ካስፐር፥ ር.ሊ.ጳ. ንምሕራይ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተርኽብሉ እዋን ንበርጎሊዮ ዝለገስዋ መጽሓፎም

እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ ዝብል ርጉጽ ተኣምኖ ገይረን፡ ምሕረት ናይ እግዚኣብሔር ልዑል ስልጣንን ፍተሕን ናብ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ዘይደጋገምን ፍልዩን እንኮን ሰብ ናብ ዝነበረሉ ኵነት ዘብለሉን እዩ”፡ ብግብሪ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ካስፐር ብዛዕባ እታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ሕርየቶም ዕለት 17 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔ ዝጠቐስዋ መጽሓፎም መሰረት ገይሮም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥  ኣርእስታን ትሕዝቶኣን ናይ በርጉልዮ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ትምህርቶም ዓንዲ ዝኾነ ሓሳብን ኣርእስትን ዘለዋ ኮይና ክረኽብዋ ሎሚ ንድሕሪት ምስል ቢሎም በርጎሊዮ ቅድሚ ምሕራዮም ዝለግሱሎም መጽሓፍ ምዃን እንክዝክሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 17 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል በርገሊዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተሓርዮም ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ እታ ብብጹዕ ካርዲናል ዋልተር ካስፐር ኣብቲ እዋን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝለገስሎም ብዛዕባ ምሕረት እግዚኣብሔር እትዛረብ ዓባይ ቲዮሎጊያዊትን ቅዱስ መጽሓፋዊትን መጽሓፍ ጠቒሶም፡ ንብጽዕ ካስፐር በእጋሮም ደው ዝበሉ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝዝከር እዩ።

“እዚ ናይ ኣምላኽና ቃል እዩ”

ብትኽክል ልክዕ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ብጹዕ ካርዲናል ካስፐር ብዛዕባ እታ መጽሓፎምን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክጥቐሱን ዝተሰምዖን ስምዒት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እታ ኣብቲ እዋን ንንባብ ዝበቐዔት “ምሕረት፥ ናይ ወንጌል መሰረታዊ ኣምር፥ ንናይ ክርስቲያን ሕይወት መፍትሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ኣብቲ እዋን እውን ብቋንቋ ስፓኒሽ ተተርጒይማ ምስ ቀረበት ካብ ሓታሚኣ ናይታ ብቋንቋ ስፓኒሽ  ሕታም መጽሓፍ ፈልዩ ሰለስተ ከም ህያብ ምስ ኣቕረበሎም ንሶም እውን ኣብቲ እዋን ር.ሊ.ጳ. ንምሕራይ ናብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝኣተዉ ሓደ ካርዲናል ከምዝኾኑን፥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ብዙሓት ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ምስ ዘለዎ ካርዲናላት ከምዘዕረፍን በጋጣሚ ኮይኑ ፊት እታ ዝዓረፉላ ቤት ናይ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል በርጎሊዮ ከምዝነበሩን ብዙሕ እውን ዝፋለጡ ኣይነበሩን፡ ነታ ሓንቲ ካብተን ብስፓኒሽ ቋንቋ ትርጉም መጽሓፎ ኣጋጣሚ ኮይኑ ይልግስሎም እዚ እውን ዘይሓሰብዎ እዩ ዝነበረን፡ ካርዲናል በርጐሊዮ “ብሓቂ እዚ እዩ ቃል ኣምላኽና (ምሕረት)፡ ብዘይ እዚ ቃል እዚ ኣይምሃለናን” እንክብሉ ኣድናቖቶም ከምዝገለጹሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዝክሩ።

ናይ ር.ሊ. ጵጵስናኦም ዓንዲ

ዕለት 17 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል በርገሊዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተሓርዮም ፍራንቸስኮ ዝብል መጸውዕ ዝሓረዩ ቀዳማይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስብቲ ጸሎት ንኽሓብሩ ንዝተረኽቡን ነቲ ስርዓተ ጸሎት ብመራኸቢ ብዙሓ ዝከታተሉ ንዝነበሩን ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕረት እግዚኣብሔርን-ምሕረት እግዚኣብሔር ማእከል ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ሕይወት ክርስቲያንን ምዃኑን ቅድሚ ምሕራዮም ዝሓስብዎ ዝነበረን ደሓር እውን ብሓደ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብስነ ቲዮሎጊያዊ ኣገባብ ተገሊጹን በሪሁን ከምዝረኸብዎን ብትኽክል ንብጹዕ ካርዲናል ካስፐርን መጽሓፎምን ጠቒሶም በእጋሩ ደው ዝበለ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እንክብል ክገልጽዎም ከማተሰምዔን ነዚ ቃል እዚ ነቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ብተለቪዥን ባዕሎም ካርዲናል ካስፐር ክሰምዕዎ ዝፈጠረሎም ፍሉይ ስምዒት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እውን ናይ ምሕረት ዓመት ኣዊጆምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘምሕረት ክፍጽሙን ክትርእይ ሓደ ብሓደ ኣብ ዝለገስወን ሓዋርያውያን መልእኽቶምን ዓዋድያን መልእክቶምን ኵሉ ኣብ ዝፍምጽዎም ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ምሕረት እግዚኣብሔር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትም ማእከል ከምዝገበሩ ብጥልቂ ተስተውዕል ኢሎም።

