የኔታ ርዊዝ፥ ራዲዮ ቫቲካን መግለጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ወንጌል የኔታ ርዊዝ፥ ራዲዮ ቫቲካን መግለጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ወንጌል 

የኔታ ርዊዝ፥ ራዲዮ ቫቲካን መግለጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ወንጌል

ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ኪደት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፥ እዚ ምዕባለ እዚ ብዙሕ ዕድላት ዘርሃወ እውን እንተኾነ ምስቲ ማርኮኒ ዝመሃዞ ዓይነት ፈነወ ኣጣሚሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ራዲዮ ቫቲካን ከም ቀደም ሎሚ እውን ሓቛፊ ኵሉ ብምዃን

ዕለት 23 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማርኮኒ (መሃዛይ ራዲዮ) ምኽንያት ኣብ ማእከል ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን መደብር ፈነወ ሳንታ ማሪያ ዲ ጋለሪያ ኣብ ዝተኻየደ ብዕሎት ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ርዊዝ፥ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ሄርትዛውያን ማዕበላት ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘዘኻኸሩን፡ በቲ በዓል ምኽንያት እውን ብስም እቲ ዓቢይ መሃዚ ራዲዮ ዝጽዋዕ ናይ ቫቲካን ታሪኽ ፈነወ ቤተ መዝገብ ከምእተመረቐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፍቕሪ በቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ አናተቐያየረን እናማዕበለን ዝኸይድ እደ ጥበብዊ መጋበርያታት ብምጥቓም ዝምስከር እውን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ በቢ እዋኑ እናተመሃዘን እናተመሓየሸን ዝኸይድ ምዕባለ እደ ጥበብ ብምጥቓም ናብ ዓለም ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣብ ምስፋሕ ምስ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ትራኸብ፡ ልክዕ ከም ኣደ ንዅሎም ደቃታ እትሕብሕብ ቤተ ክርስትያን እውን ከምኡ። ንዅሉ ኣብቲ ዘለሉ ስፍራ ተረኺባ ተጸናንዕን ተስፋ ተቕርብን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክሳብ ጫፍ ዓለም

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ሉቾ ኣድሪያን ርዊዝ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቶ ማርኮኒ ድሕሪ እቲ ዝተፈመ ብዕሎት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ራዲዮ ቫቲካን ብሓፈሻኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቤተ ክርስትያን ወንጌላውነት ካብ ዘሳልጡ ማዕቅናት ሓደ እዩ”። ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ  ጀሚራ ኣብ ባህልን ስነ ፍልጠትን ተጠቃሲትን ብዙሓት ዝወክስዋን ናይ ፍልጠት ማእከል እውን ከምዝነበረትን ሎሚ እውን ኣብዚ መዳይ ለውጥን ሕዳሴን ብምምርማር ሰናይ ጐድኑ ብምቅላሕን ብምጥቃምን ናብ ኩሉ ስፍራ ባህሊ ተበጽሕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለውጢ እውን ህልውቲ ምዃና ትምስክር፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ፥ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ወንጌል ስበዅ እንክብል ዝሃቦ ተልእኾ ኣብቲ እትጥቐመሎም መጋበርያታት ልዑል ክብሪ ብምሃብ ነቲ ክርስቶስ ዝሃባ ተልእኾ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ትነብር፥ ነቲ ክርስቶስ ሰላም ምስኻም ይኹን ዝበሎ ቃል ንነፍሲ ወከስ ሰበይትን ሰብኣይን ወለዶን ተበጽሕ” ኢሎም።

ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ ወንጌላዊ ልሳን

ኣካላትና ብዘይ ቃላት ሓሳባቶም ይገልጹ - ዕደ ጥበብ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ልሳን ኣለዎ፥ ማዕበላት ሀርትዝያውያንን ብትሑትን ብዓቢይን ዓቐን ኣቢሉ ባሕርን ውቅያኖስን ኣኽራንትን ሓሊፉ ብቐሊል መገዲ ናብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹብ ቦታ ይሃሉ ይበጽሕ፡ ትእምርቲ ልኡካውነት እዩ፡ ናብ ኩሉ ስፍራ ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ መልእኽቲ የብጽሕ፡ ብኹሉ ተበጻሒ ይገብር፡ እዚ ልኡኻውነት እዩ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ውግእ ናብ ኵሉ ዘበጸሔን ናብ ድኻታትን ዘበለትሉ እዩ፡ ኣልቦ ዕደ ጥበባዊ ትሕቲ ቅርጺ ናብ ዝኾነ ስፍራ ዝበጽሕ ፈነወ እዩ  . . .

የኔታ ሩዊዝ ነቲ ዳግም ተሓዲሱ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ማእከል ፈነወ ሳንታ ማርያ ዲ ጋለሪያ ካብ 1957 ዓ.ም. ቅዋሜኡ ኣትሒዙ ህልውን ሎሚ ብእዋናዊ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ተሰንዩ መልእኽቲ ፍቕሪ ንኸነመሓላልፍን ናብ ኵሉ ንከነብጽሕ የኽእለና ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም . . . ኣብ እዋን ጽንኩር ዘይትጽበዮ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣገልግሎቱ ዘቐጽል ብመንጽር ጽሕጊ ዝተተሓሓዘን ብምዕቡል እደ ጥበብ ዝተሰነየ ክፍሊ ዝሓለፈ ቀዳም ከምእተመረቐን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት እውን ሳታላይት መጓዓዝያ- ተለ ክትከል እውን ከምዝኾነን . . . እቲ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ድምጽን ምስልታትን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽታትን ኩሉ ዘጠቓልል ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተ መዝገበ ከምዘለዎ ገሊጾም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን ናይ ዓለም ከይኮነ ምስ ግዜ ዝኸይድ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልኾ ዘገልግል እዩ ከምዝበሉ  ዜና ቫኣቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይንጽል - ሓቛፊ ኵሉ

ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ኪደት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፥ እዚ ምዕባለ እዚ ብዙሕ ዕድላት ዘርሃወ እውን እንተኾነ ምስቲ ማርኮኒ ዝመሃዞ ዓይነት ፈነወ ኣጣሚሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ራዲዮ ቫቲካን ከም ቀደም ሎሚ እውን ሓቛፊ ኵሉ ብምዃን ኣብታ ኣደ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሓደ’ኳ ዝንጸል ወይ ዝተገለ ከምዘይኮነ ኣደነት ቤተ ክርስቲያን ይምስክር እንክብሉ ዘካየድዎ  ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 April 2021, 22:09