ጒወረሮ፥ ቅድስቲ መንበር ወጻኢታት እምበር ተልእኾኣ ኣይኮነን እትንክይ ጒወረሮ፥ ቅድስቲ መንበር ወጻኢታት እምበር ተልእኾኣ ኣይኮነን እትንክይ 

ጒወረሮ፥ ቅድስቲ መንበር ወጻኢታት እምበር ተልእኾኣ ኣይኮነን እትንክይ

ቅድም ቀዳድም ወጻኢታ ንኽንቅንስ ካብ ዝገበሩ ምኽንያት ብቐዳምነት ለብዒ ኮቪድ-19 ዝጥቐስ እዩ . . . እቲ እቶት 307 ሚሊዮን ኤውሮ ክኸውን እንከሎ ካብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ዝጐደለ እዩ፡ . . . እዚ ዘጋጠመ ዋሕዲ እቶት ብሓደ ወገን ወጻኢታትካ ብዝለዓለ ደረጃ ምኽንያታዊ ንምግባር ዝድርኽ እምበር ኣብ ሎዕሊ ሰራሕተይንታትን ናይ ስራሕ ቦታን ምጉዳል ዝብል ኣይክነን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኹዋን ኣንቶኒዮ ጒወረሮ ኣልቨስ ምስ ናይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ቅድስቲ መንበር 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዕዮታት መሳለጢ ዝተመደበ ሃብቲ ገንዘብ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሓተ እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ኮነ ናይ ሰራሕተይናታት ጉዳይ ኣብ ዝብልከት ኪደትን ዝተገብረ ለውጢ የሎን፡ ስራሕን ኣገልግሎት ምጉዳል ማለት እውን ከምዘይኮነ ብሰፊሕ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ሰራሕተይናታት ወርሓዊ ክፍሊትን ናይ ስራሕ ቦታን ብዘይ ምትንካፍ ወጻኢታት ኣመክንዮኣዊ ከምእተገብረን እቲ ዝተሓንጸጸ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዕዮን ኣገልግሎትን መሳለጢ ዝተመደበ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሓተ እዩ፡ እዚ ግና ኣገልግሎት ኮነ ዕዮታት ቅድስቲ መንበር ምድጉዳል ማለት ኣይኮነን፡ ወጻኢታትካ ምኽንያታዊ ምግባር ወጻኢታትካን ምስትውዓልን ቀዳምነት ዝወሃቦን ብካልኣይ ደረጃ ዝቕመጥን ምልላይ ማለት እዩ ኣብ ጉዳይ ኤኮኖሚ ግልጽነትን ክህሉ ዝገብር እዩ፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኽ መሳለጢ ዝህብዎ ሓገዝ ምቕባል ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ዝሃብዎ ሓገዝ ኣበይ ከምዝወዓለ ምሕባር ግድን እዩ እቲ ግልጽነት ከኣ ነዚ መሰረት ዝገበረ እዩ፡ ንምንታይን ኣበይን ከምዝወዓለም ምሕባር ማለት ምዃኑ የብርሁ።

ዕለት 16 ለካቲት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2021 ዓ.ም. ዝተመደበ ሚዛን ሃብቲ ገንዘብ ይዅንታ ሂቦምሉ እዮም . . . ኣስታት 50 ኤውሮ ክሳራ ኣጋጢሙ እዮ፡ እቲ ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ ኣገልግሎት ካብ መላእ ዓለም ዝቐርብ ሓገዝ እንተዘይህሉ ነይሩ እቲ ኪሳራ ኣስታት 80 ሚሊዮን ኤውሮ ምኾነ . . . ለብዒ ኮቪድ-19 ገድ ኣለዎዶ?

ቅድም ቀዳድም ወጻኢታ ንኽንቅንስ ካብ ዝገበሩ ምኽንያት ብቐዳምነት ለብዒ ኮቪድ-19 ዝጥቐስ እዩ . . . እቲ እቶት 307 ሚሊዮን ኤውሮ ክኸውን እንከሎ ካብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ዝጐደለ እዩ፡ . . . እዚ ዘጋጠመ ዋሕዲ እቶት ብሓደ ወገን ወጻኢታትካ ብዝለዓለ ደረጃ ምኽንያታዊ ንምግባር ዝድርኽ እምበር ኣብ ሎዕሊ ሰራሕተይንታትን ናይ ስራሕ ቦታን ምጉዳል ዝብል ኣይክነን፡ ወጻኢታት ብ8 ሚእታዊ ምጉዳል ዝብል ሚዛን ሃብቲ ገንዘብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ግና ናይ ሰራሕተይናታት ደሞዝን ናይ ስራሕ ቦታን ብዘይ ምትንካፍ እዩ፡ ከምዚ እንተዘይኸውን ነይሩ እቲ ወጻኢታት ምጉዳል ዝብል ጠርዚ ክሳብ 15 ሚእታዊ ምበጽሔ ነይሩ ይብሉ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ወጻኢታት ስለምታይ እዩ ዘይቀያየር ክኸውን ዝተገብረ?

