መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ፥ ከም ኣሕዋት ንኽንፋለጥ ካብ ኣብርሃም ንኽንብገስ

ምእንቲ`ዚ ዋላ`ኳ ምስ ለብዒ ኮቪድ-19ን ከምኡ እውን ብናይ ጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ቀረባ እዋን ብዝረኣዩ ዘለዉ መጥቓዕትታትን ምኽንያት ክህሉ ዝኽእል ስግኣት እውን ግልጺ እንተኾነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝጽበይዎም ዒራቓውያን ከየሕዝኑን ተስፋ ከይቑርጹን ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ዘለዎም ብርቱዕ ድላይ ኣብ ፍጻሜ ንኸብጽሑ ወሲኖምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ እቲ ኣዚዩ ጽንኩርን ኣገዳስን ዝኾነ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ቅርበቶም ከረጋግጹን ነታ ብውግእን ግብረ ሽበራን ዝዓነወት ሃገር ዳግማይ ሕንጸት ድጋፎም ንኽምስክሩን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢዶም ክዝርግሑን ናብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ክነቕሉ ከምዝኾኑን እዚ መገሻ እዚ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕልሚ ዘረጋግጽ እዩ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዒራቓዊ ማሕበርሰብ ክርስቲያን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክብጻሕ ንዕስራ ዓመት ክጽበዮ ዝጸንሔ ጸጋ እዩ፡ ኣብ 1999 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምኽንያት ቅዱስ ዓመት ኣብ ዑር ዘከለዳውያን ሓጺር እውን እንተኾነ ኣብቲ ናይ ድሕነት ትእምርቲ ቦታ ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዝነበሮምን ካብቲ ናይ ኣይሁዳውያንን ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ናይ ሓባር ኣቦ ካብ ዝኾነ ታሪኽ ክብገሱ ድላዮም እውን እንንተበረ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ተወላዲ ፖላንድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ንዝነበረ ስርዓት ሳዳም ሑሴን ከደልድል ዝኽእል እዩ ዝብል ብፍላይ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝቐርብ ዝነበረ ጸቕጢ ንኸየካይድዎ ሓሳብ እውን ይቐርብ ከምዝነበረን ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳብ ጐስዮም ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ድላዮም ምዃኑ እንከፍልጡ፡ ኣብ መወዳእታ ህሞት ብሰንኪ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ዘቕረብዎ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ተቓውሞ ከይፈጽምዎ ከምዝተረፉ ኣንድርያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓታት የዘኻኽሩ።

ዒራቕ ኣብ 1999 ዓ.ም. በቲ ካብ 1980 ክሳብ 1988 ዓ.ም. ምስ ኢራን ብዝተኻየደ ውግእ ምኽንያትን ነዚ ስዒቡ እውን እቲ ጸረ ክዋይት ብዘካየደቶ ናይ ወረራ ውግእን ብቐዳማይ ውግእ ወሽመጥን ምኽንያት ብዝተደንገገ ዓለም ለኻዊ እገዳታት ኣብ መቐራቕሮ ከምዝኣታወትን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዒራቕ ዝነበረ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ከምዝነበረን እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከየካየድዎ ዝተረፈ ሓዋርያዊ መገሻ ዘይሓወየ ቍስሊ ኮይኑ ከምዝተረፈ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተኣወጀ መብረቓዊ ውግእ 2003 ዓ.ም. ብግልጺ ዝቓወም ድምጾም ከምዘስምዑን ይኹን ደኣ እምበር እቲ ውግእ ቀጺሉ ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ገይሩ እዩ። ዕለት 16 መጋቢት 2003 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም፥ “ንኣባላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሃገራት ብፍላይ ነተን ናይቲ ውድብ ናይ ጸጥታን ድሕንንትን ላዕለዎት ቤት ምኽሪ ኣባላት ሃግራት ብመሰረት እቲ ፍሉጥ ዝኾነ ናይቲ ውድብ ናይ ውሳኔ ቅዋም ዘመላኽቶ ሓይሊ ምጥቃም ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ግብሪ ንምውዓ ዘኽእሉ ዕድላት ክሳብ ዘይተጸንቀቐ ሓይሊ ምጥቃም ከይሁሉ” ዝብል ሓሳብ ኣቃሊሖም፥ ኣነ እቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓሊፉ ብሕይወት ናይ ዝተረፈ ወለዶ ኣካል እየ፡ ንዅሎም መንእሰያትን ነቶም ካባይ ዝነኣሱን ደጊመ ፡ ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንፈለማ ግዜ ምብጻሕ ኣካይዶም ውግእ ከይህሉ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣሎና ከምዝበልዎ፡ ውግእ ብፍጹም ኣይፋል ንኽብሎ ሓላፍነት ኣሎኒ” ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽሩ።

