ፊዚከላ፡ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ፥ ንስሓን ግብረ-ሰናይን ምሕረትን ፊዚከላ፡ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ፥ ንስሓን ግብረ-ሰናይን ምሕረትን 

ፊዚከላ፡ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ፥ ንስሓን ግብረ-ሰናይን ምሕረትን

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ብቐጥታ ተመክሮ ንምግባር ዝድግፍን ብዝዕባ ሕይወትካ ጥልቂ ኣስተንትኖ ንኽትገብር ነዚ ንምፍጻም እግዚኣብሔር ብካህናት ገይሩ ይራኸበናን ውስንነትና ውሽጣዊ ምግርጫታትናን ኵሉ ሓጢኣትና ምስ እንናዘዝ ይኣልየናን የጸንናዓናን መለኮታዊ ምሕረቱን እውን ይጽግወናን . . . እዚ ኸኣ በዓለ ፋሲካ ደረት ትርኢት ገርካ ዝፍጸም እዩ

ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 13 መጋቢት በቲ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ምስ ጐይታ ብዝብል መርሖ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምእመናን ናብ ናይ ንስሓ ምስጢርን ንግብረ ሰናይን ይቕረ ምባልን ምሕረትን ንምቕራብ ኣሚቱ ናይ ለምዘበ 2021 ዓ.ም. ንሱ ኩሉ ሓጢኣት ይምሕር ብዝብል መርሕ ቃል ዘሰናድዎ መደብ መሰረት ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ካብቲ ነገግሎት ክፉታት ዝኾናሉ ዝተወሰነ ሰዓት ክንየው ክፉታት ክኾና ዝድርኽ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ “24 ሰዓት ምስ ጐይታ” ዝብል መደብ ኣይዓግቶን፡ እዚ መደብ’ዚ ምእመናን ናብ ምስጢረ ንስሓ - ናብ ናይ ዕርቂ ምስጢር ንኸብሉ ዝመርሕን ዘተባብዕን ምዃኑ ናይ ዳግማዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘክየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ናይ 2021 ዓ.ም. መደብ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ ንሱ ንዅሉ ሓጢኣት ይምሕር ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ 

ከምቲ በቢ ዓመት ዝግበር ለምዘበን እውን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ዘሳትፈ ስርዓተ ሊጡርጊያ ምስጢረ ዕርቂ ዘይካየድ እውን እንተዀን ከምቲ በቢ ዓመቱ በዚ መደብ’ዚ መሰረት ኣብ ኩለ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ዝህባሉ ሰዓታት ብምንዋሕ ክፉታት ኮይነ ስርዓተ ሊጡርጊያ ምስጢረ ዕርቂ ክስራዕ ምዃኑን እዚ ኸኣ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዝፍጸም መደብ እዩ ክበሃል ይከኣል ኢሎም።

ኵነት ኣስተንትኖ

እዚ መደብ’ዚ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ብቐጥታ ተመክሮ ንምግባር ዝድግፍን ብዝዕባ ሕይወትካ ጥልቂ ኣስተንትኖ ንኽትገብር ነዚ ንምፍጻም እግዚኣብሔር ብካህናት ገይሩ ይራኸበናን ውስንነትና ውሽጣዊ ምግርጫታትናን ኵሉ ሓጢኣትና ምስ እንናዘዝ ይኣልየናን የጸንናዓናን መለኮታዊ ምሕረቱን እውን ይጽግወናን . . . እዚ ኸኣ በዓለ ፋሲካ ደረት ትርኢት ገርካ ዝፍጸም እዩ . . .

ለብዕን ምስጢረ ንስሓን

. . . ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ ምስጢረ ንስሓ ጥልቁ ትርጉሙ ከይንዝንጋዕ መታን ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ናይ ብጹዓን ጳጳስት ኣባይቲ ምኽሪ፡ ለብዒ ኮቪድ-19 ንምብዳህ ዝተደንገገ ናይ መምርሒ ሕጊ ብምኽባር ምስጢረ ንስሓ ንምስራዕ ዝድግፍ ኣገባብን ወዳቤን ከምእተገብረ እውን ኣዘኻኺሮም . . . ስለዚህ ብሓጺሩ ምስቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርአይ ለብዒ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻርን ንምድራትን ኣብ ኣግልግሎት ዘሎ መምርሒ መሰረት ክፍጸም ኣለዎ ኢሎም።

ይቕረብ ምባል፥ ከቢድ ግና ኣገዳስን

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያውያን መገሻ፥ ክርስቲያን ብምዃን ንምንባርን ክርስቲያን ኣብ ምዃንን ምሕረትን ይቕረ ምባልን ኣገዳሲ እዩ፥ ስለዚህ እዚ ኣብ ማሕበረሰብናን ኣባይቲናን ኣብ ናይ ዕዮን ኣብ እንወፍረሉ ኩሉን እንነብሮ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኣብ ይቕረብ ምባል ጸጋ እግዚኣብሔር ይራኸበና ህላዌኡ - ናይ ጐይታ - ምሕረት ብጭቡጥ ንምንባር ዋሕስ እዩ፡ ነቶም ንዝበደሉና ይቕረ ኣብ ምባል እዩ እቲ መምዘኒ፡ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ኣቢሉ ይቕር በለና ምሕረት ጸገወናን ብዝዓበየ እውን ኣድሓነና፡ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብዚ ናይ ምድሓን መደብ ንዝበደሉና ይቕረ ብምባል ተዋሰእቲ ንኸውን፡ . . .  ኢሎም።

13 March 2021, 23:02