ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ኣሲዚ ክኽትሙ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ኣሲዚ ክኽትሙ 2020 ዓ.ም.  

ዩርኮቪች፥ “ኵላትና ኣሕዋት” ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓድነት የደልድል

ኣብ ካልኣይ ክፋል እቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣማእኪሉ ከምእተመያየጠን ኣብዚ መደብ እዚ ምስ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶትን ናይ ዮርዳኖስ መስፍን ኤል ሓሳን ብን ታላልን ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዮኣን ሳውካን ዓርኪ ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ኣይሁድ እምነት ራባይ ኣብራሃም ስኮርካን

ኣብ ጀነቭ ዕለት 15 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ  ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተፈላለዩ ናይ ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ኣሳቲፉ ብዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ናይ ምብቃዕ ስነ ስርዓት ከምእተፈጸመ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ጀነቭ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ መጻኢ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ እዩ ዝሙርኰስ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕውነትን ብዝሓ - ጐድናውነትን ሰላምን ዝብሉ ነጥብታት እቲ ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ቤት ጽሕፈት ዓዋዲ መልእኽቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምእተመያየጠሉን ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ድርገት ሓላፍን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ጉዳይ ዝሓልይ ውድብ ሓላፍን ከምእተሳተፉን እዚ መደብ እዚ እውን ብዩቱዪብ ማሕበራዊ መትረብ ብእንግሊዘይናን ጣልያንን ፈረንሳን ስፓኒሽን ቋንቋታትን ከምኡ እውን ብ 15 ላህጃ ከም እተመሓላለፈን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ መደረ ዝተኸፍተ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዘተን ማብራዊ ፍትሕን

ኣብ ካልኣይ ክፋል እቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣማእኪሉ ከምእተመያየጠን ኣብዚ መደብ እዚ ምስ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶትን ናይ ዮርዳኖስ መስፍን ኤል ሓሳን ብን ታላልን ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዮኣን ሳውካን ዓርኪ ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ኣይሁድ እምነት ራባይ ኣብራሃም ስኮርካን ሰፊሕ ናይ ሓሳብን ርእዮትን ምልውዋጥ ከምዘካየዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ጥርኑፋት

ኣብ ጀነቭ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ብዛዕባ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣማኣኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኵላትና ከም ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ጥርኑፋትን ንሓድ ሕድና ተማራዀስትን ኢና፡ ብፍላይ ኣብዚ ተላባዒ ሕማም ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዘየማትእ ኣገባብ ምልኩት ኮይኑን ኣብ መንጐ ሃገራት ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣረጋጊጹልናን እዩ፡ ነታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓዋዲት መልእኽቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዓበይቲ ኣካላት ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ትሕዝቶኣ ንምትንታንን ንንባብ ንምብቃዕን ዘድለየሉ ምኽንያት እውን ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝብልዎ ሕውነትን ብዝሓ ጐድናውነትን ሰላምን ዝብሉ ኣምራት ንምቅላሕን ማዕረ ማዕረ እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክቐውም ኣስተንፍሶ ዝኾነ ሕውነት ዝብል ቃል ምዃኑ ንምዝኽኻር እዩ፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ብዝሓ ጐድናውነት ዕሽሽ ምባል ዘስዕቦ ዘሎ ጸገም እንርእዮ ጉዳይ እዩ፥ ብዝሓ ጐድናውነት ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ጐደና ሰላም እዩ፡ ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእን ዘተን ዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘስምሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ቀዳማይ ዓንቀጽ፥ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጻን ኣብ መሰልን ክብረትን ማዕረ ኮይኑ ይፍጠር ንዝብል ሓሳብ እተዘኻኽርን ኣናስሩን እተብርህን እውን እያ ኢሎም።

15 April 2021, 15:39