ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ፍልዩ ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳና ተልእኾኦም ዛዚሞም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ፍልዩ ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳና ተልእኾኦም ዛዚሞም 

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ፍልዩ ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳና ተልእኾኦም ዛዚሞም

እቲ ብፋብሪካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽዋዕ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ዋኒን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሕንጻን ሕድሳት ጉዳያት ዝከታተልን ናይ ሕንጻ ሕድሳትን ሕንጸትን ንዘሳልጣ ንዝተፈላለያ ትካላት ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ብጨረታ ዘሳትፍን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ኵርያ ሮማናን ዘበገስዎ ሕዳሴ መሰረት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ - ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ቅንስል ፍሉይ ሓላፊ ኮይኖም ሕዳሴ ነኸስርጹ ብቕዱስነቶም ተሰምዮን ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ጆርዳና ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ተልእኾኦም ከምዘጠምናቀቑን እቲ ናይቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ናይ ውሽጢ መመሓደሪ ሕጊ ክኸውን ብፍልዩ ድርገት ዝተሓንጸጸ መምርሒ ኣብቲ ቤት ዕይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝፍጸም ኪደት ብናይ ባዚሊካ ቅዲስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ብጹዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ ዝማርሕ ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገር አቫቲካንን ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካን ናይ ስነ ጥብብ ሃብታት ጉዳያት ዝግደስን ናይ ሕንጸት ዕዮታት ጉዳይ ዝከታተልን ዘሳልጥን ብፋብሪካ ቅዱስ ጴጥሮስ - ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ዝጽዋዕ ትካል መመሓደሪ ውሽጣዊ ቅዋም ሕዳሴ ክግብረሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ብዝደንገግዎ ውሳኔ መሰረት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ጆርዳና ፍሉይ ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ ወኪል ንኽዀኑ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ከምዝሰመይዎም ዝዝከር ኮይኑ፡ ዕለት 29 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳስት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ጆርዳና ንትሽዓተ ወርሒ ዘድሊ ኩሉ ኣሳሊጦም ዝተወሃቦም ሓላፍነት ከምዘጠናቐቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ጆርዳና ብዛዕባ ፋብሪክ ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሉ ፍልዩ መጽናዕቲ ገይሮምን ግልጺ ናይ ሓበሬታ ሰነድ ከቕርቡን ዝጠልብ ሓላፍነት ካብ ቅዱስ ቅዱስነቶም ተቐቢሎም እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዋኒን ዝኽተሎ ውሽጣዊ ቅዋም ንምሕዳስ ዘብቅዕ መደብ ክሕንጽጹን መዋቕራቱ ዘሳልጦ ዕዩ ብጥልቂ ብምምርማር ሕዳሴ ክግበረሉን ዘብቕዕ ዕዮ ከሳልጡ ዝብል ፍሉይ ስልጣን ዘለዎም ኮይኖም ብኣኦም ዝምራሕ ምስኦም ሓቢሩ ዝዓዪ  ሽማግለ እውን ከምዝቖመን ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘድሊ ጽገናን ዕርያን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ጽገናን ሕዳሴን ብዘለዎ ሓላፍነት መሰረት ዘሳልጥ ክኸውን እንከሎ፡ ብጹዕ ኣቡነ ጆርዳናን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ድርገት ዝሓንጸጾ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ከምዝጸደቐን እዚ ሓድሽ ናይ ውሽጢ መምርሒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዩ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ንኽኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ.  ዝተወሃቦም ሓላፍነት ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ዝርከቡ ኣብ ኣሲዚ ናይ ቅዱስ ገዳም ዓቃቤ ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ብፋብሪካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽዋዕ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ዋኒን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሕንጻን ሕድሳት ጉዳያት ዝከታተልን ናይ ሕንጻ ሕድሳትን ሕንጸትን ንዘሳልጣ ንዝተፈላለያ ትካላት ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ብጨረታ ዘሳትፍን እቲ ዘድሊ ስራሕ ብሓላፍነት ዘረክብን ዝከታተልን እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕንጸትን ሕድሳትን እውን ሓላፍነቱ ከምዘፍቀደሉ ዝከታተል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ የዘኻኽር።

30 March 2021, 15:09