ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሕንጻ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሕንጻ 

ቅድስቲ መንበር፥ ሓዳር ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ኣይትባርኽን

ቤተ ክርስቲያን ካብቲ መለኰታዊ ፍቓድ ዘቝሞ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ሓዳር ወጻኢ እቲ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳር ሕጋዊ ወይ ፍቕዱ ቢላ ከምዘይትባርኾ ብምምልካት፡ በዚ መሰረት’ዚ ካህናት ኣብ መንጉ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳር ክባርኹ ኮነ ይዅንታ ክህብሉ ቤተ ክርስቲያን ትእግድ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር፥ ቤተ ክርስቲያን ንሰብ ሓዳር ሓደኣዊ ጾታ ይዅንታዊ ቡራኬ ከምዘይትበሉን እዚ ኸኣ ኣድልዎን ፍርዲ እውን ከምዘይኮነ ዘነጽር ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዜጋታት ዝቐውም ሓዳር - ተባዕታይ ምስ ተባዕታይን ጓለንስተይቲ ምስ ጓለንተይትን - ዝቐውም ሓዳር፡ ፍቑድ ወይ ሕጋዊ እዩ ከምዘይትብሎን ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳር መልኰታዊ ድላይ ከምዘይኮነን ነዚ ዓይነት ሓዳር እውን ከምዘይትባረኾ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ ዘየማትእ መልሲ ከምዝሃበትሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ነቲ ቀሪቡ ዝነበረ Dubium - ኣጠራጣሪ ሕቶ ብዘይማእት ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ መለኰታዊ ፍቓድ ዘቝሞ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ሓዳር ወጻኢ እቲ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳር ሕጋዊ ወይ ፍቕዱ ቢላ ከምዘይትባርኾ ብምምልካት፡ በዚ መሰረት’ዚ ካህናት ኣብ መንጉ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳር ክባርኹ ኮነ ይዅንታ ክህብሉ ቤተ ክርስቲያን ትእግድ ዝብል ሓሳብ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ላዳሪያን ዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ኣቡነ ጃኮሞ ሞራንዲ ክታም ዝተነብሮ ዕለት15 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዅንታ ኣብ ዝሃቡሉን ሰነድ ከምዘስመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምባለ ዘለዎ ሰባት ብቕኑዕ ፍቓድን ኣብ ጉዕዞ እምነት ቤተ ክርስቲያን ተሰንዮም እዚ ኸኣ በታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ዝቐርብ ክንክን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮይኑ “ኣብ ሕይወቶም ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ምሉእ ብምሉእ ንኽነብሩን ንክኸስተውዕሉን ምድጋፍ” ዝብል እዩ፡ ስለዚ ኣብ ድላይ መልኰት ንኽመላለሱ እዩ፡ እቲ ቡራኬ ኣብዚ ጉዕዞን ምስ እዚ ጉዕዞን ዝሰማማዕ እምበር ክቕምዎ ንዝኽእሉ ሓዳር ምብራኽ ዝብል ከምዘይኮነ እቲ ሰነድ ከምዘነጽሮ የመላኽት።

እቲ ናይቲ ሰነድ መሰረታዊ ሓሳብ ውልቀ ሰብን ዝቐውም ዝምድናን ፈልዩ ዝምልከት እዩ፡ እቲ ነቲ ብሓደ ጾታዊ ስምዒት ብዘለዎ ሰባት ዝቐውም ሓዳር ዘይባረኽ ዝብል ውሳኔ፡ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብቐዳምነት ዝምልከቶም ሰባት ዝፈርድ ኣይኮነን፡ ክኽበሩን ክሕለየሎምን ብጥንቃቔ ክረአዩን ኣለዎም ዝብል ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ይኹን ዓይነት መደብ ከይፍጸም ዘተሓሳስብ እዩ፡ ከምቲ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘመላኽቶ፡ ካብዚ ሓሊፍካ ግና ነቲ ከቝምዎ ዝደልይዎ ሓዳር ምብራኽ ወይ ቡርኽ ምባል ዘይቕቡልን ዘይሕጋውን ምዃኑ እቲ ሰነድ የመላኽት።

እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ብሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ብዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳር ዘይምብራኽ ዝብል ውሳኔ፥ ቅድም ቀዳድም ንገዛእ ርእሱ ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ቡራኬ ዘለዎ ክብሪ ዝምልከት ብምዃኑ እዩ፡ ምስ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድን ምስቲ ኣብ ፍጥረት ብኑባሬ ምስ ዝሓንጸጾ መደብ ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ካብቲ ዘይፍታሕ ውህደት ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ጥምረት ሕይወት ንምትሕልላፍ ንዝብል መለኰታዊ ፍቓድ ርህው ዝኾነን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር መደብ መልሲ ዝህብ ክኸውን እንተኮ እቲ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾትዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ግና ነቲ መለኰታዊ መደብ ዝጻረር ዘይሰማማዕን እዩ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ነቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዘቕምዎ ሓዳር ምብራኽ ምስቲ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝወሃብ ቡራኬ ማዕረ ገርካ ናይ ምርኣይ ምድንጋራትን ብጌጋ ምርድእን ክህሉ ስለ ዝኽእል እዩ፡ ንሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምባለ ዘለዎ ምሕላይን ነቲ ክቐምዎ ዝኽእል ውህደት ዘይምብራኽን ዝተፈላለየ ምዃኑ እቲ ሰነድ ብዕምቆት ከምዘብርህ ዜና  ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ፥ ነቲ ንሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምባለ ዘለዎ ከም ውልቀ ሰብ ብድላይ መደብ እግዚኣብሔር ንዝነብር ምብራኽ ፍቑድ ዝብልን እውን እንተኾነ እነ ክቝምዎ ዝደልይ ጥምረት ግና ዘይሕጋውን ክልኵን ውጉዝን ምዃኑ ብዘብርሕ ሓሳብ ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

17 March 2021, 15:35