ወጻኢታት ቅድስቲ መንበር ዘይቀያየር ዝገብሮ 50 ሚእታዊ ንናይ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ሰራሕተይናታት ዝውዕል ስለ ዝኾነ እዩ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓይሊ ሰብ ዝወጸ ሃብቲ ገንዘብ ብኽልተ ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን እዚ ኸኣ ምስ 2019 ዓ.ም. ዝነጻጸር ከምዝኾነ ሓቢሮም፡ ወጻኢ ምንካይ ማለት ሰራሕተይናትት ምንካይ ማለት ኣይኮነን እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘተሓሳስብዎ ጉዳይ እዩ፡ . . .

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ዓመት ዕዮታቱን፡ ናይቲ ዝተነከየ መጠን ክንደይን ኣበየን እዩ ክንክይ ዝተገብረ፡ ምስ 2019 ዓ.ም. ክነጻጻር እንከሎ ናይ 2020 ዓ.ም. ወጻኢ ብ 14 ሚእታዊ ክንክይ ተገይሩ እዩ . . .

ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ መደምደብ ጸባጻብ ሃብቲ ገንዘብን ወጻኢታትን ምሉእ ብምሉእ ኣይቀረበን ስለዚህ እቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ንመሳለጢ ዕዮ ዝተመደበ ሃብቲ ገንዘብ ኣብቲ ናይ 2020 ዓ.ም. መሰረት ዝገበረ እዩ . . . ንኣብነት ኣብዚ መዳይ ንኣማኸርቲ ዝወጽእ ዝነበረ 1,5 ሚሊዮን ዝግመት ኤውሮጳ ተኣልዩ እዩ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ጳውሎስን ንምስላምን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዝለዓለ ደረጃ ክንክይን ተገይሩ እዩ፡ እዚ ብሃብቲ ገንዘብ ክዕቀን ኣስታት 1.3 ሚሊዮን ኤውሮ እዩ ዝግመት፡ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ንገዛእ ርእሱ ኣስታት ሰለስተ ሚሊዮን ዝግምት ወጻኢ ዝምልከት እውን እዩ፡ . . . ሕጹጽ ዘይኮኑ ወጻኢታት ክጸንሕ ምግባርን ክሰጋገር ዝኽእል ናይ ሕጻንታት ሕዳሰን ክጸንሕ ተገይሩ እዩ፡ እዚ እውን ኣስታት 4.8 ሚሊዮን ወጻኢ ዝምልከት እዩ . . . ሃገረ ቫቲካን ዘይመንግስታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ነይሩ እንተዝኸውን ድሮ ብዙሓት ሰራህተይናታት ነክዩ ምሃለወ፡ ቅድስቲ መንበር ብዝልገሰላ ዝመሓደር ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾን ተልእኾ ዘለዋ እያ፡ ምስ ወጻኢታትካ ምትኽኻል ግድን እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ፍልያ ዘብላ ኣብዚ ናይ ምትኽኻል ኪደት ስራሕን ናይ ስራሕ ቦታ ኣይትትክፍን . . . እቶት እንተድኣ ነክዩ መሐለውታ ምጥቃም ግድን ይኸው . . .

ሓገዝ እንተድኣ ነክዩ መሐለውታ ምጥቃም . . .

መሐለውታ ኣገልግሎቱ እቶም ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ንኽትጥቀመሉ እዩ ስለዚ ምጥቃሙ ከሰንብደና የብሉን፡ እዚ ኸኣ ብዙሓት ዝዕደያ ሃገራት ከም ኣብነት ምጥቃስ እዅል ይኸውን፡ . . . እቶት እትረኽበሎም ኣገልግሎት መውሃብ ዘበለ ኵሉ ካብቲ ዘጋጠሞ ቅልውላው ተላቒቑ እቲ ዘርክቦ እቶት ክህሉ እዩ፡ እዚ ክህሉ እዩ ቢልካ ግና ብዓንተዉ ዕለታዊ ወጻኢታትካ ብኽህሉ ንኽትመዝኮ ኣይግብእን፡ . . . ኣብ ታሪኽ፥ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ጸገም ተዓጊቱ ኣይፈልጥን፡ ምኽንያቱ ዝረኽቦ ሕእሓገዝ ካብ ሕዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ከነወግዶ ዝግብኣና ዘይጥዑይ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ምውጋድን ደይመደይ ቢልካ ርእሰ ማል ካብ ምትንካፍ እዩ . . . 

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዓቦ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን መዓት . . . ኣብ ቅድሚ እዚ ቅልውላው እዚ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታትል ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ጽልዋ?

