ድለ

ፓሮሊን፥ ሕውነት ሓባራዊ ሸቶታት ክተቐድም ዘኽእል ባይታ እዩ ፓሮሊን፥ ሕውነት ሓባራዊ ሸቶታት ክተቐድም ዘኽእል ባይታ እዩ 

ፓሮሊን፥ ሕውነት ሓባራዊ ሸቶታት ክተቐድም ዘኽእል ባይታ እዩ

ቅድስቲ መንበር ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክንክን ጥዕና ውሕስነት ዘሰናኽል ስሩዕ ዝኾነ ሜላ ንምግጣም ዘኽእል፡ ኣብቲ ሕውነት ዝብል ናይ ሓባር እምንቶ ዝጸንዔ መርሓ ፍኖት ተቕርብ . . . ኣብ ዝኾነ ይዅን ኪደት፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ኣገልግሎት ኣብ ዝብል መትከል ምትኳር የድሊ፡

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዕለት 15 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ነቲ “ሕውነትን ብዝሓ ጐድናውነትን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ምስ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ድርገት ዛዕባ ዝደተይናታት ዝግደስ ማሕበር ብምትሕብባር ብመረብታዊ ውሕዘት ንኽካየድ ዘዳለዎ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ዝተፈላለዩ ናይ መንግስትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ልኡካን ኣሳቲፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንንባብ ንምብቃዕ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መንጐ መንግስታትን ውልቀ ሰባትን ኣህጉራዊ ኣካላትን ውልቃውነት ብምስናፍ ናብ ሕድ ሕዳዊ ርክብ ንኸብሉ ዝድርኽ እዩ” ስለዚህ ብሓጺሩ ኵሉ ተማራዃሲ ምዃኑ ዘተሓሳስብ ነዚ ጉዳይ እዚ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን መደረ ሕውነትን ብዝሓ ጐድናውነትን ሰላም ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ኮይኑ፥ እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቓል ናይ ሓባር ረብሓ ንምንቕቓሕን ውሑስ ንምግባርን ድልዱልን መሃዛውን ተግባርን ፍካሬን ኣገዳስነቱ ዘመላእኽት እዩ ቢሎም፡ . . . ኣብዚ መዳይ እቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡ ሕውነት ዝብል ኣምር እንከብርሁ፡ በርጐሊዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ፥ ኵላትና ምእንታናን ንሓድ ሕድናን ንጸልይ እዚ ኸኣ ሕውነት ምእንቲ ክህልው” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቶም መርሓ ግብራዊ መምዘኒ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሎም ቅዱስነቶም ኣብዝ እዋን ለብዒ’ዚ ኣብ መንጐ ስሉጥነት ስርዓትን ስርዓት ሕድ ሕዳዊ ምትሕብባርን ዘሎ ፍልልይ ንምስናፍ ናይ መርሓ ግብሪ መምዘኒ እንታይ ክኸውን ከምዘልዎ የመላኽቱ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኵለንተናዊ መዓርፎ ጸጋታት

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር ቀዳምነተ እትህበሎም ጉዳያት ነቲ ናይ ሕውነት መሰረታዊ ስርዓት ንኸንቆልቁል ዝግበር፡ ንኣብነት ውሕስነት መሰል ክንክን ጥዕናን ተመዛበልትን ሰራሕተይናታትን ኣህጉራዊ ናይ ሰብኣውነት ሕግን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእን ዝብሉ ዘርዚሮም፡ ህልው ኵነታት ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣብ መንጐ ሰብኣውነት ዘይብተኽ ተማራዃስነትን ተራኻብነትን ከምዘሎ ዘነጸረን እውን ምዃኑን፡ “መላኣ ሰብኣዊ ፍትረት ኣብ ሓንቲ ናይ ሓባር ጀልባ” ምዃኑ ዘመላኸተ ክነሱ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ዘድሊ ናይ ክትባት መድሃኒት ንምርካብ ንዝግበር ቅድድም ቦታ ዝሓደገ እዩ ዝመስል፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕና ኣብ መንጐ ዝማዕበላን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ጋግ ዘመላኽት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅድስቲ መንበር ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክንክን ጥዕና ውሕስነት ዘሰናኽል ስሩዕ ዝኾነ ሜላ ንምግጣም ዘኽእል፡ ኣብቲ ሕውነት ዝብል ናይ ሓባር እምንቶ ዝጸንዔ መርሓ ፍኖት ተቕርብ . . . ኣብ ዝኾነ ይዅን ኪደት፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ኣገልግሎት ኣብ ዝብል መትከል ምትኳር የድሊ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት መቓርቦ እውን፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብነት ይኾኑና፡ ማሕበራዊ መብጽዓ - ተወፋይነት ብዝብል  ኣመለኻኽታ ኵለንተናዊ መዓርፎ ጸጋታት የዘኻኽሩ . . . 

