2019.09.07 ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምሥረታ መማህራን ደናግል ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኣቪዝ 2019.09.07 ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምሥረታ መማህራን ደናግል ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኣቪዝ 

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ዉፉይ ሕይወት!

25 ዓመት ይገብር በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሰብ ውፉይ ሕይወት እትምልከት ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ብመጋቢት 25 1996 ጽሒፎም ነበሩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ሓላፊ ንተቅዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን እትሓሊ ማሕበር ብፁዕ ጅዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ‘መሰኻኽርናይቲ ቅድሚ ኩሉ ጽቡቅን ሓቅን ዝሥራዕ ጽባቄ ገጽታ እግዚአብሔር ኩኑ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕነቶም ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ቀንዲ ጸዋዕታኦም ምልክት ተስፋን ትርጉም ተስፋን ክምስክሩ ዝተጸውዑ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ምናዳ ኣብዚ ዓለም ብዓለማ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዘሕዝን ናይ ተስፋ ስእነት ኩነታት ተዋሒጣትሉ ኣብ ዘላ እዚ ጥራይ ከይኣክል ደኣ እቲ ንሱ ዘስዓቦ ሳዕቤንን ቅልውላዋትን ዕለት ዕለት ኣብ ሲቭላውን ክርስትናውን ማሕበራትና ንዕዘቦ ዘሎና ስለዝኾነ ዘርኢ ተስፋ ክዘርኡ ሓደራ ኢሎም። ብፁዕነቶም ነዙይ ዝበልዎ ኣብ ሓንቲ ናብ ኩሎም ሰብ ውፉይ ሕይወት ውሉደ ክህነትን ዓለማውያንን ንሰብ ጽቡቅ ድላይን ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ሰብ ውፉይ ሕይወት ናይ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ እዮም። እቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተጻሕፈ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ሽዑ ንዝነበረ ቅልውላው መንነትን ኣምሳል ቅድስት ሥላሴን ይገልጽ።

መንነትን ቅድስት ሥላሴን!

ከም ዝዝከር ብወርሒ ጥቅምቲ 1994 ዓም ብፁዓን ኣበው ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሲኖዶስ ኣካዪዶም ነበሩ። ብቀንዱ ዘተኰረሉ ኣርእስቲ ‘መንነት ሰብ ውፉይ ሕይወት’ እንኽኾነ ሽዑ እውን ከምዚ ሎሚ ዓቢይ ቅልውላውን ምልውዋጥ ኅብረተሰብን ሕንፍሽፍሽ መንነትን ኣባልነትን ይረኤ ስለዝነበረ እታ ሓዋርያዊት ምሕጽንታ ንመንነት ሰብ ውፉይ ሕይወት ‘ነታ ብኣርኣያን ኣምሳልን ቅድስት ሥላሴ ዝተፈጠርናላ ርክብ ትገልስ ከመይ እዛ መበቆላዊት መንነት እዚኣ ናይቲ ንኣና ክብል ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ መልክዕ ተሳኢሉሉ ነበረ እዚ መልክዕ እዚ ከኣ ክብርን ገጽታን እግዚአብሔር ኣቦ ብዘደንቅ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ይገልጽ። በዚ ከምዚኸስ ምርጫ ውፉይ ሕይወት ነቲ መበቆላዊ ሰብኣውን መለኮታውን ዝኾነ ርክብ ምሥጢራውን ብርሃናውን ካብ ሰማያዊ ናብ ምድራዊ ምውራድ ካብ ምድራዊ ከኣ ናብ ሰማያዊ ምድያብ የመልክት። ነዚ ክውን ዝገበረ እቲ ንመልኮታዊ ልዕልና ናባና ከምጽእ ትሕትና ለቢሱ እንትርፎ ብሓጢኣት ሰብኣውነትና ብምልባስ ኢምንትነት ዝመረጸ ኣብ መንጎ እቲ ክብጻሕ ዘይከኣል ልዑል ጽባቄ እግዚአብሔርን ብስቃይ ዘገልገሎ ድኽነትን ርክብ ናይ ዝፈጠረ ክርስቶስ ዳግም ዘልበሰና መበቆላዊ መንነት ኣምሳልን ኣርኣያን ቅድስት ሥላሴ እዩ’ እንክብል ይገልጾ። እዚ ኣብ ርክብ ዘተኮረ መንነት እዚ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ዓለምን ንዘሎ ርክብ እውን ብርሃንን ጨውን ምድሪ ብምዃን ንክቅጽልዎ ነቶም ዝሓረዮምን ቤተክርስትያን ክቊሙ ዝመዘዞምን ንኣኡ ዝተወፈዩ ሰባት ገሩ ይቅጽሎ ከምዘሎ ኣስዒቦም ይገልጹ።

ምስ ቤተክርስትያንን ዓለምን ርክብ ምፍጣር!

