በነዲክቶስ መበል 16 መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም በነዲክቶስ መበል 16 መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም 

በነዲክቶስ መበል 16 መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም

ኣዘኻኺሩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ሓዎም የኔታ ኣባ ጊዮርግ ራትዚንገር ኣብ መበል 97 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ከምዝዓረፉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንፈለማ ግዜ ብዘይ ሓዎም ዘብዕልዎ ልደቶም ከምዝኾነን፡ ሓዎም ጊዮርግ ቀቅድሚ ምዕራፎም በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ንኽበጽሕዎም ናብ ጀርመን ከምዝኸዱ

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 16 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ከምዘኽበሩን ካብ ዝተፈላያ ሃገራትን ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጸሖምን ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓንን ብማሕበራዊ መረብት እውን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከምእተነበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 16 ሚያዝያ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ኣትሒዞም ብውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ኣባላት ማሕበር ሱታፌን ሓርነትን ብፍሉይ ዋና ጸሓፊኦም ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጊዮርግ ጋንስዋይን ተሰንዮም ኣብ ዝቕመጥሉ ገዳመ እመ ኣምላክ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ከምኡ እውን ተራ ብዝኾነ ኣገባብ መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ከምዘብዓሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ዞባ ባቫሪያ ኣብ እትርከብ ከተማ ማርክትል ኣም ኢን ዕለት 16 ሚያዝያ 1927 ዓ.ም. ዝተወልዱ ከምዝኾኑን ዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ከምእተሓርዩን ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም. እውን ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ከምዘረከቡን ኣዘኻኺሩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ሓዎም የኔታ ኣባ ጊዮርግ ራትዚንገር ኣብ መበል 97 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ከምዝዓረፉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንፈለማ ግዜ ብዘይ ሓዎም ዘብዕልዎ ልደቶም ከምዝኾነን፡ ሓዎም ጊዮርግ ቀቅድሚ ምዕራፎም በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ንኽበጽሕዎም ናብ ጀርመን ከምዝኸዱ ክዝከር እንከሎ፡ ምስ ዓረፉ እውን ብምኽንያት ዕረፍቲ ሓዎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብብጹዕ ኣቡነ ጋንስዋይን ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ከምእነበ ይሕብር።

ዝሓለፈ ዓመት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋገ መሰረት ብዙሓት ኣጋይሽ ከምዘይበጽሕዎምን ብስልክን ብሰታሪትን እጦማርን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከምዝበጸሖም ብጹዕ ኣቡነ ጋንስዋይን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ንህሙማንን ብፍላይ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እግዚኣብሔር ክፍውሰና ከምዝጽልዩን ኣብ 2019 ዓ.ም. ሰሙነ ሕማማት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ርሑስ በዓለ ፋሲካ ምንዮቶም፡ ኣተሓሒዞም እውን ብዓመተ ልደቶም ምኽንያት ሰናይ ምንዮቶም ንኽገልጽሎም ከምዝበጽሕዎም ጋንስዋይን የዘኻኽሩ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. በዓለ ልደቶም ብሓዎም ጊዮርግ ተሰንዮም ኣብዒሎም ከምዝነበሩን ኣብ ፊት እቲ ዝቕመጥሉ ገዳመ እመ ኣምላክ እውን ናይቲ ዝተወልድሉ ጀርመን ዞባ ባቪየራ ባህሊ መሰረት ንእሽተይ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም ምርኢት ከምዝቐረበሎምን ኣብቲ እዋን እውን ነቶም ነቲ ምርኢት ዘቕረቡ፥ በቲ ዘቕረብክምዎ ምርኢት ኣቢልኩም ናብታ ዝተወለድኵላ ዞባ ብምናብ ክበጽሕ ስለ ዝገበርኩም እመስግን ቢሎም ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነው ጋንስዋይን ኣዘኻኺሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 April 2021, 23:01