ኣብ ዓለም ብዝሒ ካቶልካውያን ምእመናን ክብ ይብል ኣብ ዓለም ብዝሒ ካቶልካውያን ምእመናን ክብ ይብል 

ኣብ ዓለም ብዝሒ ካቶልካውያን ምእመናን ክብ ይብል

እቲ ካብ 2018 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ናይ ክልተ ዓመት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ጠቕላላ እቲ ክብ ዝበለ ብዝሒ እቲ 3.4 ሚእታዊ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እቲ 1.3 ሚእታዊ ኣብ እስያን እቲ 1.1 ኣብ ኦቻይናን እቲ 0.84 ከኣ ኣብ ኣመርካ ክኸውን እንከሎ

ካብ 2018 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ካብ መላእ ሕዝቢ ዓለም 17.7 ሚእታዊ ዝሽፍን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ከምዝኾነን ኣብቲ ዓመት እውን ብዝሒ ካህናት ክብ ከምዝበለን ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ከዳማውያንት ከምዝነከየን ናይ ዲያቆናት ብዝሒ እውን ክብ ከምዝበለን ኣስታት 50 ሺሕ እውን ምዃኑ ጳጳሳዊ ዓመታዊ ጸብጻሕ ዘቕርብ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ ሰነድን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ኤቅለሲያዊ ቤት ጽሕፈት ናይ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ጸብጻብ ብቤት ማህተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ ሰነድ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 2018 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ዓለም ብዝሒ ካቶሊክ ምእመናን ብ16 ሚሊዮን ክብ ከምዝበለን ብዝሒ

ካቶሊካዊ ምእመን ኣብ ዓለም ሓደ ቢሊዮንን 345 ሚሊዮን ከምዝበጽሔን እዚ ኽኣ ክሳብ 2019 ዓ.ም. መወዳእታ ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም 17.7 ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ። እቲ ካብ 2018 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ናይ ክልተ ዓመት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ጠቕላላ እቲ ክብ ዝበለ ብዝሒ እቲ 3.4 ሚእታዊ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እቲ 1.3 ሚእታዊ ኣብ እስያን እቲ 1.1 ኣብ ኦቻይናን እቲ 0.84 ከኣ ኣብ ኣመርካ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ካቶሊክ ከምዝነከየ እቲ ጸብጻብ የመላኽት። ኣብ ጠቕላላ 3.026 ኤቅለሳውያን ሰበኻታት 5.364 ጳጳሳት ከምዘለዉን እቲ ዝበዝሔ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ጳጳሳት 68.8 ሚእታዊ ዝሽፍን ኮይኑ፡ እስያ 15.2 ሚእታዊ ኣፍሪቃ 13.4 ሚእታዊ ኦቻይና 2.6 ሚእታዊ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ክልተ ሓደስቲ ሜጥሮጶሊታውያን ሰበኻታት ከምዝቖማን ኣርባዕተ መንበረ ጳጳስ (ክልተ ሰበኻን ክልተ ኤጳርቅናን) ክልተ ሰበኻ ናብ ሜጥሮጶሊታ ክብ ከምዝበላን ክልተ ናብ ንናይ ከባቢ ሰበኻታት ዝሕግዝ በቐጥታ ንቕድስቲ መንበር ተኣዛዚ ዝኾነ መንበረ ጳጳስን ሓደ ኸኣ ናብ መንበር ሓዋርያዊ መስተናብር ክብ ከምዝበለ፡ እቲ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ ሰነድ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ካህናት ክብ ክብል ዋሕዲ ጸዋዕታ የጋጥም

