መስቀል ክርስቶሳዊ መሠረት ሕውነትና እዩ! ካርዲናል ካንታላመሳ

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ዓርቢ ስቅለት ብዝምልከት ቅዱስነቶም ዝርክበዎም ውሑዳት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝግበርዎ ስግደት መስቀል ስብከት ኣቅሪቦም። ብፁዕነቶም መስቀል መሠረት ሕውነትና ስለዝኾነ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን ከይተረፈ ቈሲሉ ዘሎ ሕውነት ንክፍውሰልና ብቀዳምነት ጓሶት ነፍሳት ጽጹይ መርመራ ሕልና ገሮም ንሕንጸት ሕውነትን ሓድነትን ቤተክርስትያን ንክተግሁ ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ንቡር ኩነታት ሕይወትና ብዙሕ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ዝሰብኽስ ይኹን ዝመክር ዳርጋ ንርእሱ ስለዘግልል ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ግን ናብ ርእስኻ ምልስ ኢልካ ነቲ እትሰብኮ ብቀዳምነት ንገዛእ ርእስኻ ክተስተንትኖን ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ ክትጽዕርን ግዲ ከምዝኾነ ዘመልከቱ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ካርዲናል ካንታ ላመሳ ንሕውነት ብዝርኢ ‘ከምቲ ንሕንጸት ሰላም እንቃለሶ ንህንጸት ሕውነት እውን ምግዳል የድሊ ነዚ ግን ብቀረባ ብኣና ኢና ክንጅምሮ ዘሎና። ንሕና ከም ካቶሊካውያን ናይ ኩሉን ንኩሉን ስለዝኾነ ንኩሉ ዝኸውን ሕውነት ኣብ ውሽጥናን ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ንህነጽ’ ኢሎም።  ንምዃኑ ሕውነትከ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ከኣ ካብ ዝተፈላለየ ነጥብታት ተንቲኖም።

ትርጉም ሕውነት!

መላእ ቤተክርስትያን ሕማማት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘስተንትኑሉ ዕለት ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝሰበኾን ስለኡ ሕይወቱ ዘወፈዮን ፍቅሪ ሕውነት ኣብታ ዝደሓረት ኩልና ኣሕዋት ፍራተሊ ቱቲ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ተመርኲሶም ኣብ ዝገበርዎ ትንተና ‘ኩልና ኣሕዋት እትብል ሰነድ ንሰፊሕ ሰማዒ ማለት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቤተክርስትያን ንዝርከቡ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዝተጻሕፈት እያ። ናብ ሓቀኛን ፍትሓውን ሕውነት ከመይ ቢልካ ከምዝብጻሕ ተመልክት። እዚ ካብ ግላዊ ሕይወት ጀሚርካ ክሳብ ሕዝባዊ መንባብሮ ካብ እምነታዊ ተቊዋማት ክሳብ ፖሎቲካዊ ተቊዋማት ትትንክፍ። ሎሚ ምሥጢረ መስቀል ኣብ እነስተንትነሉ ዕለት ግን እዚ ሕውነት እዚ ክርስቶሳዊ መሠረት ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ዕጸ መስቀል በቲ ዝዓበየ ፍቅሩ ዝተገልጸ ሕውነት ኢና እንምልከት። ሓው ወይ ሓውቲ ክንብል እንከሎ ብወለዲ እንዛመድ እንከስምዕ ካብኡ ሕልፍ ምስ በልካ ሓደ ሕዝቢ ሓደ ዓዲ ሓደ ብሔር የስምዕ። እቲ ትርጉም መጠን ዝበዛሕናሉ ይሰፍሕ ከምኡ እናበለ ከኣ ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ኣጠቃሊሉ ጐረቤት ወይውን ብጻይ ዝብል ትርጉም ይሕዝ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ነዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ዘበሉ ኩሉ ንዓይ ከምዝገበርክምዎ እዩ’ ክብል እንከሎ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ፍቶ ኢሉ ነታ ድሕሪ ፍቅሪ እግዚአብሔር እትመጽእ ካልአይቲ ዓባይ ትእዛዝ ክህብ እንከሎ ነዚ ትርጉም እዚ የመልክት’ ኢሎም። ርግጽ ብዓርቢ ስቅለት እነስተንትኖ ሕውነት ዝተኸፈሎ ዋጋ ንክስቈረና እኳ እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ሕውነት ግን ድሕሪ ትንሣኤ ዝገሃድ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ሕውነት ድሕሪ ትንሣኤ!

እቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ዓቢ ዋጋ ብምሃብ ዝተመሥረተ ሕውነት ድሕሪ ትንሣኤ ትርጉም ሕውነት ዓቢ ምዕባሌ የርኢ። ምሥጢረ ፋሲካ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ሮሜ 8.29 ዝገልጾ ‘ክርስቶስ ኣብ መንጎ ኣሕዋት በዂሪ ይኸውን’። ኩሎም ሓዋርያትን ተኸተልቱን ከኣ ኣሕዋትን ኣሓትን ይኾኑ። እዚ ሕውነት እዚ ዕምቈቱ ጥልቂ እዩ። እቲ ቀቅድሚ ሞቱ ኣዕሩኽተይ ዝብሎም ዝነበረ ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ እዩ ኣሕዋተይ ዝብሎም። ነታ ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ትንሣኤ ዝረኣየቶን ትንሣኤኡ ዘበሰረትን ማርያም መግደላዊት ‘ኪዲ ንኣሕዋተይ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን ንሰማይ እዓርግ ኣሎኹ ኢልኪ ንገርዮም’ ይብላት።

ድሕሪ ትንሣኤኸስ ሓው እትብል ቃል ነቶም ብእምነት ኣሕዋት ዝኾኑ ናይቲ ትቀውም ዝነበረት ማሕበረክርስትያን ኣባላት ዝኾኑ ኩሎም ተመልክት። እዚኦም ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕዋት ይኾኑ። እዚ ግን ነቲ ብሥድራቤት ብሃገር ብዓለት ዝርከብ ሕውነት ኣየጥፍኦን ወይውን ኣይትክኦን እንታይ ደኣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ የብሎ መዓርግ የልብሶ ዘውዲ ይደፍኣሉ። እምነት ክርስትና ነቲ ዘሎ ሕውነት ወሳንን ካልኣይን ባህሪ የልብሶ። ብኣቦና ኣዳምን ኣደና ሔዋንን ብፍጥረት ንዝተዓደለና ሕውነት ክርስቶስ ብዂሪ ሓውና ብምዃኑ ብጸጋ ድሕነቱ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሕውነት ንውንን ማለት እዩ። እዚ ሕውነት እዚ ግን ቤተክርስትያን ካብ ትምስረት ጀሚሩ ብዙሕ ግዜ ብሰንኪ ሓጢኣትና ነቊስሎ። ስለዚ ምፍዋሱ የድሊ።

ኣብ ቤተክርስትያን ንዘሎ ምክፍፋል ምፍዋስ!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ነዚ ቊስሊ ሕውነት ዘኸተለ ብቀንዱ ምምቅቃል ኣብ ካቶሊካውያን ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ዝተኸስተ ምክፍፋል ምዃኑ ምስ ገለጹ እዚ ግን ከምቲ ዝመስለና ብምኽንያት ዶግማን ምሥጢራትን ተልእኮን ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ የብርሁ። ‘ንካቶልካውያን ኣብ ምስሕሓብ ዘእተወ ምምቅቃል ካብቲ ኣብ ሥነሓሳባት ዘተኮረ ፖሎቲካዊ ራእያት ኰይኑ እዚ ከኣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ቅድምያ ንጉዳይ እምነትን ቤተክርስትያን ክንዲ ምሃብ ንኣኡ ስለዝወሃብ እዩ። እዚ ዘሕዝን ግን እዚ ጉዳያት እዚ ከም ሞት ሕጹይ ዓው ኢልካ ዘይትዛረበሎም ዝገደደ ከኣ እናረኣኻን እናሰማዕካን ኣሉ ምባሎም እዩ’ ኢሎም።

ንካቶሊካውያን ይብሉ ብፁዕነቶም፡ ንካቶሊካውያን ህንጸት ሕውነት ከምቲ ንሰላም ክትሃንጽ እትገብሮ እዩ። እዚ ብቀዳምነት ክንዲ ናብ ካልኦት ምውጥዋጥ ናብ ገዛእ ርእስኻ ምልስ ኢልካ ንቤተክርስትያንካ ምፍታሽ የድሊ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ መድሃኒት ኩልኻ ጽጹይ መርመራ ሕልና ጌርካ ምንሳሕ እዩ። ምክፍፋል ዘጓሃሃር ሁከት ምፍጣር ቀንዲ ዕዮ ዲያብሎስ እዩ። ከመይ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ድያብሎ እቲ ክርዳድ ዝዘርእ ጸላኢ እዩ።

ኣብዚ እንትርፎ ኣብነት ኢየሱስ ምኽታል ካልእ የለን። ኣብ ዘመን ኢየሱስ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያን ሄሮዱሳውያን ቀናእያን ዝበሃሉ ኣርባዕተ ጒጅለታት ነሮም። ኢየሱስ ወላ ናይ ሓደ ወገን ኣይነበረን። ምስ ማንም ጒጅለ ክሕወስ ወይውን ኣባል ክኸውን ኣይደልየን። እቶም ቀዳሞት ክርስትያን እውን ኣብ ኣሰሩ ነዚ እዮም ዝገብሩ ዝነበሩ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ነቲ ዝበልዎ ጽጹይ መርመራ ሕልና ክገብሩ ዘለዎም ብቀዳምነት ጓሶት ነፍሳት ምዃኖም ኣነጺሮም ድሕሪ ምግላጽ ከም መጀመሪ መርመራ ሕልና ነፍሲወከፍ ጓሳ ‘ኣነ ንምእመናነይ ናባይዶ እስሕቦም ኣሎኹ ወይስ ናይ ኢየሱስ እመርሖም ኣሎኹ’ ብማለት ርእሰ ፈተሻ ብምግባር ሕልናኦም ይመርምሩ እሞ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ገሮም ይለወጡን ይነስሑን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!] 

03 April 2021, 11:48