ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ግዜ ጸሎት ሮሞዳን ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ግዜ ጸሎት ሮሞዳን 

መልእኽቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ንጾመ ረመዳን፡ ክርስትያንን ኣስላምን መሰኻኽር ተስፋ እዮም!

ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ቅድስት መንበር ኣብ ምጅማር ጾመ ረመዳን ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ‘ብመለኮታዊ ቡራኬታትን መንፈሳዊ ዕብየትን ሃብታም ዝኾነ ጾመ ረመዳን ንክኾነሎም’ ዝገልጽ ሠናይ ምንዮቶም ዝገልጽ መልእኽቲ ጽሒፉ።

ዜና ቫቲካን!

ንሎምዘመን እውን ንካልኣይ ግዜኡ ጾመ ረመዳን ኣብ ትሕቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ይፍጸም ኣሎ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ናይ ጾምን ጸሎትን ወርሒ እዚ ዝሓለፈ ዕለት 13 ሚያዝያ 2021 ዓም ጀሚሩ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ዕለት 12 2021 ዓም ክፍጸም ትጽቢት ይግበረሉ።

ምስ ኩሎም እምነታት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዘካይድ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቅድስት መንበር ነዚ ምኽንያት ብምግባር ናብቶም ‘ፍቁራት ኣሕዋትን ኣሓትን ተኸተልቲ እምነት ምስልምና’ ቢሉ ዝሰመዮም ሕውነታዊ ሠናይ ምንዮት እትገልጽ መልእኽቲ ከምዝሰደደ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ እቲ ልሙድ ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ሎምዘመን እውን ‘ኣብዚ ሓጺር ዘይበሃል ነዊሕ ስቃይን ምህዋጽን ቃንዛን ዘኸተለ ዘመን ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 ጾመ ረመዳን እንክጅምር ብሓቂ መለኮታዊ ሓገዝ ከምዘድልየናን ነዚ ከኣ ብሕውነታዊ ምድግጋፍ ዝገልጽ ቃላትን ተግባርን ንምፍጻሙ ንዕደም። ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ብተለፎን ወይውን መልእኽቲ ብምጽሓፍ ደገፍን ምጽንናዕን ምልጋስ! ስለሕድሕድ ምጽላይ ከምኡ እውን መግብን መድሓኒትን ንምግዛእ ሓገዝ ምብርካት ሓደ ምኽሪ ምልጋስ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ’ እንክብል እቲ ምስ ጾመ ረመዳን ተታሓሒዙ ዝኸይድ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ብሓቂ ኣብዚ ግዜ ጭንቂ ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ስራሕ ምዃኑ ይገልጽ።

እዚ ምትሕግጋዝ እዚ ናቱ ግደ እኳ እንተለዎ ብቀንዱ ግን ዓለምና ሎሚ ተስፋ ከምዘድልዮ እዛ ተስፋ እዚኣ ከኣ ብጸገማትን ፈተናን ከይተዳሃልካ እኳ ደኣ እዘን ፈተናታትን ጸገማትን እዚአን ዋጋን ዕላማን ከምዘለወን ሽሕ’ኳ ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ምርዳኡ ከቢድ እንተመሰለን መውጽኢ ዘይብሉ ኰይኑ እንተተራእየ ብዓይኒ እምነት ግን ኩልና ብሓባር ኣስልማናን ክርስትያናን ንዘሎን መጻእን ዓለማት ንሕይወት ተስፋ ክንዘርእ መሰኻኽርን ሃነጽትን ተስፋ ክንከውን ምናዳ ኸኣ ነቶም ኣብ ጸገምን ተስፋ ቊርጸትን ንዝርከቡ ተስፋ ክንኮኖም ኣሎና’ እንክብል ብሓባር መለኮታዊ ሓይሊ ተስፋ ክንዕድል ይዕድም።  

ብተስፋ ምጒዓዝ!

ነቲ መልእኽቲ ዝኸተሙ ሓላፊ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ንውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩስ ጒኾ ከምእን እውን ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኢንዱኒል ኮዲቱዋኩ ጃናካራትነ ካንካናማልጀ እንክኾኑ ነዛ ብተስፋ ምጒዓዝ እትብል ዕድመ ዝጻረሩ እውን ከምዘይሰኣኑ ይገልጹ። ካብቶም ብዙሓት ንተስፋ እምነትና ዝጻረሩ ብቀዳምነት ኣብ ፍቅሪ እምነት ምጒዳል ከምኡ እውን ኣብ ሓልዮት እግዚአብሔር እምነት ምጉዳል ተስፋ ቊርጸትን ኣብ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ምትእምማን ምቅሃም ዝገደደ ከኣ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ብምሃብ ከይተበገስካ ሕልናኻ ምዕራብ ካብቲ ብዙሕ ሓደ ክልተ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ነዚ ንምሽናፍ እታ ኣብ ቀረባ ግዝያት ዝወጸት ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኣብ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ተመልኪቱ ንዘሎ ይጠቅሱ፡ ‘ንተስፋ እዕድመኩም! እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብ ሕመረት ሰብኣውነት ዝተመስረተት ኰይና ብዘጓንፈናን እንነብሮ ናብራን ኩነታትን ዘይትትንከፍ ወትሩ ዘይትቅህም እያ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጽምኢ ሃረርታት ንጒድለትካ ንምምላእ ዝስማዕ ሃንቀውታ ከም ዝዓለምካዮን ዝሓለምካዮን ክትነብር ሃረር ምባል ዕብየት ክትረክብ ንልቢ መሊኡ መንፈስካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘልዕል ዘበለ ኩሉ ዘማዕዱ ናብ ሓቂ ናብ ሕያውነት ናብ ጽባቄ ናብ ፍትሕን ፍቅርን ዝወስድ ተስፋ’ እንክብሉ ዝጸሓፍዎ ብምጥቃስ መላኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 April 2021, 12:29