ኣብቲ ካብ 2018 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ናይ ክልተ ዓመታዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፥ ኣብ መላእ ዓለም ብዝሒ ካህናት 414.336. እዚ ከኣ ብ 271 ክብ ከምዝኾነን ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ስዒባ እውን እስያ ብተነጻጻሪ ካብ 3.45 ሚእታዊ ክሳብ 2.91 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን በቢ ወገነን ዘለወንብ ብዝሒ ካህናት ብ 1.5 ሚእታዊ ከምዝነከየን፡ ኣፍሪቃን እስያን ብጣምራ ክሳብ 28.9 ሚእታዊ ኣስተዋጽኦ ክህልወን እንከሎ ብተነጻጻሪ እስያ ብ1.1 ሚእታዊ ግደ ከተመዝግብ እንከላ፣ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብዝሒ ካህናት 170.936 ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ካህናት 41.3 ሚእታዊ ዝሽፍን ከምዝኾነን ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብ 40.6 ሚእታዊ ከምዝወረደ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ክሕብር እንከሎ፥ ኣመሪካ -2.4 ሚእታዊ ትሕዚ ዜሮ እስያ 2.6 ሚእታዊ ትሕቲ ዜሮ ከምዝኾነን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ካብ 32.212 ናብ 32.721 ከምዝደየበን ኣብ እስያ ምስ 2018 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብ 5.2 ሚእታዊ ከምዝወረደን ኣብ መላእ ዓለም ንክህነት ዝተሓጽዩ ኣብ 2018 ዓ.ም. 115.880 ከምዝነበሩን ኣብ 2019 ዓ.ም. ከኣ 114.058 ከምእተመዝገበን እዚ ኸኣ ብ 1.6 ሚእታዊ ከምዝነከየ እዩ ዘርእይ። ኣብ ኤውሮጳ ጸዋዕታ ትሕቲ ዜር ብ-3.8 ሚእታዊ ክንክይ እንከሎ ናይ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ዓቢይ እስያ ብ 33821 ቀዳምነት ክትሕዝ ስዒባ ኣፍሪቃ ብ 32.721 ኣመሪካ ብ 30.664ን ኤውሮጳ ብ 15.888ን ኦቻይና ብ 964 ስዒበን ይምዝገባ። ቀወምቱ ዲያቆናት ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብ 1.5 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ብጠቕላላ 48.238 ቀወምቲ ዲያቆናት ከምዘለዉን፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዘሎ ብዝሒ ቀወምቲ ዲያቆናት ካብቲ ጠቕላላ ብዚሕ 1.2 ሚእታዊ ዝሽፍን ኮይኑ ኣብ ኦቻይና ብዝሒ ቀወምቲ ዲያቆናት 481 ከምዝበጽሐ እቲ ሰነድ የመላኽት።

ብዝሒ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ይንክይ

ገዳማውያን ደቂ ማሕበር ኣሓው ኣብ 2018 ዓ.ም. 50.941 ከምዝነበረን ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብ 50.295 ከምዝነከየን ኤውሮጳን እመሪካን ብገዳማውያን ብዝሒ ብ 14.038ን ብ 13.099 ከመዝግባ እንከለዋ ብተነጻጻሪ ኣብ ክልቲኣተን ክፍለ ዓለም ብ 1.8 ሚእታዊ ከምዝነከየን ብዓለም ደረጃ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብዝሒ ገዳማውያን 641.661 ኣብ 2019 ዓ.ም. 630.099 ብገምጋብ ክርአይ እንከሎ ብ 1.8 ሚእታዊ ይንክይ። ኣፍሪቃን እስያን ብተነጻጻሪ ብ 1.1 ሚእታዊ ናይ ገዳማውያን ቍጽሪ ክብ ከምዝበለን ኣብ 2018 ዓ.ም. ደናግል ደቂ ማሕበር 76.219 ኣብ 2019 ዓ.ም. 77.054 ከምዝኾናን ኣብ ደቡባዊ ብራቕ ኣስያ ብዝሒ ደናግል ብ0.4 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ብጠቕላላ እቲ ብዝሒ ደናግል ካብ 170.092 ናብ 170.754 ክብ ከምዝበለን ኣብ ኣመሪካ እቲ ብዝሒ ደናግል ካብ 160.032 ናብ 154.717 ከምዝወረደን ኣብ ኤውሮጳ ካብ 224.246 ናብ 216.846 ኣብ ኦቻይና ካብ 6.999 ናብ 6.718 ከምዝነከየ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

30 March 2021, 15:02