ ብዝኾኑ፥ ብዝተፈላዩ ኣገባባትን ሕብርታትን መንፈሳዊ ጸጋታት ዝግለጽ፡ እቲ ኣብ መላእ ኤቀልሲያዊ ማሕበረሰብ ዝትግበር፡ ንሱ ኸኣ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝነብርዎ ናይ ፍቕሪ ክህነት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕንጸትን ጸዋዕታን

ኣስዒቦም ኣብ ሮማ ናይ ፈረንሳ ጳጳሳዊ ተቕዋም ዘርኣ ክህነት ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ቪንሰንት ሲረት ኣውን ብወገኖም ኣብቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይ ጽባሕ ካህናት ሕንጸት ብፍሉይ ናይ ወሲብ ዓመጽን ቀጥዒ ኣልቦ ክህነታውነት ዝብል ባህሊ ብዓንተውኡ ከይህሉ ንምግባር ኣብ ዝብል ጉዳይ ፍሉይ ኣተኵሮ ዝገብር እዩ እንክብሉ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ መደበይና ናይ ቲዮሎጊያ መምህር ፕሮፈሰር ሚከሊና ተናቸ እውን ብወገነን ብዛዕባ ንጽሕና ኣብ ክህነት ጸዋዕታ ኣማእኪለን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፡ ንጽሕና፥ ጸዋዕታ ኣብ ምንበር ነቢያዊ መስክርነት እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። 

13 April 2021, 22:08