ዕለት 6 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒርቕ - ሓዋርያዊ መገሻ ርክብ ምስ ናይ ዝግፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዕለት 6 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒርቕ - ሓዋርያዊ መገሻ ርክብ ምስ ናይ ዝግፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምስልምናን፥ ሰለስተ እምነ ማእዝን ኣብ ሓደ ስልጣናዊ ትምህርቲ

ፍራንቸስኮ፥ “ሰብኣዊ ፍጥረት ንእግዚኣብሔር እንተድኣ ኣልዩን ኣስተሊሙን ምድራዊ ነገራት ናብ ምምላኽ እዩ ዝቓላዕ፡ ስለዚህ የዕንትናን ልባትናን ናብ ሰማየ ሰማያት ሓፍ ነብል፡ እውንተናይ ሃይማኖታውነት፡ እግዚኣብሔር ዘምልኽን ሓዉን - ብጻዩን ዘፍቅርን ማለት ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ንእግዚኣብሔር ምምላክኽ ንሓውኻ ምፍቓርን ንፍትሕን ሰላምን ጭቡጥ ጻዕርን ዝጠልብ ኣገዳስነት ቅኑዕ ሃይማኖተይናነት ዝብል ሓሳብ ኣብ ባኩ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ከተማ ደሓውር እውን ኣብ ናይ ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት እውን ኣብ ባቕዳድ ኣብ ከለዳዊ ዑር፡ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘቓልሕው ናይ ሓባር ረቛሕ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብፍላይ ከኣ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነት፥ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣዘርበጃንን ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ታሪኻዊ ኣብ ምስሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ሕጂ ኽ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ከተማ ኣብርሃም ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ሃይማኖታት ግደ ኣብ ሕብረተሰብን ናይ እውነተይና ሃይማኖተይናነት መምዘንን ከም ኣሕዋትን ንሕንጸት ሰላም ብሓባር ብጭቡጥ ምጉዓዝን ዝብሉ ሰለስተ መሰረታውያን ሓሳብ ዘመላኽት ናይ ስልጣናዊ ትምህርቶም መርሃ ጐደና የመላኽቱ። 

እቲ ቀዳማይ ናይ ኣዘርበጃን መደረኦም፥ ብሓፈሻኡ ናብ ሺዓውያን ከምኡ እውን ንዅለን ሃይማኖታት ዘጠቓልልን እቲ ካልኣይ መደረኦም ብቐዳምነት ናብ ምስራውያንን ሱናውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝብልን እቲ ሳልሳይ ኣብታ ኣብላጺ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝኾነላ ሃገረ ዒራቕ ንዝርከባ ናብ ኹለን ዝተፈላለያ ጥንታውያን መሰጶጣሚያ ሃይማኖታት ብንጹር ዝምልከት እዩ። እቲ ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎን ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎን መቓርቦ ፍሉይነትን መንነትን ዘይብልካ ኣካል ኩሉ ምዃን ዝብል ምስ ኩል ኵሉ ዝብል ፍልልያትን መንነትን ዝርስዕ ዘይኮነ፡ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ሃይማኖታዊ መንነት እሙን ብምዃን ኣብዚ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዓለም እግዚኣብሔር ከምዘድልየና ምምስካር ዝብል ሃይማኖት ጽልእን ምግምማዕን ኣሸባርነትን ኣሳዶን ዘጓሃህር መጋበርያ ገርካ ምጥቓም ኣይፋል ንምባል ዝጽውዕ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባኩ ምስ ናይ ካውካዚያን ሃይማኖት ምስልምና ሸኻትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ተራኺቦም፡ ሃይማኖት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ድልያ ናይ ሕይወት ትርጉም ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ንምስናይ ዝብል እቲ ቀንዲ ጻዕሩን ሓላፍነቱን ደረት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብቕዓትን ናይዚ ዓለም ጸጋታት ፍጹም ከምዘይኮነን ንምምልካት ዝድግፍን ኣብዚ ኪደት’ዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሰንይ እዩ እንክቡሉ ዝግለጽዎ ሓሳብ፥ ኣብ ካይሮ ኣብቲ ብናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ኣቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ኣብ ሲናይ ኣብ  ዘነቓቕሕዎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሰላም ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ እውነተያና ቃል ኪዳን ኣብ መንጐ ምድርን ሰማይን እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት እግዚኣብሔር ካብ ደረት ትርኢታቱ ኣልዩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ብምፋታን ስላም ክረክብ መታን ኣብ ጐቡታት ደይቡ ምስ ልዑል ፈጣር ክራኸብ ማለት ዘይሕሰብ ምዃኑ፥ እዚ ኸኣ ሰላም ካብ እግዚኣብሔር ምድላይን እግዚኣብሔር ድላይካ ገርካ ምንበርን ዘይቃደው ምዃኑ ኣብሪሆም እዚ ኣገባብ እዚ እግዚኣብሔር ምውናን ዝብል ፈተና እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሰብኣው ፍጥረት ዝጐድእ እውን ከምዝኾነነ ኣመላኺቶም፡ እዚ ስግንጢር ዝኾነ ዓቢይ ሓደጋ’ዚ ሃይማኖት ናይ ግሊ ጉዳይ ዝብል ሃይማኖት ኣብ ናይ ግሊ ሃዋኍ ዝድርትን ዘለዎ ሰብኣውን ማሕበረሰብኣውን ማዕቅናቱ ኣፍልጦ ብዘይምሃብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መዳያት ብድብላቕ ክፍጠር ዝኽእል ዓቢይ ሓደጋ እንታይን ከመይን ምዃኑ እንርእዮን እንነብሮን ዘሎና ተመክሮ ከምዝኾነ የረድኡ።

ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ፍራንቸስኮ፥ “ሰብኣዊ ፍጥረት ንእግዚኣብሔር እንተድኣ ኣልዩን ኣስተሊሙን ምድራዊ ነገራት ናብ ምምላኽ እዩ ዝቓላዕ፡ ስለዚህ የዕንትናን ልባትናን ናብ ሰማየ ሰማያት ሓፍ ነብል፡ እውንተናይ ሃይማኖታውነት፡ እግዚኣብሔር ዘምልኽን ሓዉን - ብጻዩን ዘፍቅር ማለት ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡን ኣብ ካይሮ ቅዱስነቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፡ ሃይማኖት ጉልባብ ገይሩ ዝፍጸም ዓመጽን ኣክንዲ ነቲ ልዑል ገዛእ ርእስኻ ምርሃው ኣነንነትን ንኣይነትን ፍጹም ጌርካ ንምቕራብ ዘገልግል ኪደትን ኣነባብራን ከቃልዑን ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንምግሃስን ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዝኾነ ይኩን ዓይነት ጽልእን ንእግዚኣብሔር ዘቕርብ ዝምስል ሃይማኖት ናብ ጣዖታውነትን ዝቅይር ኣነባብራ ሃይማኖተይናነት ከቃልዑ ይላበዉ።

ኣብ ባኩ ቅዱስነቶም፥ ሃይማኖታት ሰናይ ፈሊኻ ንምልላይን ብግብርን ብዕለታዊ ውሳጣውን ዕዮ ምርኻብን ብትዕግስትን ሓልዮትን ቡቕባቔን ብናይ ትሕትና ጭቡጥ ስጉምትን ናይ ሰላም ባህሊ ንምሕናጽ ዝተጸውዓ ምዃነን ይዘኻኽሩ፡ ኣብ ኣዘርበጃን እውን ቅዱስነቶም እብ እዋን ዓመጽን ግጭትን ሃይማኖታት ይብሉ ናይ ሮማ ጳጳስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ “ናይ ወጋሕታ ሰላምን ኣብቲ ዕንወትን ሞትን ትንሳኤ ከይተሓለላ ዘቃልሓን ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ዘተን ዝርርብ ኪደታት ዘይበጸሖ ናይ ምርኻብን ዕርቅን ፍኖት ኮይነን ክርከባ ሓደራ ይብሉ። ኣብ ምስሪ ዝኾነ ይኹን ምውዕዋዕ ዓመጸይናነት፡ ሰላም ኣይውሕስን ስለዚህ ሰላም ንምሕናጽ ድኽነትን ምዝመዛን ኣኽራርነትን ምውጋድ መሰረት እዩ፡ እዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብቲ ኣብ ዑር፥ ብዘይ ምትሕልላይን እንገዳን ማዕርነትን ካብቶም ድኹማት ብዝነቕል ምንቕቓሕ ንኹሉ ካብ ምባል እንተድኣ ዘይተነቕለ ሰላም ኣይክህሉን እዩ፡ ንኻልእ ህዝቢ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ ህዝቢ ክሳብ ዘየለ ሰላም እይክህሉን እዩ እንክብሉ ኣብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመርዎ ሓሳት ይቃላሕ።

ኣብቲ ኣህላኽን ዝተቐደሰ ዝነጽግ እምነት ኣብ ናይ ግሊ ሕይወት ንምዕጋት ኣብ ዝፍትን ዓለም ሃይማኖት ክህልዎ ዝግብኦን ግደ ኣብቲ ኣብ ባኩን ካይሮም ዑርን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እውነተይና ሃይማኖት እግዚኣብሔር ምምላኽን ምውዳስን ሓውን ሓብትን ካብ ምፍቃር ዘይፈልን ማለት ምዃኑ የብርሁ፡   

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ሃይማኖታት ንናይ ሕብረተሰ ናይ ሓባር ረብሓ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ምእንቲ ሰላምን ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ንናይ ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም መሰረታዊ ድላይ መልሲ ኣብ ምሃብ ዘለወን ግደ ዓቢይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ኵላትና ኣሕዋት” ንሓድ ሕድና ብምድግጋፍን ብጭቡጥ ክንየው ፍልልያትን ብምክብባር ናይ ነፍሲ ወከፍ መንነትን ናይ ሰላምን ፍትሕን ኣንጠረይና ብምዃን ንሓድ ሕድና ብምድግጋግፍ ንቕድሚ ክንጓዓዝ ሓሳብ የቕርቡ። ፍራንቸስኮ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ነሕዋቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ባቕዳስ ዘቕረብዎ ጭቡጥ ሓገዝ ዘኪሮም፡ እቲ ካልኣ ኣብነት እውን ኣብ ዑር ናይ ራፋሕ ሑሰይን ባሐር ዒራቓዊት ሰዓቢት ሃይማኖት ሳበኣ ማንደኣ ኣብ ዘቕረበኦ ምስክርነት ኣብ ባሶራ ናጃይ እተሰምየ ሰዓቢይ ሃይማን ሳበኣ ማንደኣ ሓናቲ ስድራ ቤት ሰዓቢት ምስልምና ንምድሓን ሕይወቱ ብምስዋእ ዘቕረቦ ምስክርነት ጠቒሶም ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

11 March 2021, 15:32