ዓውሎማዊ ምትሕብባር - ዓውሎማዊ ሓባራውነት፥ ተመዛበልትን ስደተይናታትን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዝበልዎ፡ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ሓድነት ኣገዳሲ እዩ፡ ካብ ዝቐውም ሰብዓ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ላዕለዋይ ድርገት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝግደስ ማሕበር፡ ሎሚ እውን ማእለያ ናይ ዘይብሎም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ስቓይ ኣብ ማሕበራዊ ኣካላቲ ብቐጻሊ ዝርአይ ቍስሊ ምዃኑ ኣብሪሆም፥

ኣድላይነት ሓቛፊ ማሕበራዊ ምይይጥ

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ነዚ ስዒቡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰራሕተይናታት እቶት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣፋፍያን ዜጋታት ዘስዓቦ ቅልውላው ምቁጽጻር የድሊ፡ እዚ መሓቑፎ’ዚ ካብቲ ልሙድ ኣገባብ ንላዕሊ ሰፊሕን ሓቛፍን ማህበራዊ ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኽር ኵነት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምንቕቓሕ

ካልእ ክዕየየሉ ዝግብኦ መዳይ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብረት ምንቕቓሕ ዝብል ምዃኑ ብጹዕነቶም ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቀይሕ መስቀል መስራቲ ሀንርይ ዱናንት ናይ “ኵሎም ኣሕዋት” ስቓይ ኣስተውዒሉ ካበይን ኣበይን ብዘየገድስ ኣብ ዝኾነ ይዅን ኵነትን ኣብቲ ውግእ ኣብ ዝረኣየሉ ናይዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ገዓር ጽን ብምባል ከምዘድሊ ዘመላኸቶ እዩ፡ . . . ምስ እዚ ዕላማ እዚ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ  ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ምግባርን እቲ ንናይ ብዙሓት ስቓይ ምኽንያት ዝኾነ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእን ኣብ ግብሪ ምውዓል የድሊ ምስ በሉ፥ እቲ  ናይ  1949 ዓ.ም.  ናይ ጀነቭ ውዕሊ ብንጹርን ብዕልን ኣድማሳዊ ሕውነት ኣፍልጦ ክረክብ ዝብልን ኣፍልጦ ይህብን ንቕድሚት ክቕጽል ዘነቃቕሕ ምዃኑ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ኣብ ግዜና ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታትን ከምኡ እውን ምስሓብ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ኣካላውን ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስቓይ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሃገራት ዓለም ሓቆፍ፡ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርነትን ብዘይ ግድፈትን ሰጋእ መጋእን ተወሳኺ ምዕባለታት ክህልዎ ተስፋ ትገብር

ቢሎም ኣስዒቦም፥

ኣጽዋር ውግእ ሰላም ኣይውሕስን

ብወተሃደራዊ መሳርዕን ብኣጽዋር ውግእን ካብኡ ሓሊፉ እውን ምውናን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ነቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሃረርታ ሰላምን ሃረርታ ውሕስነትን ደሕንነትን ኣይዓግብን፡ ኣብ ርእሲ እዚውን ግጭታት ወትሩ ንኹሎም ሰባት መከራ ዝፈጥር እዩ፥

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድስቲ መንበር ነተን ኣብ ዓውዲ ምጒዳልን ምርጋፍን ኣጽዋር ውግእ ዘለዋ ሃገራት ብዛዕባ ሰላም ብፍላይ ከኣ ብዛዕና ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ውግእ ነባሪ ስምምዓት ክገብራ ተተባብዕ፡ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ዝገልጽ ሓሳብ ቅኑዕ እንተድኣ ኮይኑ ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢድ ምንስእን ምውናንኑን ንናይ ሕውነትን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ንሓባራዊ ሰላም ህላወን ስነ ምግባር መሰረት ከመይ ገይሩ እዩ ክኸውን ዝኽእል?

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣሕዋት ኮይንካ ንኽስምዓካ ውልቃዊ ሓላፍነት ዘለዎ ግደ

ብጹዕ ካሪናል ፓሮሊን፥ ነቲ ጉዕዞ ንምቕያርን ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበርሰብ ዝግበር መስርሕ ብዝምልከት ግቡእ ስጒምቲ ንምውሳድን ናይ ጻዕርታት ቃል ኪዳናዊ ኣዋጅ እዅል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ነቲ ድሕረ ለብዒ ከጋጥም ንዝኾነ ኵነት መልሲ ንምሃብ ዘኽእል ውጽኢታዊ ውጥናት ምድላው ኣድላዪ ምኾነ ቢሎም፡ ኣስዒቦም - ብሕድሕዳዊ ርክብ ካልኦት ዘድልዮም ነገራት ክስምዓካ  ውልቀ ሰባትን መንግስታትን ኣህጉራዊ ኣካላትን ዘጠቓልል  ተነጽሎን - ደሴታውነትን ንምስጋር ዘብቅዕን ከም ኣሕዋት ኮይንክ ክስምዓካ ዝብል ተወሳኺ ረቛሒ ጠቒሶም፡ እቲ ዝካየድ ፍጻመ (ዓውደ ጉባኤ) ኣብ መገዲ ሕውነት ንዝግበር ጉዕዞ ንቕድሚት ዘሰጒም ክኸውን ዘልዎም ተስፋ ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

16 April 2021, 21:53