ከምቲ ኢየሱስ ንሓጢኣትናን ጒድልነትናን ተሰኪሙ ከክንዳና ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ርክብ ሰማይን ምድርን ማለት ሰብኣውን መለኮታውን ርክብ ዝፈጠረ እቶም ከማኡ መስቀሎም ተሸኪሞም ኩለንትናኦም ንኣኡ ብምውፋይ ንብጾቶም ንክጾሩ ብጸጋኡ ዝወሰኑ ነቲ ብሥራቱ ተቀቢሎም ብሓጐስ እናነበሩን እናስተማቀርዎን ሕይወት ቅድስና እናነብሩ ሕውነት ይምስክሩ። ነዚ ግን ፍጹም ጻድቃን ኮይኖም ዘይኮነ ማንም ድኻታት ሓጢኣተኛታት ኰይኖም ወፈያኦም ንኣተሓሳስባ ዓለም ብዘይጻረር መንገዲ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓፈሻዊ ናይ ዘይምሕጓስ ጽምኢ የርዊ። በዚ ከምዚ ከኣ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝደኸየ ምዃና ንምልከቶ ጉዳይ እዩ፡ እንተኾነ ግን ሳላ ጸጋ እግዚአብሔር ካብ ካልእ ግዝያት ምስ ቤተክርስትያንን ዓለምን ምስ ዚኣምንን ዘይኣምንን ምስ ዝሳቀን ብሕትውና ምስ ዝወሓጦን ዝበዝሐ ርክብ ንዕዘብ ኣሎና’ እንክብል ግሉጽ ድኽነት ወፈያን ኣገልግሎትን እኳ እንተሎ እቲ ዘሎ ቁሩብ ቊራቦ ብጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ሰፊሕ ግራት ቤተክርስትያንን ዓለምን ከምዝዋሳእ ምስ ገለጹ ዝኾነ ነዚ ሕይወት ዝመረጸ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ስምዒት ክህልዎ እዚ መንፈስ ውልድነት ከጥሪ ክኲስኩስ ኣዘኻኺሮም።

መንፈስ ውልድ ምልባስ!

ድሕሪ ሓፈሻዊ መግለጺ መንነትን ተልእኮን ሰብ ውፉይ ሕይወት እቲ ሰነድ ኣብ ቀንዲ ጒዳይ ዝበሎ ንሱ ከኣ ኲስኰሳ ሰብ ውፉይ ሕይወት ይሰግር እሞ እቲ ርክብ ምስ ቅድስት ሥላሴ ርክብ ምስ ቤተክርስትያንን ዓለምን ብኣገልግሎት ብጾትን ምስክርነት ሕውነትን ዝበሎ ኩሉ ኣብ ኲስኰሳ ከምዝጠቃለል እዚ ከኣ እቲ ነዚ ሕይወት እዚ ዝመርጽ ኩሉ ቅድሚ ዝኣገረ መንፈስ ውልድነት ክስምዖን ነዚ ከዕምቆን እሞ እቲ ኣቦኡ ዝገብሮ ክገብር ኣቦኡ ዝሓስቦ ኪሓስብ ኣለዎ ይብል። ከምቲ እግዚአብሔር ኣቦ ንድኻታትን ጥቊዓትን ጭኑቃትን ፍሉይ ቈላሕታ ዝገብር ልመና መበለት ዝምልስ ምስ ደቂሰባትን ስለደቂሰባትን ዝሳቀ ክኸውን ኣሎዎ። ብሓጺሩ ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወት ምስቲ ብዙሕ ውህበታቱ መግለጺ ናይዛ ኣባትነት እዚኣ ኰይና መንፈስ ውልድነት ብሓቁ ክለብሶ የድሊ። ነፍሲወከፍ ማሕበር ሰብዉፉይ ሕይወት በቲ ዝተዓደሎ ውህበት ሓደ ፍሉይ መለኮታዊ ነገር የታቲ። ነዚ ወትሩ ሕያው ንምግባር ከኣ ቀጻሊ ኲስኰሳ ንምሉእ ሕይወቶም ዘሰኒ የድሊ። እዚ ሎሚ ከም ሎሚ ብዕምቈት ክጽናዕ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ከመይ ስምዒታትን ፍቅርን ድሌትን ኣቦ እዚ ከኣ እቲ በግዕ እግዚአብሔር ወዱ ብስብከቱን ኣገልግሎትን ብተወፋይነቱን ሕማማቱን ዝሓደገልና ምስክርነት እዩ። ነዚ ኩሉ ከምዝደልዩን ብቀጻሊ ከምዝኲስኰሱን ዝገብር ከኣ መሰኻኽር ጽባቄ እግዚአብሔር ንምዃን በዚ ጽባቄ እዚ ቅድሚ ኩሉ ሰብውፉይ ሕይወት ክማረኹ ኣለዎም።

