ር.ሊ.ጳ.፥ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንዝመዛበሉን ንዝሳቐዩ ብፍሉይ ዝምልከት ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ.፥ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንዝመዛበሉን ንዝሳቐዩ ብፍሉይ ዝምልከት ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን  

ር.ሊ.ጳ.፥ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንዝመዛበሉን ንዝሳቐዩ ብፍሉይ ዝምልከት ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን

እቶም ብሰንኪ ቅልውላው ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ኣባይቶምን ሓዲጐም ዝስደዱ እንገዳን ሓንጐፋይ ቢሉ ዝቕበሎምን ዘዕቁቦምን ኣብ ዝኣትውሉ ከባቢ ተዋሂዶም ክንበሩ ዘኽእሎም ኩነት ክፍጠረሎም ኣገዳሲ እዩ

ኣብ መላእ ዓለም ብምኽንያት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንዝመዛበሉ ዜጋታት ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝኾነን ናይቲ ሰንድ መቕድም ጽማሬ ከምዘመላኽቶ፥ ንእዋናዊ ኵነት “ሕጹጽ እዋን ሓደጋ” እንክብል ገሊጹ፡ ብዛዕባ እዞም ኣሕዋትና እዚኣቶም ብፍሉይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብፍልዩ ክቐርብ ዝብል ጽዋዒት መሰረት፥ ነቲ መዕለቢ ዘይረክብ ዘሎ ኵነታትን ንምዝብልና ዝዳረጐም ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን እናረኣና ከምዘይረኣና ንኸይንኸውን ሕልና ዜጋታትን መንግስታትን ዘበራብርን ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ብሓባር ምእንቲ እዞም ኣሕዋት ክዓይን እዚ እውን ዝከኣል ምዃኑ እቲ ሰነድ የብርህ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ጉዳይ ዝካተተልን ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝከታተል ኣባይቲ ጽሕፈት ብምትሕብባር፥ ብከባቢ ኣየር ምዝባዕ ንዝመዛበሉ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበረን እቲ ዓቢይ ሕቶ ኣብ መንጐ ምዃንን ዘይምዃንን ኣብ መንጐ ምርኣይን ዘይምርኣይን እዩ . . .

ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ሳዕቤናቱን ዘርእይ ብዙሓትን ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምኽንያት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከግዕዝን ክስደድን ክመዛበልን ዘርእይ ምስልን ዜናታትን ብዙሕ እዩ፡ እቲ እንርእዮ ክውንነት ኣብ ልዕሌና ዝህልው ጽልዋ መልሲ ንኽንህበሉ ዝድርኽ ክኽውን ኣለዎ፥ “እቲ እንህቦ መልሲ ዘላቒ ድዩ ግዚያዊ ካባና ይኸውን . . . እቲ ኣብ ካልኦት እንርእዮ ስቓይ ንሕልናና ዘሳቕይ ኮይኑ ናይ ካልእ ስቓይ ካብ ምዃን ጥራሕ ተሪፉ ናተይ እውን ኮይኑ ክስምዓኒ፡ እቲ ኣብ ካልእ ዘጋጥም ንኣይ እውን ከጋጥም ዝኽእል እዩ [ . . . ] በዚ መሰረት ነፍሲ ወከፍ ክህቦ ዝኽእል ኣስተዋጽኦ እንታይ ምዃኑ የስተውዕል” (ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 19)።

እቶም ብምኽንያት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝስደዱን ዝመዛበሉን እቲ ዝነብርሉ ዝነበረ ቦታ ብናይ ተፈጥሮ ኪደት ክንበሮ ዘይከል ናብ ምዃን ስለ ዝተቐየረን ወይ ከኣ እቲ ምዝባዕ ቅድሚ ምክሳቱ ክይኽሰት ምግባር ዝክኣል ከንሱ ናይ እንስዕቦ ናይ ልምዓት መደባትን ኣናባብራን ምርጫታትን ዝፈጥፈሮ ናይ ኤጐነትናን ናይ ምንጻልን ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ተፈጥሮ ዘሰሓሕብ ምስ ናይ ሓባር ቤትና ንኽንዋጋእ ዝድርኽ እንኽተሎ ኣገባብ ኣነባብራ ውጽኢት እውን ክኸውን ይኽእል፡ . . . ቅልውላው ከባቢ ኣየር ምስ ናይ ኢንዳስትሪ ሰውራ ዝተኣታተወ ቀስ እናበለ እናሰፈሔን ናእዓበየን ዝኸይድ ዘሎን እዩ . . . ንሓደ ክፍሊ ዓለም ወይ ሃገርን ሕብረተሰብን ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን . . . ንመላእ ዓለምን - ናይ ሓባር ቤትናን - ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝምልከት እዩ፥ ኵሉ ተራኻብን ተማራዃስን ስለ ዝኾነ።

