ጋላገረ፥ ሕጋዊ ፍርዲ ገበን መቕጻዕቲ ዘይኮነ ኣገባብ ዕርቂ እዩ ጋላገረ፥ ሕጋዊ ፍርዲ ገበን መቕጻዕቲ ዘይኮነ ኣገባብ ዕርቂ እዩ 

ጋላገረ፥ ሕጋዊ ፍርዲ ገበን መቕጻዕቲ ዘይኮነ ኣገባብ ዕርቂ እዩ

ኣብሪሆም፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፡ ምክልኻል ገበን መቕጻዕቲ ብምሕያል ገበን ምጉዳል ዝብል ኣሰራርሓ ጌጋ እዩ፡ ስለዚህ ሓቀይና ፍትሒ ገበነይና ብምቕጻዕ ዝዓግብ ዘይኮነ ሰብ ንምእራምን ንኽመሓየሽን ዝሓንጽን ክኸውን እዩ ዘለዎ

ልዕልና ሕግን ምክልኻል ገበንን ገበናዊ ፍትሕን ዘይነጻጸሉ ከም ኢድን መሸፈን ኢድን እያቶም፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ብቡነ ጋላገር ኣብ መበል 14 ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባ ምክልኻል ገበንን ፍትሒ ገበነይናነትን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘካየዶ ክፍለ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክከውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቅድስቲ መንበር ይብሉ፡ ልዕልና ሕግን ምክልኻል ገበንን ፍትሒ ገበነይናን ተተሓሒዞም ክኸዱ ከምዘለዎም ከምእተምነሉ ኣብቲ ካብ ዕለት 7 መጋቢት ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዛዕባ ምክልኻል ገበንን ፍትሒ ገበነይናነትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብዘካየዶ መበል 14 ክፍለ ጉባኤ ተሳቲፎም ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን ፍትሒ ገበነይናታትን ኣተኩይሮም፡ ናይ ልዕልና ሕጊ እውነተይና ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዘተኮረ ክኸው ከምዘለዎ ኣዘኻኪሮም፡ ናይዚ ኪደት ኣፈጻጽማን ናይ ገበነይናታት ንጥፈታት ንምቁጽጻርን ኣቐዲምካ ከይኽሰት ናይ ዝግበር ጻዕርሪ ሓላፍነት ናይ ሓይሊ ጸጥታ ላዕለዎት ኣካላት ጻዕሪ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻኡ ናይ ሕብረተሰብ ቁርጺ ፍቓድ ዝሓትት ጉዳይ እውን እዩ፡ ብብሔራዊ ይኹን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ይኹን ምስ ምኽባር ኵላዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተተሓሓዘ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

ኢማዕርነትን ብላዕን ለብዒ ኮቪድ - 19ን ገበን የተባብዕ

ገበን ብናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ኢማዕርነትን ብላዕን ዝተባባዕ ብምዃኑ እዚ ንብዙሓት ብፍላይ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኵነት ዝርከቡ ብቐዳምነት የጥቅዕ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 እውን ከምዘብኣሶ ኣብሪሆም፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፡ ምክልኻል ገበን መቕጻዕቲ ብምሕያል ገበን ምጉዳል ዝብል ኣሰራርሓ ጌጋ እዩ፡ ስለዚህ ሓቀይና ፍትሒ ገበነይና ብምቕጻዕ ዝዓግብ ዘይኮነ ሰብ ንምእራምን ንኽመሓየሽን ዝሓንጽን ክኸውን እዩ ዘለዎ፥ ኣብዚ ኪደት እዚ ዝከኣለና ክንግበር ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥

እቲ ኣቐዲምካ ምክልኻል ዝብል ኣሰራርሓ ሰብኣውነት ዘማእከለ እዩ ክኸውን ዘለዎ

እቲ ቡጹዕ ኣቡነ ጋላገር ዘዘኻኸርዎ እቲ ናይ ገበን ናይ መቅጽዒ ስርዓተ ሕጊ ክስዕቦ ዝግብኦ መሰረታዊ ስርዓት፥ ብቐዳምነት፥ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ናጽነትን ዘጥቅዕ ክኸውን የብሉ ዝብልን ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝብል ወትሩ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ንምክልኻል ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ ቢሎም፡ ከም ሓቂ ዝኾነ ይኹን ፍርዳዊ ኣካልን ሓጋጊ ወይ ፈጻሚ ኣካል ሕግን ወይ ትርጓመ ሕግታት ኵሉ ውልቀ ሰብ ወይ ማሕበርሰብ ገበን ንኽነጽግ ብዝድግፎ ኣገባብ እዩ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ዘለዎ፥ ሰብ ወይ ማሕበረሰብ ገበን ኣይፋል ዝብል ንኽኸውን ዘተባብዕን ዝሓንጽን ክኸውን ኣለዎ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ጥራሕ እዩ ሓናጽን ጸጋንን ኣራምን ገበናዊ ፍትሒ ክህሉ ንምግባር ዝከኣል ቢሎም፡ ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ “እቲ ናይ ሕግን ፍትሕን ጉዳይ ዘሰብእን ዘተዓርቕን እቲ ገበነይና ብኪደት ሕንጸትን ብናይ ምጥዓስን ትብዓት ተኣሪሙን ተጣዒሱን ናብቲ ዝነበሮ ሕብረተሰብ  ምሉእ ውህደት ገይሩ ንምንባር ዝድግፍ” ክኸውን እለዎ እንክብሉ ከዘጠቓለሉ ፒሮ ሓቢረን።

ቀዲሞም ዝተካየደ ተመሳሳሊ ዓውደ ጉባኤታት

እዚ ዛዕባ ምክልኻል ገበንን ፍትሒ ገበነይናነትን ዝመያየጥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መበል 14 ዓውደ ኣኼብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ተጸዎዑ ከምዝነበረን ደሓር ግና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ-ኮቪድ 19 ምኽንያት ናብ 2021 ዓ.ም. ተሰጋጊሩን ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት እውን ከምእተኻየደ ዘዘኻኸራ ፒሮ ኣስዒበን፥ ናይዚ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መሰናደዊ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ እስያን ፓሲፊክን ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ምዕራብ እስያን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ከምእተኻየደ ገሊጸን፡ እቲ ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣኼባ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ካብ ዝጥለቡ ዓበይቲ ናይ ፖለቲካን ባህልን ሙያተይናታትን ክኢላታትን ዘይመንግስታውያን ውድባትን በርገሳውን ማሕበራትን ካብ ዘሳተፉ ዓውደ ኣኼባታት ሓደ ምዃኑ ሓቢረን፥ እቲ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ኣብ 1955 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኮይኑ ገበን ኣቀዲምካ ምክልኻልን ከምኡ እውን ናይ መቕጽዒ ሕግን ዘማእከለ ኣብዚ መዳይ ተምክሮን ርእይቶን ንምልውዋጥን ብዛዕባ ሕግን ንሕጊ ዝምልከት ፖለቲካ ንምምዕባልን ዝብል ሸቶ ዝተነብሮ እውን ምዃኑ ፒሮ የዘኻኽራ።

10 March 2021, 15:48