ሓሴት ፍቅሪ ኣብ ናብራና! ምስክርነት ስድራቤታት!

ንዝመጽእ 25 መጋቢት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ምስ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ብምሕባር ዝኽሪ ሓሙሻይ ዓመት ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ሓሴት ፍቅሪ ክገብሩ እዮም። ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ነዛ ቃለ ምዕዳን እዚኣ ብከመይ ከምዝነብርዎ ምስክርነቶም ብርእየት ቪድዮ ልኢኾም ኣለው። ብፁዕ ካርዲናል ፋረል ነዚ ፍጻሜ ‘ንግድላትን ቡራኬን ስድራቤታዊ ሕይወት ሎሚ ከም ሎሚ ንምርዳእ ዝቀረበ ዕድመ እዩ’ እንክብሉ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ዕለት 19 መጋቢት 2019 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንክልተ ዓበይቲ ሲኖዶሳት ስድራቤት ድሕሪ ምምራሕን ንኩሉ ምኽርታትን ሓሳባትን ኣበው ጳጳሳትን ምኩራትን ምሁራንን ስድራቤትን ኣብ ግምት ብምእታው ‘ኣብ ስድራቤታት ዝንበር ሓሴት ፍቅሪ ናይ ቤተክርስትያን ኢዮቤል ሓጐስ እውን እዩ’ እንክብሉ ነታ ብዙሕ ዘዘራረበት ገና እውን ተዘራርብ ዘላ ድሕረ ሲኖዶሳዊ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖም ኣውጁ። እዚ ሰነድ እዚ ብቀንዱ ነቲ ብብዙሕ ግድላት ዝቈሰለ ስድራቤት ዘመንና ቤተክርስትያን ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ‘ንእሽቶ ቤተክርስትያን’ እንክብል ኣድላይነት ስድራቤት ኣብ ሕይወት ዘመደ ኣዳምን ቤተክርስትያን ገሊጾም። ትሕዝቶኡ ኣብ ግዜኡ እኳ ገሊጽና እንተነበርና ብ325 ዓናቅጽ ንኩሉ ጸገማት ስድራቤታት ዘመንና ብምጥቃስ ሽሕ’ኳ ብዙሕ ቊስልታትን ተኣፈፍቲ ጒዳያትን እንተኸበብዋ ስድራቤት እታ ዝበለጸት መደብ ኣምላኽ ብምዃኑ ብሓቂ ደስታ ፍቅሪ ዝርከበላ ምርጽቲ ኣሓዱ ምዃና ብሰፊሑ ይትንትን።

ሕጂ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ ክልተ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታ ቅድስት መንበር ማለት ንምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን እትሓልን መራኸቢ ብዙሓን እተንቀሳስን ብሓባር ኰይነን ነቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ቅዱስነቶም ፍሉይ ዓመት ስድራቤት ብመንጽር ሓሴት ፍቅሪ ዝኣወጅዎ ድሮ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ ዕለት 19 መጋቢት ብምእዋጆም እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ዝመጽእ 25 መጋቢት ጀሚሮም ብመሠረት እቲ ሰነድ ኣስተንትኖ ከመሓላልፉ ምዃኖም ተመልኪቱ። ብቀንዱ ኣብ ምስክርነት ስድራቤታት ዝተመስረተ ኰይኑ በተን ቀንዲ 5 ቋንቋታት ኤውሮጳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካን ማለት www.amorislaetitia.va ኣብ ዝብል ሓጸርቲ ቪድዮታት ካብ መላእ ዓለም ኣኪቦም ከቅርቡ ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ነዚ ብዝምልከት ሓላፊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ‘እዚ መደብ እዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንነፍሲወከፍና ዘበርከትዎ ውህበት እዩ። ብሓባል ኰና ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ እዚ ትምህርቲ እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ክንዝክር ኢና። ተስፋይን ጸሎተይን ከኣ ኩልና ብሓባር ክንሰምዖን ክንርድኦን እሞ ኣድላይነት ናይዚ ሰነድ ብምርዳእ ንግድላትን ቡራኬታትን ስድራቤት ኣለሊና ክንክእል እሞ ንሠናይ ነገር ዘመደ ኣዳምን ብሓፈሻ ኸኣ ስለሠናይ ነገር ኅብረተሰና ብምህናጽ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ዝከኣለና ክነበርክት ነፍሲወከፍ እጃሙ ከበርክት እዩ’ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 March 2021, 12:46