ብኮቪድ 19 ምኽንያት ንዘጋጠመ ጸገም ንምብዳህ 5 ሚሊዮን ኤውሮ ተመዲቡ እዩ፥ ብናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት - ካሪታስ ማሕበራትን ዝወጸ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝወዓለን ኣብዚ . . . ጸገም ብኹሉ መዳይ የብልሓካን ብልሓተይና ይገብረካን ዓቢይ ኣገዳስነት ክትህብሉ ዝግብኣካን እቲ ኣገዳሲ ዘይኮነ ብይጽንሓለይ ክትሕዞ ዝግብኣካ ፈሊኻ ንኽትምልከት ይሓንጸካ . . .

ለምዘበን ኣብቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዕዮ መሳለጢ ሚዛን ሃብቲ ገንዘብ . . . እቲ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎት መሳለጢ ዝእከብ ሓገዝ፡ ብሓፈሻኡ እቶትን ወጻኢታትን ንምንታይ ኣበይን ዝሕብር ሰነድ ቀሪቡ እዩ . . .

ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ ኣባይቲ ጽሕፈትን ማሕበራትን ብምትሕብባር ዝዓያ ምዃነን ዘመላኽት እዩ . . .  ብምድግጋፍ ብሓባር . . .

እቲ ለብዒ ዘብቅዓሉ እዋን ንምግማት ዘጸገም እዩ፡ እዚ ኣብ ሕይወትናን ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ኤኮኖምን ብርቱዕ ጽልዋ ኣለዎ፡ ቅድስቲ መንበር ነዚ ኵነት እዚ ኣብ ቀረባ መጻኢ ብኸመይ እያ እትገጥሞ?

እቲ ተኽሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዙሕ ጸገም ኣስዒቡን የስዕብን እውን ኣሎ፡ ክንየው እቲ ዘሕዝንን ዘሰምብድን ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላውን ጸገማትን ዘቕርቦ ዕድላት እውን ኣሎ፡ መሃዝነትን ብቕዓትን ዝሓትት ምህዞን ብቕዓትን ዘበራብርን ዘማዕብልን፡ ብሒደት ብዙሕ ምፍጻም . . . ጥበበይናነት ዘነቓቕሕ እዋን እዩ፡ እዚ ለብዒ እዚ እንተድኣ ዘየብቀዔ እቲ ዘሎ ኪሳራ ንምምዕርራይ ናይ ምእመናን ሓግዝ ኣገዳሲ ይኸውን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ሃብቲ ገንዘብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ሓዋርያዊ ሓልዮ ናይ ቅድስቲመንበር ርስቲ ክመሐደር ዝብል ናይ ሕዳሴ ውሳኔኦም?

እዚ እቲ ናይ ኣታውን ወጻእን ኣካይዳ ጥርኑፍ ክኸውን ምግባር ንምቁጽጻር ኮነ ኣብ ጽፈት ኣሰራርሓን ግልጽነትን ዓቢይ ሓገዝ እዩ፡ ምስ ዝተፈላለያ ጨናፍር ካብ ምጽብጻብ ምስቲ ኣሰራርሓ ምእኩል ዝገብር ቤት ጽሕፈት ምጽብጻብ እዩ ዝቐልል፡ ናይ ሰብ ጉልበትን ግዜን ትቑጥብ፡ ስለዚህ ድሮ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ረሲድ ገንዘብ ድሮ ናብቲ ሓዋርያዊ ሓልዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ርስቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተሳጊሩ ክትብሎ ትኽእል እቲ ተሪፉ ዘሎ ሕጋዊ ባህርይ ዘለዎ ጉዳይ ዝለ ስሎ ነዚ ኸኣ ዝምልከቶ ኣካል ይከታተሎ ከምዘሎን ቀስ ኢሉ እውን እቲ ተሪፉ ዘሎ ኩሉ ናብቲ ሓዋርያዊ ሓልዮ ርስቲ ቤተ ክርስቲያን ክመሓላለፍ ምዃኑ ይሕብሩ።

እቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ምዱብ ሃብቲ ገንዘብ . . . እቲ ምዱብ ገንዘብ ናይ ተልእኾ ሚዛን ብዝብል እዩ ዝግለጽ ምኽንያቱ እቲ ናይ ኵሪያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምሕደራ ዕዮ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ እዩ፡ በዚ መሰረት’ዚ እቲ ምዱብ ገንዘብ ዝብል ስያሜ ናይ ተልእኾ ሚዛን ብዝብል መጸውዕ እዩ ዝመዓራረይ፡ ካብቲ እቲ ምድብ ሃብቲ ገንዘብ ሚዛን ተልእኾ እቲ 68 ሚእታዊ ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘተኮረ እዩ፡ . . . ግልጽነት ወሳኒ እዩ። ምእመናን እዚ ግልጸነት እዚ ዝግብኦም እያቶም፡ ሃብቲ ገንዘብ ኣበይ ከምዝውዕል ብግልጺ ሓበሬታ ምቕራብ ምትእምማንን ተኣማንነትን እዩ ዝፈጥር፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ቅድስቲ መንበር ኣህጉራዊ ኣብነት ንምዃን ኣስተንፍሶ ክንገብር እዩ ዝግብኣና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

13 March 2021, 22:52