ናይ እግዚኣብሔርን ልዑል ስልጣን ኣብ ምሕረቱ እዩ

“ምሕረት - ይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ካስፐር - ንቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ተኣማንነት ዘውህባን ክህልዋን ዝገብር እዩ”፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ሰብኣዊ ምሕረት ዘይኮነ ብፍላይ ብዛዕባ ምሕረት እግዚኣብሔር እዮም ዝዛረቡ፡ ብቕዱስ ኣቦና ክጥቀሱ ድማ ከምዘገረሞምን ብዛዕባ ምሕረት እግዚኣብሔር እውን ከዕሙቑ ዝለዓለ ደራኺ ምኽንያት ከምዝኾኖም ገሊጾም፡ ብዛዕባ ምሕረት መጽሓፍ ንኽደርሱ ዝደረኾም፡ እግዚኣብሔር መን እዩ ዝብል ሕቶ ምዃኑ ዘኪሮም - ኣስዒቦም - “ብውልቀይ ናይዚ ኣምር እዚ ማእከልነት ተሰቊይሩንን፥ እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ ዝብል ርጉጽ ተኣምኖ ገይረን፡ ምሕረት ናይ እግዚኣብሔር ልዑል ስልጣንን ፍተሕን ናብ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ዘይደጋገምን ፍልዩን እንኮን ሰብ ናብ ዝነበረሉ ኵነት ዘብለሉን እዩ”፡ ብግብሪ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ንኽትሕግዞም ዘኽእል ፍሉይ ራእይ እዩ እንክብሉ ብጹዕነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕይወት ክርስትናን ማእከል ምሕረት እግዚኣብሔር የብርሁ፡

ቲዮሎጊያ ቅድሚ ስነ ምርምር ተልእኾ እዩ

ብጹዕ ካርዲናል ካስፐር፥ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይብሉ “ጐይታ ምሕረት ኣይሓተናን ምኽንያቱ ድዃምትን ሓጥኣንን ኢጐነታውያን ስለ ዝኾና፡ ስለዚ ምሕረቱ የወፍየልና፥ እቲ ንኣና ዝለገሶ ምሕረት እዩ መሓርቲ ንኽንከውን ሓይልን ጸጋን ዝጽግወና”፡ ብዛዕባ እምነት ካብ ዝግበር ቲዮሎጊያ ኣብ ዘተ ዝውክሉ ኣገባባት ምርምር እትረኽቦ ምርዳእ እምነት ዘተኣማምን ጽኑዕ መርገጺ ይውለድ፡ እቲ ቲዮሎጊያ ኣብ ዘተ ዝብል ናይቲ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንመጀመሪያ ግዜ ብቋንቋ ጣልያን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዓ ዓቢይን ኵሉ ቲዮሎጊያ መጻሕፍቶም ከም ተኸተል ብሓደ ናይ ዝጥርንፍ መጽሓፎም ኣርእስቲ እዩ።

እምነት ክርስትና ኣብ ኩሉ ኣበይ ምስ ሕቶታት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዋእልን ናይ ግዜ ምልክታን ብምዝታይ እዩ ክጸንዕ ዘለዎ፡ ዝበሉ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም - “ቲዮሎጊያ - ይብሉ - ንናይ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ስነ ምርምርን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ መናብርተ ጥበባታን ተቕዋማታን ጥራሕ ዘይኮነ ንተልእኾኣ ኣብን ናብን ዓለም መሰረት እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ እተሓሒዙ እቲ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምርታቶም ብሓደ ዝጥርንፍ ተኸታታሊ መጽሓፍ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ይትርጐም እውን ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ እዚ የዘኻኽር።

19 March 2021, 15:04