እቶም መእሰያት ሰላም ንምሕናጽ ዓቕምን ብቕዓት ዘይብሎም ኮይኖም ውግእ ከውስኑ፥ ዒራቕ ብግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ተሓሚሳን ዕንወት ኣአንጊዳን፡ ማሕበራዊ ኣካሊት ኵሉ ኸኣ ተበታቲዅን፡ ኣብ 2014 ዓ.ም. በቲ ዳዒሽ ሃገረ እስላም እንክብል ገዛእ ርእሱ ብዝሰመየ ተወረት፡ ኣደዳን ዝያዳ ዕንወትን ኣሳዶን ዓመጽን ንዝኸፍአ ሕልቂት ተዳረገት፡ ኣብ መሬታ ዞባውን ምስ ኣህጉራውያንን ሓይልታትን ዓውዲ ውግእ ኮነት፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ምርባሕ ዕጡቓት ሓይልታት እተአንግድ መሬት ኮነት፡ እቲ ዋጋ ዝኸፍል ብዓሌትን ሃይማኖትን ክገማማዕ ዝተገደ ገዛእ ርእሱ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሉ ሰላማዊ ሕዝቢ ኮነ፡ ብዙሕ ሰብኣዊ ሕይወት ጠፍኤ፡ ነቲ ህልው ኩነታት ዒራቕ ርኢኻ እታ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ ክሳብ ክንደይ ጭቡጥን ኣገዳስን ምዃኑ ተስተውዕል፡ “ብፍላይ ውግእ ከለዓዕል ከም ምኽንያት ዝቐርብን እቲ ድሕሪ ውግእ ስዒቡ ዘጋጥም ስግኣት ካብቲ ውግእ ከም መፍትሒ ብምጥቓም ካብ ዝስዕቦ ጸገምን ሓደጋን ኣዚዩ ዝለዓለ ስለ ዝኸውን ውግእ ከም መፍትሒ ገርካ ምሕሳብ ዝከኣል ከምዘይኮነን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሓቂ እዝ  ነቲ ኣብ ካልእ ዘመናት ዝማዕበለ ቅኑዕ ውግእ ብዝብል ርትዓዊ መምዘንታት ፍትሓዊ ውግእ ዝብል ኣመለኻኽታ ሎሚ ቅቡል ቢልካ ምድጋፍ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ኵሉ ውግእ ነቲ ዝተረከቦ ዓለም ካብቲ ዝነበሮ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ገይሩ እዩ ዝሓድጐ፡ ውግእ ናይ ፖለቲካን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ፍሽለት እዩ፡ ዘሕፍርን ኣብ ቅድሚ ናይ ክፍኣት ሓይልታት ኢድካ ምሃብን ምሩኽን ተሰዓርን ምዃንን ማለት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የዘኻኽሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ በሸሓት ኣማኢት ዝቑጸሩ ክርስቲያን ቤቶምን ሃገሮምን ዛሕዚሖ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ክሓተቱ ተገዲዶም እዮም፡ ናይታ ቀዳመይቲ መሬት ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይታ ብሓዋርያት ካብ ዝተሰብካ ከባብታት ሓንቲ ናይ ዝኾነት መሬት ማሕበረ ክርስቲያን ሎሚ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽብጻሕ ከም ዘስተንፍሶ ንጹሕ ኣየር እዩ ሃረር ዝብሎ። በቲ ንዝሳቐይ ቀረባ ምዃንን ሓለፋ ንምባል ብዝብል እንኰ ናይ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ፖለቲካኦም ኣቢሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብህላዌኦም መስርሕ ዕርቅን ዳግማይ ሕንጸትን ሰላምን ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ከካይዱ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዞም ዝገልጽዎ ዝነበረ ድላዮም እዩ።

ምእንቲ`ዚ ዋላ`ኳ ምስ ለብዒ ኮቪድ-19ን ከምኡ እውን ብናይ ጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ቀረባ እዋን ብዝረኣዩ ዘለዉ መጥቓዕትታትን ምኽንያት ክህሉ ዝኽእል ስግኣት እውን ግልጺ እንተኾነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝጽበይዎም ዒራቓውያን ከየሕዝኑን ተስፋ ከይቑርጹን ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ዘለዎም ብርቱዕ ድላይ ኣብ ፍጻሜ ንኸብጽሑ ወሲኖምን እነሆ ብምኽንያ ለብዒ ኮቪድ 19 ንዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቋሪጾምዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ዒራቕ ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ መሬት ኣብርሃም ዑር ምስ ማሕበረ ክርስቲያንን ምስ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብፍላይ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከም ኣሕዋት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣመክንዮ ብሓባር ኣብ ምንዳይ ንኽድግፉ ብሓባር ክጽልዩን በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሎም ክንየው ዓሌትን ቀቢላን ማሕበራዊ ኣካሊት ዳግም ንምሕናጽን ንማእከላይ ምብራቕን ንመላእ ዓለምም መልእኽቲ ከመሓላልፉ እዮም እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቐረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

02 March 2021, 15:24