ማርኾት ማሕሌት ጽባቄ!

ብፁዕ ካርዲናል ኣቪዝ ንትሕዝቶ ናይቲ ቅድሚ 25 ዝተጻሕፈት ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ብሓጺሩ ምስ ገለጹ ብርግጽ ሰብውፉይ ሕይወት ጽባቄ እግዚአብሔር ክምስክሩ ዝተጸውዑ እዮም እንተኾነ እግዚአብሔር ዝለዓለ ጽባቄን ሠናይ ነገርን ካብ ኮነ እቲ ንሱ ዝለኣኸልና ከማና ሰብ ዝኾነ እንኮ ውዱ እውን ልዕሊ ኩሎም ደቂሰባት ዝጸበቀ እዩ። ስለዚ ንኣኡ ውፉይ ምዃን እቲ ዝበለጸን ዝጸበቀን ነገር እዩ። ናብ ሓቂ እትወስድን ነታ ሓቂ ተኣማኒትን ሰሓቢትን ንምግባራ እተኽእልን እንኮ መንገዲ ከኣ መንገዲ ንጽሕና እያ። በዓል ውፉይ ሕይወት ከምቲ ንኣኡ ዝተወፈዮ ኩልንትናኡ ንጹሕ ኩለትናኡ ጽቡቅ ኩለትናኡ ሠናይ ክኸውን ኣለዎ። ምስክርነቱን ዝህቦ ቃልን ሠናይ ክኸውን ኣለዎ ከመይ ገጽታ እቲ እነብስሮ ሠናይ ስለዝኾነ ኣብ ከባቢኡ ዘስተንፍሶ ሕውነት ክኸውን ኣለዎ። ቤተመቅደስናን ሥርዓተ ኣምልኾናን ጽቡቅ ክኸውን ኣለዎ ከመይ ነቲ ልዑለ ልዑላን ምጽላይን ምውዳስን ብቃሉ ክንቅለስ ምፍቃድን ዝመስልዎ ጣዕምን ጽባቀን የሎን።  ልብና ብሓደ ልቢ ጥራይ ንምፍቃር ድንግል ክኸውን ኣለዎ። ድኽነትና ንሱ ጥራይ መዝገብና ምዃኑ ክገልጽ ኣለዎ። ንፍቃድ ድሕነቱ ምእዛዝና ንኣኡ ጥራይ ሃረር ብምባል ንጹሕ ክኸውን ኣለዎ። ንዝሳቀ ዘሎ ሓውና ንምቅባልን ርሕራሔ ዘለዓለማዊ ኣቦና ንምውፋይን ነጻ ዝኾነ ልቢ ክህልወካ ክንደይ ጥዑም ይመስለኩም። እቲ እንነብሮ ኣከባቢ ገርሀይና ፈጠራ ዘይርሕቆ ጽቡቅ ክኸውን ኣለዎ ከመይ ኩለንትናና ህላዌን ማእከልነትን እግዚአብሔር ብግልጺ ከርኢ ኣለዎ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
26 March 2021, 14:03