“ናይ ፍቕሪ ሓሴት”፥ ዓመት ስድራ ቤት 2021-2022 “ናይ ፍቕሪ ሓሴት”፥ ዓመት ስድራ ቤት 2021-2022 

ዓመት ስድራ ቤት፥ ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ምስናይን ቀረባ ምዃንን

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ መንጐ ስድራ ቤትን ጓሶትን-ካህናት ምትሕብባር ክህሉን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት ዘገልግሉ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብዚ መዳይ ብፍሉይ ዘተኮረ ሕንጸት ክረኽቡን

ዕለት 19 መጋቢት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሱ ዮሴፍን ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዓመት ስድራ ቤት ዝብገሰሉን ተተሓሒዙ እውን ብመረብታዊ ውሕዘት ቤተ ሰብኣዊ ፍቕሪ ብዝብል ኣርእስቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝካየደሉን ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ናይ መላእ ዓለም ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብዝምልከቶ ኣካል ኣቢሉ ዝሳተፍሉ ዓውደ ጉባኤ እውን ድሮ ከምእተዳለወ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት18 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ዕለት19 መጋቢት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋራይዊ ምዕዳን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመት ስድራ ቤት ዝኽፈተሉ ዕለት ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረልን ናይቲ ቤት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤለ ጋምቢኖም ብሓባር ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት እውን ንኽካየድ ከምእተወሰነን እዚ ኹሉ መደብ እዚ ስድራ ቤት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብ ሕብረተሰብን ቀንደይና ተወሳኢ ክኸውን ዘተባብዕ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፋረል፥ ንስድራ ከም ቤት ተግብሮኣዊ ዘይኮነ ከም በዓል ቤት ዝሓስብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ መንጐ ስድራ ቤትን ጓሶትን-ካህናት ምትሕብባር ክህሉን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት ዘገልግሉ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብዚ መዳይ ብፍሉይ ዘተኮረ ሕንጸት ክረኽቡን ስድራ ቤት ከም ተግብሮኣዊ ዘይኮነ ከም በዓል ቤት ናይቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክስትውዓልን ዓመት ስድራ ቤት እውን ክርስቲያን ስድራ ቤት ከም ጥዑም ቃል ብስራት ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ዘብርህ ሓሳብ ዘማእከለ መግለጺ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንስድራ ቤት “ኣብ ቅልውላውን ኣብ ፈተናን ኣብ ምብትታን ሓደጋን ቀረባ ምዃንን ምስናይን

እቲ ዕለት 19 መጋቢት ዝብገስ ዓመት ስድራ ቤት ስድራ ቤት ኣብ ጸገማቱ በይናውነት ከይስምዖን ኣብ ዘጓንፎ ቅልውላውን ፈተና ሓደጋ ምብትታንን ቀረባ ብምዃን ምስናይን ዘተሓሳስብ ምዃን ቡጹዕነቶም ገሊጾም፥ ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ኣባይቲ ስድራ ቀንደይና ተዋሰእቲ ክኾኑ ምግባርን ብዛዕባ ስድራ ቤት ምስ ስድራ ቤት ምጉዓዝን ኣብ መንጐ ጓሶትን ስድራ ቤት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ክብ ምባል እውን ከምዘድሊ ብሰፊሕ ስለምንታይ ኣድላይነቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጋቢኖ፥ ቅልውላው ብምስጢረ ተክሊል ዝተባርከ ሓዳር

 ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ጋብርኤለ ጋምቢኖ እውን ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ - ምልዋጥ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም፥ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምልከት ኤቅለስያዊ ቋንቋን ሰዓትን ኣገባብን ምእዋን የድሊ፥ እዚ ኸኣ ዕለት 19 መጋቢት ንንባብ ካብ ዝበቅዕ ሓምሻይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ዝገበረ ኪደት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣልቦ ምስጢረ ተክሊል ዝቐውም ሓዳር ዝረኣየሉን ቅላውላው ምስጢረ ተክሊል ዝብሰፊሕ ክብ እናበለ ዝኸደሉ ዘሎ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ቅልውላው እዚ ዝብዳህ ምቲ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝብሎ ጽባቔ ምስጢረ ተክሊል ክርስቲያናዊት ስድራን ብምምስካርን ብምንቕቓሕ ክኸውንን ቤተ ክርስቲያን እዚ ጽባቔ’ዚ ዝምስከረላ ስፍራ ክትከውንን እዚ ዝባቔ እዚ ብክርስቲያን ስድራ ቤት እውን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ዝምስከር ክኸውን ከምዘድሊ ገሊጾም፡ ስለዚህ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ትምህርተ ክርስቶስን ብምሉእ ኵለንተናዊ ኣገባብ ኣብ ጽባቔ ምስጢረ ተክሊል ክምስረቕ ኣለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘሰንዩ መደባት

ናይ ፍቕሪ  ሓሴት ሓዋርያዊ  ምዕዳን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፉ ዝተፈላለዩ መደባት፥ ደጋፊ ጽሑፋትን ሕንጸትን ዓውደ ጉባኤታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ መርሓ ግብርታት እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ከምዘዳለወን ብዛዕባ እታ ሓዋርያዊ  ምዕዳን ዝምልከት እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝተፈላለየ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሳተፈሉን ቃል ምስክርነት ዝቐርበሉን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽታት ክቐርብ እዩ። ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምስጢረ ተክሊልን ስነ ሕይወትን ተቕዋም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብመረብታዊ ውሕዘት ዘሰናድዎ ዓውደ ጉባኤታት ክህሉ ከምዝኾነን ብጀካ እቲ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዝተኻየደ ካብ ዕለት 9 ሰነ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2021 ዓ.ም. ናይ መላእ ዓለም ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብዝምልከቶም ኣካል ኣቢሉ ዝሳተፍሉ ብመረብታዊ ውሕዘት ዓውደ ጉባኤ ከምእተሰናደውን ቃል ብጹዕ ካርዲናል ፋረል ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ እውን ሰብ ሓዳር ቫለንቲናን ለዮናርዲ ነፒን እውን ከምእተሳተፉ ኣፍሊጡ።

19 March 2021, 15:23