ልክዕ ከምቲ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ቅልውላው፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እውን ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ዓለም የመዛበልን ንስደት ይዳረግን እዚ ሕጹጽ እዋናዊ ሓደጋ ይገብሮ፡ . . . ዓለም ለኻዊ መልሲ ዝጠልብ። ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ ምዕ. 1, 18-20 “ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም”፡ ከዝብሎ።

ክንርእይ እንኰሎና እንታይ ኢና እንርእይ? ብዙሓት ብሕይወት ንምንባሮም ዘይከኣል ብዝገብሮምን ሕይወቶም ብዘሰናኽል ኵነታት ይውጠጡን ይሃልቁን መብዛሕቲኦም እውን ግራውትን ገማግም ባሕርታቶምን ኣባይቶምን ኣቑሻትን ሓዲጐም እቲ ምስኦም ዝተጣብቀ ኣብ ምዃኖም ዘሎ ኣሰር ባህሎም ልምድታቶም ሃይማኖቶምን ሒዞም ክስደዱን ይግደዱ፡ ህይወቶም እንደገና ኣብ ዘተኣማምን ቦታ ንኸጀምሩ ብተስፋ ዝጓዓዙ፡ ተስፋ ወትሩ ኣብ ሰብኣዊ ምዃን ዘላ ዘይትብንቆስ ዘርኢ እያ፡ ምስ እዚ ዅሉ ሸክማቶም ኣብ ዝተጨናነቐ ግዚያዊ ኣብ ዝኾነ ቦታ፥ መጻኢኦም እናተጸበይ ይቕመጡ።

እቶም ብሰንኪ ቅልውላው ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ኣባይቶምን ሓዲጐም ዝስደዱ እንገዳን ሓንጐፋይ ቢሉ ዝቕበሎምን ዘዕቁቦምን ኣብ ዝኣትውሉ ከባቢ ተዋሂዶም ክንበሩ ዘኽእሎም ኩነት ክፍጠረሎም ኣገዳሲ እዩ፡ መጻኢኦምን መጻኢ ደቃቶምን ውሑስ መታን ክኸውን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመላኽትዎ ምቕባልን ምዕቋብን ምትብባዕን ዝብሉ ግስታት ናብ ተግባር ተቐይሮም ብቑዕ ድጋፍ ክቐርበሎም ይግባእ። ምእንቲ እዚ ናይቶም ዝመዛበሉ ጉዕዞ ዝዕንቅጽን ዝዕፍኖምን ክሕርጐምን ስራሕ ረኺቦም ገዛእ ርእሶም ኪረድኡ ዘኽእሎም ዕድል ዘጽብብን ክመሃሩን ከይረኣዩ ዝገብርን መሰሎምን ክብሮም ዝኽሕድ ዘበለ ኩሉ ኪደትን ተግባራትን ኣብ ጉዕዞ እቶም ተመዛበልቲ ዝተዓርዱ መናድቕ ሓደ ብሓደ ንኽንኣልይ እቲ ሰነድ ኣብ ዘንበሮ መቕድም የተሓሳስብ።

ነቶም ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝመዛበሉ ክቐርበሎም ዘለዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘመስርቕ ሰነድ ብዛዕ እቲ ኣብዚ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ዘሎና ኣረኣእያ ንኸነስፍሕ ይዕድመና፡ እቶም ኣሕዋትና ኣሓትናን ካብቲ ኣናስሮም ዝምሕው ዘጓንፎምን ናብቲ ዝነበርናዮ ክንምለስ ኣይንኽእልን ከም በሓድሽ ሕይወትና ክንጅርም እውን ኣይከኣለናን እፍጻሜ ክንርእን ዝብል ዘቕርብዎ ሕቶ እቲ ሰነድ ይምሕጸን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ዘሕዝን ጸገም፥ መንግስታትን ማሕበርሰብ ዓለምን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘይተገዳስነት ንኸነስተውዕልን ክንርእዮን ብዛዕባኦም ክንሓስብን ብሓባራ ስሌኦም ንኽንዓዪ፡ ነዚ ጽን ክንብልን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኽንትርጉሞን እቲ ሰነድ ይዕድመና። ጐይታ እቲ ካባና ዝሓቶን ክንፍጽሞን ክንበብሮ ዝሓተና ዕዮ ስሌኦም ምስኦምን ዝብል እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብዚ  እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከምዘመላኽቶ፡ ንበይንኻን ኣብ በይንኻን ክትስጉም ዝከኣል እውን እንተኾነ በይንኻ ምድሓን ግና ዘይከኣል እዩ፡ ብምርኻብን ብምዝታይን ብምትሕብባርን ጥራሕ እዩ ካብ ጸገማትና ክንወጽእ እንኽእል፡ እዚ እውን ኣብቲ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንስደትን ንምዝብልናን ንዝተቓልዑ ዝምጥን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘመስርቕ ሰነድ ዘመላኽቶ ኮይኑ ብሓጺሩ እቲ ሰነድ ሓይልዮት እግዚኣብሔር እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ዘመላኽተና ምዃኑ የብርህ።

31 March 2021, 23:23